S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ኣግናጤዎስ ዛካ ቀዳማዊ መን ነበሩ?

ክቕድሱ ከለዉ፡ በቲ ጐይታና የሱስ ይዛረበሉ ኔሩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ቋንቋ ኣራማይስጥ (ናይ ሎሚ ሲራይክ) እዮም ዝቕድሱ፡ ወግዓዊ መጸውዒ ስሞምኣግናጤዎስ ዘካ ቀዳማዊዝብል ክኸውን ከሎ፡ ወግዓዊ መዓርገ ስልጣኖም ድማ፡ፓትርያርክ ኣንጾክያን ናይ መላእ ምብራቕንዝብል ነበረ።

21 ሚያዝያ 1933 ተወሊዶም 21 መጋቢት 2014 ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድሚኦም ዝሞቱ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዘካ ቀዳማዊ፡ ንሶርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ካብ 1980 ኣትሒዞም 33 ዓመታት እዮም መሪሖማ። ብዝሓደሮም ሕማም ልቢ፡ ኣብ ጀርመን ካብ 20 ለካቲት ኣትሒዙ ሕክምናዊ ረድኤት ክግበረሎም ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ እዮም ትማሊ ዓርቢ ዓሪፎም፡ ዝብል ዜና ዝዝርጋሕ ዘሎ። መስርሕ ምጉዕዓዝ ሬሳ ቅዱስ ፓትርያርክ ካብ ጀርመን ናብ ሊባኖስ ካብኡ ድማ ብምድሪ ናብ ሶርያ ምስ ተዛዘመ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘሶርያ ዕለተ ቀብሪ ብወግዒ ክእውጅ ምዃኑ ድማ ተፈሊጡሎ።

ፓትርያርክነት ቅዱስ ኣቡነ ዘካ ቀዳማዊ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ጥራይ ዝተደረተ ኣይነበረን። ሶርያ፡ ሊባኖስ፡ እስራኤል፡ ዒራቕ፡ ኩወይት፡ ኢራን፡ ደቡብ ምብራቕ ቱርኪ፡ ከምኡውን ህንዲ ኣብ ትሕቲ እታ ቤተክርስቲያን ተማእኪለን ስለዝመሓደራ ብሓደ መዳይ፡ ብጥንቲ ኸኣ ከምቲ ኣብ ግብረሓዋርያት 1126 ተጠቒሱ ዘሎ፡ እታ ቤተክርስቲያን መንበራ ኣብ ኣንጾክያ ስለዝነበረን፡ በዚ ምኽንያት እዚ እቶም መራሒ፡ፓትርያርክ ኣንጾክያን ናይ መላእ ምብራቕንተባሂሎም ይስመዩ። መንበረ ፓትርያርክ ዘኣንጾክያ ኣብ መበል 13 ክፍለዘመን ካብ ኣንጾክያ ናብ ደቡብ ቱርኪ ክቕየር ከሎ ክሳዕ 1933 ኣብ ቱርኪ እዩ ዝነበረ። 1933 ግን በቲ ኣብ ቱርኪ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ እቲ መንበር ናብ ሆምስ ዝተባህለ ቦታ ናብ ሶርያ ክቕየር ከኣለ። 1959 ድማ ናብታ ርእሰ ከተማ ሶርያ ዝኾነት ደማስቆ ተቐይረ ክሳዕ ሕጂ ድማ ኣቡኡ ይርከብ ኣሎ።

ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዘካ መን ነበሩ? እንተተባህለስ መን ኢልና ኮን ክንጠቕስ ምኸኣልና? ኦርቶዶክሳውያን ኢና እናበልና ብዛዕባ ኦርቶዶክሳውያን ኣቦታት ዘይምፍላጥና ምስ ምንታይ እዩ ኾን ክቝጸር?! ኣብ ባቕዳድ ርእሰ ከተማ ዒራቕ ኣብያተ ክርስቲያናትን ናይ መባእታን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ዘህነጹ፡ ብዙሓት ናይ ምምሃሪን መወከስን መጻሕፍቲ ዘዳለዉ፡ መንእሰያት ቅድስናኦምን ንጽህናኦም ሓልዮም ንኽነብሩ ዝለዓለ መንፈሳዊ ንቕሓትን ድጋፍን ኣብ ምግባር ዝተጸምዱ፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ከኣ ሕብረት ክገብራ ብርኡይ ዝጸዓሩ ኣቦ እዮም ኔሮም እምበኣር፡ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዛካ ቀዳማዊ።

