S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቤተ ክርስቲያን ኣንጾኪያ ሓድሽ ፓትርያርክ መሪጻ

ሊቀ ጳጳስ ሞር ቄርሎስ ኤፍሬም መበል 123 ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ኣንጾኪያ ኮይኖም ብምምራጾም ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ናይ ሠናይ ምንዮት መልእኽቲ ልኢኾሙሎም። ቅዱስ ሞር ኣግናጥዮስ ኤፍሬም ዳግማዊ፥ ብ31 መጋቢት 2014 ኣብ ዝተገብረ መንፈሳዊ ምርጫ እዮም ተመሪጾም።

ቅዱስ ሞር ኣግናጥዮስ ኤፍሬም ዳግማዊ፥ ብሥነ መለኮት ናይ ዶክተሬት ዲግሪ ዘለዎም፥ ኣዝዮም ብሱልን፥ ፍሉይ ናይ ስብከት ተውህቦ ዘለዎም፥ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ምብራቓዊ ክፍሊ-ግዝኣት ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኣንጾኪያ ንመዓርግ ፓትርያርክ መሪጽዎም።

ንሶም ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ፥ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ኣብ ሕብረት ናይ ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት ሶርያ፥ ኤርትራ ግብጺ ኢትዮጵያ፥ ኣርመንን ህንድን ዝርከባኦ፡ ኣዝዩ ልዑል ኣስተዋጽኦ ክገብሩ ዝጸንሑ ኣቦ እዮም።

ንቅዱስ ሞር ኣግናጥዮስ ኤፍሬም ዳግማዊ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ሶርያ፥ እግዚኣብሔር ጸጋኡ ከብዝሓሎም ኣገልግሎቶም ድማ ክባርኽ፡ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ተቕርቦም

ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዘካ ቀዳማዊ ንነዊሕ እዋን ኣብ ከቢድ ሕማም ድሕሪ ምጽናሕ ብ21 መጋቢት 2014 ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድሚኦም ከምዝዓረፉ ይዝከር። 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div