S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕደጉ ክሕደገልኩም

ሰብ ኣብ ገነት ከሎ ቅድሚ ኣብ ሓጢኣት ምውዳቑ ፍጹም ከም ዝነበረ፡ ቃል እግዚኣብሔር ይነግረና። ድሕሪ ውድቀቱ ግና፡ ኣእምሮኡ ጸልመተሞ፡ ብሃሳሰ ለባም ኣብ ጸልማት ዝኳዝ ኰነ። ብሰንኪ ኣብ ጸልማት

ምጕዓዙ ድማ፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብሰንኪ ጽልሙት ኣእምሮኡ፡ ዝብድልን ዝብደልን ኰነ። እታ ሓንቲ ክብድልን ክብደልን ከሎ ብርሃን ኰይና ኣብ ጸልማት እተርእዮ፡ ድማ ቃል እግዚኣብሔር እያ። እምብኣከስ በደል ኣብ ግብርን ቃልን ሰብ ዝፈጸም ካብ ኮነ፡ ይቅረታ ድማ ኣብ ልቢ ሰብ ዝፍጸም መስርሕ ሕድገት መደምሰስ በደልን እዩ። በደል ካብ ሰብ ካብ ኰነ፡ ይቅረታ ድማ ካብ ሰብ ክኸውን ግድን እዩ። ስለዚ ድማ እዩ እቲ ብርሃን ዓለም ዝዀነ ቃል እግዚኣብሔር ሕደጉ ክሕደገልኩም ኢሉ ብርሃን ሓቂ ክንመላለስ፡ ኣብ ኩሉ ናብራና ዘሎ። እንተዘይ ሓደግና ግና ንባዕልና ከም ዘይሕደገልና ጥራይ ዘይኰነ፡ ዘይምሕዳግ ግብሪ ጸልማት ከም ዝዀነን፡ ድሕሪ ሞት ድማ ናብ ጸልማት ከም ዝወስድን ይምህረና። ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን እንመጽእ ኣብ መሬት ከሎና በደል እናሓደግና እንተነበርና እዩ፡ ኣብ ብርሃን ንነብር ኣሎና ክንብል እንኽእል። ድሕሪ ሞት ድማ ናብ ብርሃን ከም እንኸይድ ቃል እግዚኣብሔር ይምስክር። እቲ ንባዕሉ ብርሃን ዓለም ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብዛዕባ ይቅረታ ከም ዝመረ ሓዋርያ ማቴዎስ ኣብ ምዕራፍ 1821-35 ግልጽ ኣቢሉ ጽሒፉልና ስለ ዝሎ ንመልከት።

ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ ልቢ ሓዋርያ ጰጥሮስ ክሳዕ ክንደይ ግዜ ኢየ ይቅረታ ክገብር ዝግብኣኒ ዝብል ሓሳብ ተላዕሎሞ፡ ሾብዓተ ሳዕ ይቕረ ምባል ካብቲ ናይ ፈሪሳውያን ሕጊ ሓለፍ ዝበለ ኰይኑ ተሰምዖ። እንተዀነ ይቕረታ፡ ከም ኩሉ ዓይነት ጽቡቕ ጠባይ፡ ብቑጽሪ ዝግመት ኣይኰነን ብመልሲ ልቡ ስለ ዘይዓገበ፡ ናብ ጐይታ ቅርብ ኢሉ፡ ብዛዕባ ሸውዓተ ሻዕ ይቅረታ ምግባር ሓተቶ፡ጐይታ ግና፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳብ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካንክብል መለሰሉ። እዚ ማለት ንይቅረታስ ደርት የብሉን ማለቱ ነበረ። እንተድኣ ሓደ ክልተ እናበልካ ትቖጽር ኣሊኻ ግና ሕጊ ድኣልካ ትፍጽም ዘሎኻ እምበር፡ ከምቲ ንዓኻ ሓውኻ ክቖጽረልካ ዘይትደልዮ ፍጹም ይቅረታ ክግበረልካ እትጽበዮ ፍጹም ይቅረታ ኣይግበርካን። ብዝዀነ ሓዋርያ ጰጥሮስ ጌና ሓድሽ ተመሃራይ ስለ ዝነበረ፡ ሕጊ ይቕረታ ስለ ዘይተረድኤ እዩ እዚ ሕቶ እዚ ዝሓተተ።