እታ 452 ድሕሪ ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን ዘጋጠመ ምምቕቓል ናይ ቤተክርስቲያን፡ ባዕላዊ ምምሕዳር ዝኣወጀት ሶርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን፡ ቀዳማይ ፓትርያርካ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝኾነ እያ እትኣምን። ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዛካ ቀዳማዊ ድማ ንፓትርያርክ ኣግናጥዮስ ቅዱስ ያእቆብ ሳልሳዊ ብምትካእ መበል 122 ፓትርያርክ ናይታ ቤተክርስቲያን ኮኑ።

ካብ ናይ ኒውዮርክ ሓፈሻዊ ናይ ስነ-መለኰት ኮሌጅን ካብ ናይ ሽወደን ትካል መጽናዕቲ ኦሬንታልን ናይ ክብሪ ናይ ዶክተርነት ማዕርግ ዝተቐበሉ፡ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዛካ፡ ብቛንቃታት ሲራይክ፡ ዓረብን እንግሊዝን ዲፕሎማ ዝዓተሩ፡ ብዓውድታት ታሪኽ፡ ፍልስፍና፡ ስነመለኮትን ቀኖና ቤተክርስቲያንን ከኣ ዝለዕለ ነጥቢ ዘመዝገቡ ዕዉት ኣቦ ነበሩ። ንሶም ዝጸሓፍዎ መጻሕፍቲ ንመምሃርን መወከስን ኮይኑ የገልግል ከምዘሎ ድማ ይፍለጥ።

ብፍሉይ ክጥቀስ ዝግብኦ ካልእ ዝገበርዎ ዓቢ ኣብርክቶ ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብ ዝውጽእዎ ሓባራዊ ንሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን ብዝምልከት መግለጺ፡ ውህደት ክልቲኤን ኣሓት ኣብያተክርስቲያን ክህሉ ከምዝብህጉ ምትንባሆም እዩ።ኣብቲ 451 . ኣብ ኬልቄዶን ንቤተክርስቲያን ኣብ ክልተ ዝኸፈለ ኣኼባ፡ ናይ ቃላትን ባህልን ፍልልይ ዘስዓቦ ደኣምበር ብመሰረቱ ናብ ክልተ ከምቅል ዝኽእል ዝተፈላለየ ናይ ምስጢረ ስጋዌ እምነት ስለዝነበረ ኣይኮነን፡ በዚ መሰረት እዚ ድማ እቲ ነዛ ቤተክርስቲያን ናብ ክልተ መቒልዋ ዘሎ ናይ ሽዑ ኣኼባ፡ ሎሚ ሓቀኛ መርትዖ ክንረኽበሉ ንኽእል ኣይኮነን፡ዝብል ትሕዞ ዘለዎ ድማ እዩ እቲ ሽዑ ወጺኡ ዝነበረ መግለጺ። ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዛካ ቀዳማዊ፡ ኦሬንታላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ንሓድሕደን ክህልወን ዝግባእ ሕብረትን ናይ ቀረባ ርክብን ብዝምልከት ዝገበርዎ ኣበርክቶውን ክርሳዕ ኣይግብኦን። ብፍላይ እቲ ካብ 1998 ኣትሒዞም ተዓዊቶሙሉ ዘለዉ ናይ ሰለስተ ፓትርያርካት ዓመታዊ ርክብ ድማ ከም ኣብነት ምጥቃሱ ኣገዳሲ እዩ። ናይ ሶርያ፡ ግብጽን ኣርመንን ስሩዕ ናይ ፓትርያርካት ዓመታዊ ርክብ ካብ 1998 ኣትሒዙ ዕዉት ኮይኑ ዘሎ ኣገዳሲ ርክብ መራሕቲ ቤተክርስቲያን እዩ።

ሓጺር ድሕረ ባይታ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዛካ ቀዳማዊ

ክሳዕ ወዲ 12 ዓመት፡ ሰናክሬብ

21 ሚያዝያ 1933 ሞስኡል ኣብ እትበሃል ኣብ ሰሜን ዒራቕ እትርከብ ከተማ ተወልዱ። መጸውዒ ስሞም ሰናክሬብ ዝብል ነበረ። ገና ብህጻንነቶም ወለዶም ስለዝሞቱ ግን ኣብ መበል 12 ዓመት ዕድሚኦም ምስ ሰለስተ ኣሕዋቶም ሰለስተ ኣሓቶምን ዘኽተሙ። ቅዱስ ኣቡነ ዛካ፡ ናይ መባእታ ትምህርቶም ኣብ ቤትምህርቲ ቅድስቲ ማርያም ከምኡውን ኣብ ቤትምህርቲ ቅዱስ ቶማስ ተማህሩ።

