S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅነ ጉባኤ (2014)

“ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ”! ኢዩኤል 2፡16

ናብ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን።
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንኣኻትኩም ይኹን።

እቲ ዓመት መጸ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ዝዳሎ መንፈሳዊ ዓመታዊ ጉባኤ ምእመናን፥ ሎሚ ዓመት'ውን ንመበል 16 ዓመቱ፥ ብዓቃቤ-መንበርን ወኪል ፓትርያርክን፡ ብኣቦና ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ እናተመርሐ ኣብ ደብረ-ሰላም መድኃኔ-ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ ካብ 24 -- 27 ሓምለ 2014 ኣ.ፈ (፲፯--፳ ሓምለ ፳፻፮ ዓ.ም) ብድሙቕ ኣገባብ ንምጽንባሉ ዝተፈላለዩ መደብ-ትምህርቲ፥ ስብከታት፥ ሰሚናራት፥ መዝሙራትን ናይ ጸሎተ-ምህልላን መርሓ-ግብር (ፕሮግራም) ወጺኡ ከም ዘሎ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ክንሕብር ንፈቱ [ዝርዝር መደብ ጉባኤ 2014]። እዚ፡ ኣቦታት ውሉደ ክህነት፡ መዘምራን ትምህርቲ ሰንበትን ምሁራት ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ዝሳተፍዎ ኩሎም ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ኣመንቲ ህዝበ-ክርስቲያንን ዝሓብርዎ ዓመታዊ ንግደት መድኃኔ-ዓለም'ውን እዪ

ብተወሳኺ፡ ናይ ኽብሪ ዕዱማት ኣቦታት ሊቀ-ካህናት ተኽለማርያም ምህርካጽዮን ካብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፥ ከምኡውን ኣቦና ጥዑመ-ልሳን ቀሺ እስክንድር ሃብተማርያም ካብ ቅድስት ማርያም ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ እስራኤልን ክሳተፉ እዮም

በዚ መሠረት ነቢይ ኢዩኤል “ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ”! (ኢዩኤል 2፡16)፡ ከም ዝበለ፥ ኣብዚ ቅዱስ ጉባኤ’ዚ ተኣኪብና እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍና ብዝገበረልና ሠናይ ነገር ከነመስግን፥ ከምኡውን ብዛዕባ እታ ተስፋኣ ወትሩ ካብ ኢድ እግዚኣብሔር ጥራይ ዝኾነት ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ እሙን መራሒና 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስን፡ ኣብ ከቢድ ጸበባን መከራ-ስደትን ዘለዉ መንእሰያት ደቅና፡ ብሓፈሻ ስለ ህዝብናን ሃገርናን ብጸሎትን ምህለላን መስዋዕቲ-ቅዳሴ ጌርና ንኣምላኽ ክንልምን፥ ኣብዚ ኣብ ደብረ-ሰላም መድኃኔ-ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ ዝካየድ ዓመታዊ ጉባኤን ክብረ-በዓል ንግደትን ምስ ስድራ ቤትኩምን ደቅኹምን ክትሳተፉ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ዕድመና ነቕርብ።

በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ምእመናን ኣብ መበል 16 ዓመታዊ ጉባኤ ክትሳተፉ ዝመደብኩም ናይ መጎዓዝያ፥ ናይ መደቀስን፥ ካልእ ዘድሊ ሓበሬታን ሓገዝን ምስ ትደልዩ በዚ ዝስዕብ ቴለፎናት ደዊልኩም ግቡእ ምትሕብባርን መኽርን ክትረኽቡ ትኽእሉ።

  • (701) 610-3021
  • (980) 202-9789
  • (703) 362-7725 

እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብኣካል ክትሳተፉ ዘይከኣልኩም ድማ ብመንፈሳዊ ጸሎትን ብቐጥታ ካብ ደብረ-ሰላም መድኃኔ-ዓለም ቤተ ክርስቲያን ዋሽንግቶን ዲሲ ዝፍኖ መደብ ኣገልግሎትን ብመስኮት ኢንተርነት ክትከታተሉ ከም ትኽእሉ ንሕብር።

መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ጉባኤናን ህዝብናን ይባርኽ።


ደቂቀ እንጦንዮስ
መንፈሳዊ ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋሕዶ
ሕ.መ.ኣ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div