1. ሕጊ ይቅረታ፡ሽዑ ጰጥሮስ ቅርብ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ ክንደይ ሳዕ ክሓድገሉ፧በሎ። ይቕረታ ኣንጻር ሕጊ ዓለም ስለ ዝዀነ፡ ንሓዋርያ ጰጥሮስ ኣዝዩ ከቢድ ሓላፍነት ኰይኑ ተሰምዖ። ስለዚ ምእንቲ ጐይታ ከብርሃሉ ኢሉ እዚ ሕቶ እዚ ሓተቶ። ኣተሓሳስባ ሓዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ነበረ - ሓደ ሰብ ሓደ ግዜ ምስ በደለኻ ትሓድገሉ። ግናኸ መመሊሱ ደጋጊሙ እንተበደለካኸ፧ እንታይ ትገብር፧ ስለዚ ክሳዕ ክንደይ ኢካ ክትሓድገሉ እትኽእል፧ ሾብዓተ ሳዕዶ ክኣክል ይኽእል ይኸውን፧ እዚ ምግባር ካብቲ ናይ ፈሪሳውያን ሕጊ ይቅረታ ሓለፍ ዝበለ ኰይኑ ተሰምዖ። ፈሪሳውያን ሓንሳብ ሕደግ፡ ካልኣይ ሳዕ ሕደግ፡ ሳልሳይውን ሕደግ፡ ራብዓይ ግና ክትቀጽዕ ማለት ሕነ ክትፈዲ ኣሎካ፡ ይብሉ ነበሩ።

እዚ ሓድሽ መምህር ግና “.. ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳብ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካንበሎ። ኢየሱስ ዝብለና ዘሎ፡ ንይቕረታስ መውዳእታ የብሉን። ከምቲ ፍቕሪ ብምርባሕ ደረት ዘይግበረሉን ዘየብሉን፡ ከምኡ ኸኣ ይቅረታ ደረት የብሉን እዩ ዝብል ዘሎ።

ኹሉ ጊዜ ኣብ ዝዀነ ኩነታት፡ እቲ እተበደልካዮ ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ወረ እቲ ዝበደለውን ዘይጠዓስ እንተ መሰለ፡ ክንሓድግ ግቡእና እዩ። መንፈስ ጽልኢ ወይ መንፈስ ሕነ ምፍዳይ ኣብ ውሽጥና ኪሓድር ኣይግባእን። ኩሉ ጊዜ ከነፍቅር፡ ንዝበደሉናውን ናብ ፍቅሪ እግዚኣብሔር ክመጹ ኣርኣያ ክንከውን ይግብኣና እዩ።

ከምቲ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ነቶም ኣንጻር ፍቕሩ ዝበደሉ ሓጥኣን ይቅረ ኢሉ ዝሓድገሎም፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ውሉዱ እንተ ድኣ ዄይናስ፡ ከም ናቱ ዝበለ መንፈስ ፍቅሪ ኪህልወና ይግባእ። ስለዚ ድማ ኢና ኣብታ ጐይታ ዝመሃረና ጸሎት ኣቦናንሕና ንዝበደሉና ከም ዝኃደግናሎም በደልና ኅደገልናእናበልና ለይትን መዓልትን እንደጋግማ ዘሎና (ማቴ፡ 612)

2. ንሕጊ ይቅረታ ዘረድእ ምሳሌ፡ ቀዳማይ ክፍሊ ናይቲ ምስላ።መንግሥተ ሰምያት ምስ ባሮቱ ክጸባጸብ ዝደለየ ንጉሥ ትመስል። ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ፡ ዓሰርትር ሽሕ መኽሊት ዕዳ ዘለዎ ናብኡ ኣምጽኡሉ እዚ ገንዘብ እዚ ብደላር ክግመት ከሎ፡ ልዕሊ $20 ሚልዮን ዶላር ኣቢሉ ዝግመት ነበረ። ክንድዚ ዝኣኽል ዕዳ ብቐሊሉ ክኽፈል ዘይከኣል ዕዳ ነበረ።

