S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ሕጊ እንተረጊጽካዮ ተመሊሱ ክረግጸካ እዩ”

ቃል ብጹእ ወቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ: ወዲ ሰብ ዕለታዊ መነባብሮኡን መንፈሳዊ ሕይወቱን ኩሉ ኣብ ሕግን ስርዓትን ዝተመስረተ እዩ፡፡ እዚ ማለት ዝኾነ ሰብ ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ክሳብ ዘሎ ንስግኡ ዝምልከት ብዓለማዊ ሕጊ-መንግስት፣ ንመንፈሳዊ ሕይወቱ ዝምልከት ድማ ብሕጊ እምነትን ባህላዊ ስርዓትን ክመሓደር ንቡር እዩ፡፡

ኣብ ምድሪ ሕጊ ክኽበር ሃይማኖትን ሞራል ወዲ-ሰብን ክበራበር ንሰላም ዓለም ኣገዳሲ ጉዳይ ብምኻኑ መራሕቲ ሃይማኖትን መንግስታት ዓለምን ተኸባቢርካ ብሕጊ ንምንባር ስምምዓት ክፈራረሙ ንርኢ ኢና፡

ኩልና ከምእንፈልጦ እንስሳታትውን ከይተረፉ ብባህርያዊ ሕጊ-ተፈጥሮ ጸኒዖም እናነበሩ ከለዉ፡ እቶም ንዓለምን ስግኦምን መኒኖም ሞይቶም ተገኒዞም ዝሞንኮሱ ኣቦታት፡ንዝመሓልሉ ሃይማኖት ከፍርሱ፡ ንዝቐብእዎም ፓትርያረክ ክኸሱ፡ንሓደ ጭዋ ሰብ ኣብ መንበር ቅድስና ከንግሱ ህርድግ ክብሉ ምርኣይ ግና ብሓደ ወገን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ክኸውን ኮሎ፡ በቲ ኻልእ ከኣ "ኣንታዚኦምሲ እምበርዶ ብሓቂ መነንቲ እዮም" ዘብል እዩ። እዚ ተግባር' ድማ ኣብቲ ሕፉርን ክቡርን ታሪኽ ተዋህዶ ሓደ ጸሊም ነጥቢ ኮይኑ ክነብር እዩ፡፡

ቅዱስ መጽሓፍኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ገበርቲ ሕጊ እምበር ሰማዕቲ ሕጊ ኣይጸድቁን እዮምሮሜ 213 እናበለ፡ ሕልናኻ እናወቐሰካ፡ ሰዓቢኻ እናነገረካ ከሎ ንግዚያዊ ጣዕምን ህርፋን ስልጣንን ክትብል መንፈሳዊ ክብርኻ ምድርባይ ግና ምድራዊ ፍርድን ሰማያዊ ኩነኔን ዘስዕብ ድርብ ክሳራ እዩ፡፡ ሕጊ ዝተሰርዐ ድማ ንመፍረስቲ ሕጊ እዩ ! ( 1ጢሞ 19)፡፡

እምበኣር ይትረፍዶ ደኻሚ፡ ሓማሚ፡ መዋቲ ዝኾነ ወዲሰብሲ ክርስቶስውን እንተኾነ ንሕግን ነቢያትን ክፍጽሞም ደኣ መጸ እምበር ከፍርሶም ኣይመጸን፡፡ መንፈሳዊ ሕጊ ድማ ቅዱስን ንዘለዓለም ጸኒዑ ዝነብርን እዩ፡፡ እምነት ድማ ብእግዚኣብሔር ከም ዝወግሕን ከምዝዓርብን ተረዲእካ ናይ ስጋ ዘይኮነ ናይ ነብሲ ናይ ምድሪ ዘይኮነ ናይ ሰማይ ንሰብ ዘይኮነ ንኣምላኽ ክንፈርህ እዩ ዝምህረና (ሮሜ 712)፡፡ ምኽንያቱ  ፈተና ናብ ዓስቢ እንሰጋገረሉ መድረኽ ኮይኑ እቶም ነቲ ፈተና ብዓወት ዝሰግሩ ድማ ዘለኣለማዊ ህይወት ተነቢሩሎም ኣሎ፡፡

ዘሎናዮ እዋን ከምቲቆልዓ ንኣረጊት ክታረሮ፡ ሕሱር ድማ ንክቡር ክደፍሮ እዩ“ (ኢሳ 35) ተባሂሉ ብትንቢት ዝተነገረ እኳ እንተኾነ ጻድቕ ግና ብእምነት ስለዝነብር ኣሰር ክርስቶስ ተኸቲልና ንክብሪ ተዋህዶና ኣብ ቀኖናዊ ሕጊ ሓዋርያት ደው እንተበልና ሞገስን ሰማያዊ ዓስብን ክንረክብ እና፡፡ ፓትርያረክ እንጦንዮስን ድማ ኣበሳ ስለዝተረኽቦም ዘይኮነስ ኣሰር ክርስቶስ ስለዝሰዓቡ ጥራይ እዩ ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ዘለዉ። ካብ ንግዚኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎም ድማ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ መከራ ምጽጋብ መሪጾም። ሰማያዊ በረኸት ካብ ምድራዊ ረብሓ ከምዝበልጽ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ (እብራ 11.24-28)ኣነጺሩ ገሊጽዎ'ሎ።

ነቶም ስምምዕ ኣብ ዘለዎ ባእሲ፡ ሕጊ ኣብ ዘለዎ ብምፍራስ ሕጊ ክነብሩ ዝደልዩ ዘለዉ ድማ ኣምላኽ ባዕሉ ዝጠዓስ ልብን ካብ ጌጋ ዝምለስ ኣእምሮን ክህቦም ንልምን፡፡ እንተዘይኮይኑ ግና ሰብ ዝዘርኦ ስለዝዓጽድ ሎሚ ብታህዋኽ ዝረግጽዎ ዘለዉ ሕጊ ሃይማኖት ጽባሕ ተመሊሱ ክረግጾም ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ፡፡

ኣምላኽ ምሕረቱ የውርደልና !!!

 

ክፍሊ ትምህርትን ስብከትን

posted 23 September 2008 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div