ካብ ኣናጉንስጢስ ክሳዕ ክህነት፡ ዛካ

ኣብ መበል 13 ዓመት ዕድሚኦም ኣብታ ዝተወልዱላ ከተማ ሞስኡል፡ ናይ ስነመለኮት ትምህቲ ጀመሩ። ኣብቲ ቤትምህርቲ ድማ እቲ ሰናክሬብ ዝብል ስሞም ተሪፉ ዛካ ብዝብል ስም ተተክአ። ኣብ መብል 15 ዓመት ዕድሚኦም ኣናጉንስጢስ (ኣንባቤ መጻሕፍት)ዝብል ናይ ማዕርገ ዲቁና ዝተሓተ ማዕርግ ተቐበሉ። ኣብ መበል 20 ዓመት ዕድሚኦም ንፍቅ ዲያቆን ተሾሙ። ኣብ መበል 21 ዓመት ዕድሚኦም ከኣ ካብቲ ካብ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ከለዉ ዝብህግዎ ዝነበሩ ፈላሲ ናይ ምዃን ባህጊ 6 ሰነ 1954 ዓም መንኰሱ። ድሕሪ ምንኩስና ኣብ መበል 22 ዕድሚኦም፡ ማዕርገ ዲቁና ተቐበሉ። ቅዱስ ኣቡነ ዛካ ብሉጽ ተማሃራይ ምንባሮምን ናይ ኮሌጅ ትምህርቶም ድማ 97% ብምምዝጋብ ከምዝዛዘምዎ እዩ ዝፍለጥ። 1957 ዕለት 27 ናይ ወርሒ ሕዳር ብኢድ ፓትርያርክ ቅዱስ ያዕቆብ ሳልሳዊ ኣብ መበል 24 ዓመት ዕድሚኦም ማዕርገ ክህነት ተሾሙ።

ካብ ኮሌጅ ክሳዕ መዓርገ ጵጵስና፡

ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዛካ ቀዳማዊ፡ 1960 ኣብ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካሓፈሻዊ ስነመለኮታዊ ኮሌጅትምህርቶም ንምቕጻል ቅድሚ ምኻዶም፡ ካብ 1955 ክሳዕ 1958 ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ተማሂሮም ብዲፕሎማ ተመሪቖም ነበሩ። ኣብ ናይ ኒውዮርክሓፈሻዊ ስነመለኮታዊ ኮሌጅድማ ንኽልተ ዓመታትኦሬንታላዊ ቋንቋታትን ናይ መጋቢነት ስነመለኮት፡ ከምኡን ፍልስፍናንዝብል ዓውዲ ትምህርቲ ኣጽኒዕም ቋንቋ እንግሊዝ ድማ ብዝግባእ መለኹ። እዚ ናይ ኒዮርክ ኮሌጅ ደሓር 1983 ቅዱስ ኣቡነ ዛካ ቀዳማዊ ብዓውዲ ስነ-መለኮት፡ ናይ ክብሪ ማዕርገ ዶክተርነት ሸለሞም።

ካብ ሊቀ-ጳጳስ ክሳዕ ፓትርያርክ

1963 ሊቀጳጳስ ሞስኡል (ናይታ ተውሊዶም ዝዓበዩላ ኣብ ዒራቕ እትርከብ ከተማ) ኮይኖም ተቐብኡ። 1969 ናብ ርእሰ ከተማ ዒራቕ ናብ ባቕዳድ ተሰጋጊሮም ብመዓርገ ሊቀ-ጵጵስና ኣገልገሉ። 1978 ከኣ ግዚያዊ ሊቀ-ጳጳስ ኣውስትራልያ ኮይኖም እናገልገሉ ከለዉ፡ 1980 ኣብ ዝተገብረ ሕርያ መበል 122 ፓትርያርክ፡ ነቶም ብሞት ዝተፈልዩ ፓትርያርክ ቅዱስ ያዕቆብ ሳልሳዊ ተኪኦም ፓትርያርክ ንምዃን 14 መስከረም 1980 ማዕርገ ፕትርክና ተቐብኡ።

ዕረፍቲ

ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዛካ ቀዳማዊ፡ ብዝሓደሮም ሕማም ልቢ ካብ 20 ለካቲት 2014 ኣትሒዞም ኣብ ሃገረ ጀርመን ሕክምናዊ ረድኤት ክረኽቡ ድሕሪ ምጽናሕ ዓርቢ 21 መጋቢት 2014 ዓሪፎም።

ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ይሃቦም!

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div