ዝፈድዮ ምስ ሰኣነ ግናጐይትኡ …. ኪሽየጥ ኣዘዘ በቲ እዋንቲ፡ እቶም ገንዘብ ዝልቅሑ ዝነበሩ ሰባት፡ ነቶም ገንዘብ ዘለቅሑዎም ዝነበሩ ሰባት፡ ካብ ሕማምን ውግእን ንላዕሊ ይፍርሁ ነበሩ። እቲ በዓል ዕዳ እንተድኣ ከም ገለ ኢሉ ጸጊምዎ፡ እቶም ዘለቅሑ ኣዝዮም ጨካናት ሰባት ስለ ዝነበሩ፡ ብዘይ ምሕረት ብዙሕ የሳቕይዎም ነበሩ። ካብ መንግሥቲ ፈቃድ ስለ ዝነበሮም ከኣ፡ ወተሃደራት ከፊሎም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮም የግርፍዎምን የሳቅይዎምን ነበሩ።

እዚ ሕጂ ንጠቅሶ ዘሎና ኣገልጋሊ ግና መከራ ክረክብ ስለ ዘይደለየ “ ..ናብ እግሩ ተደፊኡ፡ ጐይታይ፡ ተዓገሠኒ ድኣ እምበር ኹሉ ኽፈድየካ እየ፡ እናበለ ሰገደሉ። እቲ ጐይትኡ ድማ ነቲ ኣገልጋሊ ደንገጸሉ እሞ ፈትሖ፡ ዕዳኡውን ኃደገሉ።ጐይትኡ እንተ ዘይሓድገሉ ነይሩ ዕዱኡ ኣዝዪ ብዙሕ ስለ ዝነበረ፡ ፈጺሙ ክኸፈሎ ኣይምኸኣለን ነይሩ።

እቲ ንጉሥ ምስሊ እግዚኣብሔር እዩ። እቶም ኣገልገልቲ ከኣ ምስሊ ናይቶም እግዚኣብሔር ብዙሕ በረኸትን ሕድርን ዝሃቦም ኣገልገልቲ እዮም።

ዕዳ ሓጢኣት፡ እቲ ብዙሕ ዕዳ ናይዚ ኣገልጋሊ ምስሊ ናይቲ ዓቢ ዕዳ ዘለዎ ሓጥእ ሰብ እዩ። ከምቲ እቲ ኣገልጋሊ ዕዳኡ ክሳዕ ክንድቲ ዓቢ ስለ ዝነበረ እሞ ምኽፋሉ ዘይከኣለ፡ ከምኡ ኸኣ ሓጥእ ሰብ፡ ዕዳ ሓጢኣቱ ኣዝዩ ዓቢ ስለ ዝዀነ፡ ብምሕረት እግዚኣብሔር እንተዘይ ኰይኑ፡ ካብ ሓጢኣቱ ነጻ ክኸውን ከቶ ኣይክእልን። ንሓጢኣት ዕዳ ተባሂሉ ዘሎ፡ ምስሊ ናይቲ ክንመልሰሉ ኢሉ እግዚኣብሔር ዝሃበና ፍቕርን ሓላፍነትን እዩ። እቲ ደረት ዘይብሉ ሕያውነት እግዚኣብሔር ምስ እንርዳእ ዕብየቱን ዕዳ ሓጢኣትናን ክንርዳእ ቀሊል ምዀነ ነይሩ።

መለኮታዊ ይቅረታ፡ ነቲ ኹሉ ሚዛን ዘይብሉ ዕዳ ሓጢኣት፡ እግዚኣብሔር ነቲ ብንስሓ ዝመጾ ዘበለ ብኸምኡ ብነጻ ይሓድገሉ። ሓጢያቱ ዝተሓድገሉ ሓጥእ ከኣ፡ ናብ ስድራ ቤት እግዚኣብሔር ይጽንበር፡ ብብርሃን ድማ ይመላለስ፡ ሓደ ካብቶም ውሉዳት እግዚኣብሔር ድማ ይኸውን፡ ምስ ኣምላኽ ዘሉዎ ሕብረት ድማ ኣዝዩ ቀረባ ይኸውን።

