S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓደ ካህንን ሸውዓተ ዲያቆናትን ተቐቢኦም

ብ5 ሚያዝያ 2014 (መጋቢት 27, 2006) ፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ተመሪሑ ክብረ በዓል ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ኣትላንታ፥ ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ። ድሮ ብዋዜማ ዝተጀመረ ኣገልግሎት ለይቲ ካብ ሰዓት 3:00 ወጋሕታ ጀሚሩ ብማኅሌት ዝሓደረ ኣገልግሎት ንጉሆ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሐ ቅዳሴ ተኻይዱ። ድሕሪ ዑደት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሰፊ ትምህርቲ ሂቦም በዚ ድማ ጉባኤ ተዛዚሙ

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ዕለትዚ'ውን ንዲያቆን በረኸት ደባስ፥ ቀሲስ ማርቆስ ብዝብል ናይ ክህነት ስም መዓርገ ክህነት ክቐብእዎ እንከለዉ፥ 2 መንእሰያት ብመዓርግ-ዘመርካልኦት 5 መንእሰያት ድማ ብመዓርግ ኣንበብቲ (ኣናጉንስጢስ) ቀቢኦሞም 

ቀሲስ ማርቆስ ደባስ፡ ካብቶም ድስና ቀኖናዊ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ተመሪሖም ዝኸዱን፥ ብመንፈሳዊ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለየ ገዳማት ኤርትራ ዝተማህሩን ዘገልገሉን፥ ትጉህ፥ እሙን ሓደራ ክህነት ክጾሩ ዝኽእሉ ካህን ብምኖም ንቤተ ክርስቲያንና ዓቢይ ኣገልጋሊ ካህን እዮም። ኣምላኽ ድማ ኣብ ኩሉ መንፈሳዊ ጉዕዞኦምን ኣገልግሎትምን ዓወትን ኣሳልጦን ኪህቦም ናይ ወትሩ ጸሎትና እዩ።

ስእሊ ንምርኣይ ኣብዚ ተወከስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div