S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣባ ዲዮስቆሮስ ብዝወረዶም ወቕዒ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም ኣብ ካርቱም ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ ለውጢ ስለዘየርኣዩ ብህጹጽ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም ብፁዕ ኣቡን ዲዮስቆሮስ፥ ዝርኣይዎ ዝዛረቡ: ብግርህነቶም ዝልለዩ ሰብ እዮም። እንተኾነ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ከም ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ፥ ኣባ ሉቃስ: ቀሺ ሃብቶም ርእሶም: ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይን ዝበሉ ሰባት ንግርህነት ናይዞም ሽማግለ ኣቦ መዝሚዞም ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሓደጋን ተነጽሎን ኣውዲቖማ እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ህልው ኩነት ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ካብ ኩነት ሃገርና ብዘይፍለ መልክዑ ኣብ ኣሰካፊ ህሞት ይርከብ።

ኣባ ዲዮስቆሮስ ፓትርያርክ ብሕይወት እንከሎ ካልእ ፓትርያርክ ኣይሽየምንዝብል ቀኖና (ሕጊ) ቤተ ክርስቲያን ጥሒሶም ድሕሪ ምሻሞም፥ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ምሉእ ተነጽሎ ኣጋጢምዋ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ሎሚ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ወጻኢ ዘይሰርሕ ምስሉይ ፓትርያርክን ዘኽታም ሲኖዶስን ሒዛ ክትነብር ተፈሪዳ ዘላ።

ኣባ ዲዮስቆሮስ፡ ብዘይካ እቶም ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ዝኾኑ ውሱናት ሰባት፥ ብኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ይኹን ብኣድማሳዊ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናትን ተነጽሎ ከጋጥሞም ጸኒሑ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝንቀሳቐስሉ'ውን ሓቂ ክትጠፍእ ዘይተዋሕጠሎም ገለ ሰባት ዓገብ ዝበሉውን ኣይተሳእኑን። ነቲ ዝመጽእ ዝነበረ ተቓውሞታት ብማእሰርቲን ብምጭዋይን ከህድእዎ እኳ እንተ ፈተኑ ንምጥፍኡ ግን ኣይከኣሉን። ክሳራን መከራን ኣየውረዱን ግና ኣይበሃልን። ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ኣተዉ ዘይበሃሉ ካህናትን መነኮሳትን (ንኣብነት መናኒ ኣባ እማሃሓቒቖም እዮም። እቲ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንና ተረጊጹ ዝብል ተቓውሞ ግን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት መመሊሱ እናተላብዐ ይመጽእ ኣሎ። እቶም ብድፍኢት መራሕቲ ፖለቲካ፥ ዘይሕጋዊ መዓርግ ፓትርያርክ ሒዞም ዝጸንሑ ኣባ ዲዮስቆሮስ ድማ ግዳይ ግርህነቶም ኮይኖም ንህይወቶም ኣብ ዘሻቕል ኩነት ኣትዮም ኣለዉ።

እዚ ሕጂ ንኣባ ዲዮስቆሮስ ወሪድዎም ዘሎ ከቢድ ሕማም፥ ብመርገም ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ እዩ እኳ እንተዘይተባህለ፥ ሓደ ዘመሓላልፎ ሓቂ ግና ኣሎ - ብሓደ ወገን ዕድመ ወዲ ሰብ ክንደይ ድሩት ምዃኑ በቲ ካልእ ድማ ብህይወት እንኰለኻ ንስሓ ከምዘድሊ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ።

እዚ ኩነታት እዚ ክምህሮም ዘይከኣለ ገለ ጳጳሳት፥ ብፍላይ ድማ እቶም ብምንባር-ኢድ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተቐብኡ ኣባ ሉቃስ፥ በዚ ኣብ ኣባ ዲዮስቆሮስ ዝወረደ ሽግር ዝተማህሩ ኣይመስሉን። እኳድኣ: ኣቡነ እንጦንዮስ ብህይወት እንከለዉ እታ ዝተባረኹላ መስቀል ብዓመጽ ንምምንዛዓ ለይትን መዓልትን ዘይተሓለለ ጻዕሪ የካይዱ ኣለዉ።

ኣባ ሉቃስ ነቶምበስመ ኣብኢሎም ዝቐብእዎም ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስመናፍቕብምባል ስሞም ዘጸልሙ፥ ንመጽሓፍ ቅዱስመጽሓፍ ርኩስብምባል ንቃል ኣምላኽ ዝጸረፉ እዮም። እዚ ማለት፡ ኣብ ቅሉዕ ቅርዓት ንዝፈጸምዎ ገበን ይቕሬታ ዘይሓተቱ ኣቡን እዮም። ሕጂውን ብኣባ ዲዮስቆሮስ ዝተፈጸመ ጸሊም ታሪኽ: ዳግማይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ክደግምዎ ብደገፍ ፖለቲከኛታት ናብ ሥልጣን ፓትርያርክ ዝመጣጠሩ ዘለዉ ሰብ እዮም። ኣምላኽ እንታይ ከምዘርእየና ግና ሓቢርና ንርእዮ።

ብወገንና ግን፥ ኣባ ዲዮስቆሮስ ዝጠሓስዎ ውግዘት ሥላሴ ንስሓን ይቕሬታን ረኺቦም ምስ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዕርቂ ፈጢሮም፥ ናብ ኣምላኾም ክዕረቑ ጸሎትናን ምንዮትናን እዩ። 

ኣምላኽ ምሕረት ሂቡ ናይ ንስሓ ጊዜ ክህቦም ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ናይ ሱባኤ ጊዜ ጸሎትና ከይፍለዮም ድማ ንምሕጸን።

 

ምሕረትን በረኸትን እንረኽበሉ ጾም ይግበረልና፡ ኣሜን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div