ካልኣይ ክፋል ናይቲ ምስላ፡ እቲ ዕዳኡ ዝተሓድገሉ ኣገልጋሊ ወጸ እሞ ሓደ ካብኡ ዝትሕት ኣገልጋሊ ንሱ ዝእውዶ ረኸበ።እቲ ኣገልጋሊ ምስ ወጸ ግና፡ ካብቶም ብጾቱ ሚኢቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ኣገልጋሊ ረኸበ እሞ፡ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ ኢሉ ሓኒቑ ኃዞ።ሚኢቲ ዲናር ልዕሊ 20 ሽሕ ዶላር ኣቢሉ እዩ። እዚ ዕዳ እዚ ሓደ ካብቲ ምልዮናት ዕዳ ናይቲ ምሕረት ዝረኸበ ጨካን ኣገልጋሊ ዝነበረ እዩ። ጐይትኡ ስለ ዝመሓሮ ንሱ ድማ ንብዓል ዕዱኡ ክምሕር ይግብኦ ነበረ። እንተዀነ ንብዓል ዕድኡ ምስ ረኸቦሓኒቑ ኃዞ።ክፈለኒ ኢሉ ድማ ኣጨነቆ።ሽዑ እቲ ብጻዩ ኣገልጋሊ፡ ተዓገሰኒ፡ ኹሉ ኽፈድየካ እየ፡ ኢሉ ተደፊኡ ለመኖ።እቲ ጨካን ኣገልጋሊ ግና ንባዕሉ ልክዕ ከምዚ ጌይሩ ዕዳኡ ኪሕደገሉ ለሚኑን ተማሒሩን ክነሱ፡ዝሓለፈሉ ትንፋስ ሰብ ኣሕለፈዝተባህለ፡ ምስ ሓለፈሉ ንበዓል ዕዱኡ ኣጨነቆ። እዚ ኣገልጋሊ ዕዳኡ ሒደት ስለ ዝነበረ፡ ብቑሩብ ዓመታት ሰሪሑ ኺኸፍሎ ይኽእል ነበረ። ግዜ ስለ ዝኸልኦ ግና፡ ተረሮ። እቲ ጨካን ኣገልጋሊ ዝተገብረሉ እንተ ዝዝክር ግና፡ ምሉእ ዕድሜኡ እንተ ሰርሔ እኳ ኪኸፍሎ ኣይክእልን ነይሩ።

ንብጻዩግና ኣበዮ፡ ከይዱ ድማ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈዲ፡ ኣእሰሮ።ከም ኪገብር ዘኽኣሎ ምኽንያት ነይርዎ ክኽውን ይኽእል ይኸውን፡ 1. እዚ ሰብኣይ እዚ ዝግብኦ መቅጻዕቲ እየ ዝቐጻዕክዎ። 2. ወይ ክልቃሕ ኣይነበሮን፡ ስለዚ ኩሉ ጌጋኡ እዩ። 3. ወይ ንስኻን ከማኻን ኣብዚ ኹሉ እንተዘይ ተእትዉኒ ኣብ ለመና ኣይምኣተኹን 4. ወይ ዕድኡ ዘይከፍል ዘበለ ከይተቐጽዔ እንተኸደ ንኻልኦት ጽቡቕ ኣርኣያ ኣይኰነን ዝብል ምስምስ ኣብ ኣእምሮኡ ተላዒልዎ ክኽውን ይኽእል። ይኹን እምበር ሕጂውን ብዛዕባ ዕዳኡ ግና ከምኡ ኢሉ ኣይሓሰበን።

ሳልሳይ ክፍሊ ናይቲ ምስላ።እቶም ብጾቱ ኣገልገልቲ።እቶም ዝርእይዎም ዝነበሩ ኣገልገልቲ ነዚ ምስ ረኣዩ ነቲ ዝተኣስረ ብጻዮም ደንገጽሉ።ከይዶም ከኣ፡ ዝዀነ ኹሉ ንጐይትኦም ነገርዎ።እቲ ሕያውነት ዝተገብረሉ ኣገልጋሊ ከምዚ ስለ ዝገበረ፡ እቶም ኣገልገልቲ ጐይታኦም ከም ዝሰምዖም ርግጽነት ነበሮም። ሕነ ክፈድዮ ኢሉም ኣይኰኑን፡ ግናኸ ብዛዕባ እቲ ዝተጨቆነ ኣገልጋሊ ኣዝዮም ስለ ዝጐሃይሉን ዝደንገጽሉን ናብ ጐይትኦም ጠርዑ።

ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥምየት የልቦንከም እተባህለእቲ ክፉእ ኣገልጋሊ።ልቡ ጨካንን ተሪርን ምሕረት ኣልቦን ነበረ። ምሕረት ጐይትኡ እኳ ንልቡ ከለስልሶ ኣይከኣለን። ምእንቲ ከይቅጻዕ ፈሪሁ ድኣሉ ምሕረትን ሕድገትን ዝለመነ እምበር፡ ብሓቂ በቲ ዝወሰዶ ዕዳ ስለ እተጣዕሰ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ እዩ ጭንቂ ካልኦት ክትንክፎ ዘይከኣለ።

ሽዑ ጐይትኡ ጸዊዑ፡ ኣታ ሕሱም ኣገልጋሊ፡ ኣነ ስለ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ኃደግኩልካ። ንስኻኸ ከምቲ ኣነ ዝመሓርኩኻ ነቲ ብጻይካ ክትምሕሩ ኣይምተገብኣካን፧ በሎ። ጐይትኡ ኸኣ ተቖጢዑ ዀሉ ዕዳኡ ፈጺሙ ክሳዕ ዚፈዲ ንዜሳቅይዎ ኣሕሊፉ ሃቦ።እዞምዜሳቅይዎተባሂሎም ዘለዉ፡ ኣዝዮም ጨካናት ስለ ዝነብሩ፡ ንሰብ - ዕዳ ክሳዕ ዕዳኦም ክኽፈሉ ወይ ከኣ ክሳዕ ፈተውቶም ደንጊጾም ዝኸፍልሎም፡ ብዘይ ምሕረት ንሰብ - ዕዳ ከጨንቑሎም ብመንግሥቲ ፍቓድ ዘለዎም ሃብታማት ነበሩ።

እምብኣርከስ ንስኻትኩም ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ንኃዉ ካብ ልቡ በደሉ እንተ ዘሓዲኩምሉ፡ ሰማያዊ ኣቦይውን ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይቕረ ተበሃሃሉ ክብለና ከሎ ብቕርጽን ብይምሰልን ብኣፍን ጥራይ ምእንቲ ከይከውን ኢሉካብ ልቡኹም ይቕረተበሃሃሉ ይብለና።ድሕሪ ይቅረታ ኣይትጋግከም ዝተባህለ ድማ ይቅረታ ካብ ተጕላባ ዘይብሉ ፍቕርን ካብ ሓቐኛን ደግነት ዝመልኦ ልብን ኺኸውን ይግባእ።

እግዚኣብሔር ብኽፍኣትን ሓጢኣትን ኣዝዩ ይቑጣዕ እዩ። ይትረፍዶ እግዚኣብሔርሲ ንሕናኳ ዝሃብና ዘየብልና ብዓቕምና ክፍኣትን ሓጢኣትን ጭቖናን ክንርኢ ከሎና፡ ኣዚና ንቑጣዕ። እቲ ስለ ምሕረት ደቂ ሰባት ኢሉ ኣብ መስቀል መከራ ወዱ ዝረኣየ እግዚኣብሔር ግዳ ክንደየናይ ዘይቁጣዕ።

እቶምዜጨንቑተባሂሎም ዘለዉ ምስሊ ናይቶም እግዚኣብሔር ሕነ ክፈድይሉ ኢሉ ኣብ ውሽጥና ዘሕደሮም ልኡኻት እዮም፡ - ንሳቶም ድማ ከም እኒ ስቃይ ጣዕሳ፡ ጭጉራፍ ሕልና፡ ብድሕሪ መቓብር ዘሎ ዝዓበየ ፍርሒ ዝኣመሰሉ እዩም። እዚኣቶም ኩላቶም ናብ ብርሃን ዝዕዱሙ ኣብ መንፈስና ዘለዉ እዮም፡ እንተ ሰማዕካዮም፡ እሞ ኣንተ ኣተግባርካዮም፡ ሓራ ትወጽእ ኣብ ብርሃን ድማ ትመላለ። ዘጨንቕ ድማ የልቦን።

ኩሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲ።ዕዳ ገንዘብ ካብ ዕዳ ሓጥኣት ዝተፈልየ እዩ። ዕዳ ገንዘብ እቲ በዓል ዕዳ ፈትዩ፡ ኣይፈተወ ክድምስሶ ይኽእል እዩ። ዕዳ ሓጢኣት ግና፡ እቲ በዓል ዕዳ ፈትዩ ንሓጢኣት ጸሊኡ ንኹሉ ጽቡቕን ንእግዚኣብሔርን ፈትዩ፡ ሕድገትን ምሕረትን ደልዩ፡ ማለት ምሓረኒ ኢሉ ከይተነስሔ፡ ዕድኡ ክድምሰሰሉ ኣይክእልን። ካብ ብዘይ ንስሓ ሞት የድሕነና ድኣምበር፡ ንዘለኣለም ዝኹንነና ኸኣ እዚ ዕዳ እዩ።

እቲ ዘገርም ይቅረታ ዝሕተት ሰብ እንተዀይኑ ወይስ እግዚኣብሔር ኣብ ቀረባኻ ከለዉ፡ ሰኣን ድንን ኢልካ ይቅረታ ምሕታትሲ፡ ብሰሪ ትሪን ትዕቢትን ልብኻ፡ ገሃንም ክኸውን ግዴኻ፧

እወ እቶም ኣዝዮም ምረት ዘሕዱሩልና፡ ብከንቱ ዝጸልኡና ኣለዉ፡ ከይበደልናዮም ዝብድሉና ኣለዉ፡ ኹፍእ ከይገበረና ክፉእ ዝዛረቡልና ኣለዉ፡ ንጽቡቕ ኢልና ዝገበርናዮ ናብ ክፉእ ዝትርጉምዎ ድማ ኣለዉ፡ እወ ኣለዉ፡ ሓጢኣት ክሳብ ዘላ ኣብ ጸልማት ዝመላለሱ ኣበስቲ ኣለዉ። ንስኻ ኣብ መንጐ እዞም ኣበስቲ ከመይ ትነብር፧ እወ እዚ ስለ ዝበልኩምን ዝገበርኩም ኢልካ ሕነ እናፈደኻዶ፡ ወይስ እዚ ኣይምከተንን ኢልካ ይቅረታ እናገበርካ፧ ብሰናይ ግብርኻ እናመሃርካዶ፧ ወይስ ንዓይሲ ክንድዚ፧ ዘይግብኣኒ፡ እናበልካ ክትሓስብ ትነብር ኣሎኻ፧ ብዙሓት ግና ነቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘሎ ጥቕሲ ከምዚ ጌሮም ዝለወጥዎ ይመስሉ፡ዝዀነ ይኹን ኣንጻር እግዚኣብሔር ዝሓጥእ ወይ ዝዛረብ ኺሕደገሉ እዩ። ግናኸ ነቲ ንኣይ ዝብድለኒ ወይ ክፉእ ዝዛረበለይ ኣይኪሕደገሉን እዩኢሎም ዝኣምኑ ኣይተሳእኑን። እቶም ንበደል እግዚኣብሔር ሓደ መዓልቲ ክፈርዶ ምኻኑ ረሲዖም፡ ነቲ መዓት ንእግዚኣብሔር ዝሓድግሉ፡ ኣብ ባዕሎም ምስ በጽሑ ግና፡ንኣይ ዝብድል”!!!  ኣነ - ኣነ - ኣነ፡ እናበሉ ንገዛእ ርእሶም ክብ - ክብ ኣቢሎም ንባዕሎም ፈረድቲ ኹሉ ገይሮም ገይሮም ዝሓስብዋ፡ ይተረፍዶ ንእግዚኣብሔር ከም ፈራዲ ገይሮም ክቖጽርዎስ ከም ዘሎ እኳ ስለ ዘይፈልጥዎ፡ወዲ ዕሻ ብኽልተ ይውቓዕከም ዝብሃል፡ ኣነ - ኣነ- ንባዕሉ ሓጢኣት ስለ ዝዀነ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ከለዉ ኣብ ጸልማት ነይሮምሲ፡ ድሕሪ መቃብር ድማ ኣብ ጸልማት ክነብሩ ግድን እዩ። ርግጽ ተበዲሎም ከብቅዑ እቲ መዓት ንኣምላኽ ከይሓግሉ፡ ንባዕሎም ኣምላኽ ስለ ዝገበርዋ፡ ዒሕ ክብሉ ኣብ ጸልማት ይነብሩ፡ ትዕቢቶም ድማ ሓጢኣት ይዀኖም።

ካብዚ ናይ ሎሚ ትምህርትና እንመሃሮ 1. እቲ ዝበዝሔ ሓጢኣት ዘለዎ፡ ንዝበደልዎ ኣጸቢቑ ሕነ ይፈድዮም። 2. እቲ ኻልኦት ንኣና ዝብዱሉና፡ ካብቲ ንሕና ንእግዚኣብሔር እንብድሎ ኣዝዩ - ኣዝዩ ዝነኣሰ እዩ። ከምቲ ንሕና ንእግዚኣብሔር ዝበደልናዮ ሰባት ንኣና ከምኡ ጌሮም ክብዱሉና ኣይክእሉን ኣዮም። 3. ከምቲ እግዚኣብሔር ንኣና ይቕረ ዝብለልና፡ ንሕና ከኣ ንኻልኦት ከመይ ጌርና ይቕረ ክንብል ከም ዝግብኣና ክንምሃር ንኽእል። 4. ንጽቡቕ እተገብረልካ ክፉእ ምምላስ ግብሪ ሰይጣን እዩ። ንጽቡቕ እተገብረልካ ጽቡቕ ምምላስ ግብሪ ሰብ እዩ። ንኹፉእ እተገብረልካ ጽቡቕ ምምላስ ግና ግብሪ እግዚኣብሔር እዩ።

3. ኣብ መዕጸዊ ናይዚ ጽሑፍ እዚ፡

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ብተግባር ዝተገብረሓይሊ ይቅረታሂበ ክዓጹ። ኣብ ጥቓ መወዳእታ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ክፍለ ዘመን፡ ሃንጋርያ ኣብ ኢድ ቱርካውያን ወደቐት እሞ፡ ሓደ ዓቢ መዓርግ ዝነበሮ ቱርካዊ ከኣ ኣብታ ሓገር ኺቕመጥ ከሎ፡ ንሓደ ክርስቲያን ዝዀነ ዓቢ ሰብ ኣገልጋሊኡ ገበሮ እሞ፡ ኣዝዩ ይጭቁኖ ነበረ። ግናኸ ኩነታት ተለወጠሞ፡ ቱርካውያን ተሳዕሩ። እዚ ቱርካዊ ሰብኣይ መህደሚ ምስ ሰኣነ፡ ብርግጽ እዚ ዝጭቑኖ ዝነበርኩ ሰብኣይ ሕነ ክፈድየኒ እዩ፡ ካብ ብኢዱ ምጥፋእሲ ስሚ ምስታይ ይሕሸኒ ኢሉ፡ ዝቐትል ስሚ ሰተየ። ስሚ ምስ ሰተየ እቲ ክርስቲያን ግዙኡ ዝነበረ ስሚ ምስታዩ ከይፈለጠ፡ብሰላም ኪድ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ሓንቲ ኣይገብረካን እየ፡ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ። እቲ ቱርካዊ ግና እዚ ምስ ሰምዔ፡ በዚ ከምዚ ዝበለ ሰማያዊ ይቅረታ ኣዝዩ ተገረመ። እናሞተ ኸሎ ኸኣ ከምዚ በለ፡ኣነ ክመውት ከሎኹ ከም ኣስላማይ ኣይኰንኩን ዝመውት ዘሎኹ፡ ከም ክርስቲያን ኣየ ዝመውት ዘሎኹ። ብዘይካ ሃይማኖት ክርስቶስ ንዝበደሉኻ ሕደገሎም ኢሉ ዝምህር ሃይማኖት ከቶ የልቦንበለ።ሕደጉ ክሕደገልኩም እዩ” (ሉቃ፡ 637)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div