S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅድም እግዚኣብሔርዶ፥ ቅድም ሃገር? (2ይ ክፋል)

ንሕጊ እግዚኣብሔር፥ እተቐድም ሃገር!

ኣብ መዝሙር ዳዊት እቶም ሕግኻ ዘፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፥ ዜዓንቅፎም ከኣ የልቦን። (መዝ 119፡165) ዝብል ቅዱስ ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ እታ ንሕጊ እግዚኣብሔር እተቐድም ሃገር መራሕታ ብእምነት የመሓድሩ፥ ፈራዶአ ብፍትሒ ይፈርዱ፥ ህዝባ ድማ ብፍቕሪ ይነብሩ።  ካብዚ ዝዓቢ ጸጋን ሰላምን ከኣ የልቦን። ንሕጊ እግዚኣብሔር ምቕዳም ማለት ንፍቕሪ፥ ንሰላም፥ ንሓቂ፥ ንፍትሒ፥ ቀዳምነት ሰሪዕካ ምንባር ማለት እዩ። ኣብ ሃገርናውን ብዙሕ ሰላም ምእንቲ ክህልወልና፥ ካብ ኩሉ ዕንቅፋታት ናይ ሰይጣን (ካብ ትዕቢት፥ ሓሶት፥ ቅትለት፥ዓመጽ  ወዘተ ......) ድማ ኣምላኽ ምእንቲ ከድሕነና እቲ ሠናይ ዝኾነ ትእዛዛት ኣምላኽ መሠረትና ክኸውን ግሩም እዩ። ናይዚ ቀንዲ መበገሲ ከኣ እቲ ዝዓበየ ሕጊ እግዚኣብሔር ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር ዚብል ቅኑዕ ትእዛዝ እዩ (ሮሜ 13፡8) ኩሉ ሰብ ንሕድሕዱ እንተተፋቒሩን ተኸባቢሩን: ድማ  ወላ ሓደ እኳ ዝግፋዕን ዝውጻዕን ሰብ ኣይክህሉን እዩ። ንሕጊ ልዑል ኣምላኽ ሒዙ ዝተሳዕረ ወይ ዝሓፈረ ህዝብን ሃገርንውን ኣብዚ ምድሪ ፈጺሙ ኣይተራእየን።

ብተወሳኺ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ በጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” (ዮሓ 15፡6) ስለ ዝበለ፥ ንእግዚኣብሔር ቀዳምነት ከይሰራዕና እንገብሮ ሥራሕ ኩሉ፡ ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ድኻምን ክሳራን ጥራይ እዩ ዝኸውን። ምኽንያቱ ብመደብ ሰብ እምበር ብመሪሕነት ኣምላኽ ስለ ዘይተጀመረ። ሓዋርያ ጳውሎስውን ብዛዕባ እዚ ብቃል ኮነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ኵሉ ብስም ጎይታና ኢየሱስ ግበርዎ። ብእኡ ከኣ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ኣመስግኑ ይብል (ቆላ 3፡17 ዮሓ 15፡5) ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እንመሃሮ ቀንዲ ጉዳይ ድማ ኣብ ውልቃዊ ናብራና ይኹን ኣብ ሓባራዊ ጉዳይ ሃገርና፡ ቀዳምነት ቦታ ናይ እግዚኣብሔር ምዃኑ ብልቢ ክንርዕሞ ይግባእ። ምኽንያቱ ብዘይ እግዚኣብሔር ዝጅመር ዕዮ ኩሉ ይጅመር እምበር ጽቡቕ ፍጻሜ የብሉን። ብስም ኣምላኽ ዝተጀመረ ዕዮ ግና ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ዘየጣዕስን፥ ንብዙሕ ሰብ ዝሐጕስን ሠናይ ፍረ ዘለዎ እዩ ዝኸውን። ብዛዕባ እዚ  ሓደ መራሒ ሃገር (ፕረሲደንት) ኣነ ቅድሚ ዝኾነ ዕለታዊ ስራሕ ምጅማረይ ሓደ ምዕራፍ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ እሞ ሠናይ ይውዕል። ዝሰርሖን  ዝውስኖን ድማ ይሰልጠንን የሐጉሰንን ክብል ተዛረበ። ብተወሳኺ ናይ ኣሜሪካ ቀዳማይ ፕረሲደንት ጆርጅ ዋሽንግቶን “ብዘይ መሪሕነት ኣምላኽ ንሃገራት ዓለም ብቅንዕና ክተመሓድር ፍጹም ዘይከኣል እዩ” ክብል መስከረ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ (2 ነገሥት 19፡14-37) ንታሪኽ ንጉሥ ሕዝቅያስ ህድእ ኢልና እንተ ኣንበብና ነዚ ሒዝናዮ ዘሎና ንኡስ ኣርእስቲ ዝሰማማዕ ኮይኑ ንረኽቦ። ንሱ ከኣ ሰናክሬብ ንጉሥ ኣሶር ነተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ወሪሩ ምስ ሓዘን፡ ሓደ ዘፍርሕን ዘጨንቕን ደብዳበ ናብ ንጉሥ ሕዝቅያስ ከምዚ ዝብል ለኣኸ። ኣቱም ሕዝቢ ስምዑ ሕዝቅያስ ካብ ኢደይ ከድሕነኩም ኣይክእልን እዩ እሞ ኣየዓሹኹም። ሕዝቅያስ እግዚኣብሔር ብርግጽ ኬድሕነና እዩ፥ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉሥ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ’ እናበለ ብእግዚኣብሔር ኣየእምንኩም። …… ካብ ኩሎም ኣማልኽቲ ንሃገሮም ካብ ኢደይ ዘድኃኑ ኣየኖት እዮም? እግዚኣብሔር ንኢየሩሳሌም ካብ ኢደይ ኬድኅና ዚኽእል ደኣ ከመይ ገይሩ እዩ? ዝብል ተሪር ናይ ትምክሕትን ትዕቢትን ዘርዕድ መልእኽቲ ኣመሓላለፈ።  ግናኸ እቲ ብረድኤት ኣምላኽ  ተስፋ ዝገበረ እሙን ንጉሥ ሕዝቅያስ ነታ ደብዳበ ናይ ንጉሥ ሰናክሬብ ሒዙ ናብ ቤት እግዚኣብሔር ከይዱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘርግሓ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸለየ። ...... ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንልምነካ ኣሎና፥ ኵለን መንግሥታት ምድሪ ንስኻ እግዚኣብሔር በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ምእንቲ ክፈልጣ፥ ካብ ኢድ ሰናክሬብ ኣድኅነና።” ኢሉ ተማህለለ። ብድሕሪ እዚ ከምቲ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፥ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም” (ያዕ 4፡6) ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፥ ነቲ ብቕልጽሙ ዝምካሕ ድኹም ወዲ ሰብ ኣምላኽ ይመዓቶ እዩ እሞ፥ በታ ለይቲ እቲኣ መልኣኽ እግዚኣብሔር ወፀ እሞ፥ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማንያን ኃሙሽተን ሽሕ (185,000) ሰብ ቀተለ። ብድሕሪ እዚ እቲ ዕቡይ ንጉሥ ኣሶር ስዕረትን ውርደትን ተሸኪሙ ብጓሂ ናብ ዓዱ ተመልሰ። ብክልተ ደቁ ድማ ብሰይፊ ተቐትለ ይብለና (2 ነገ 19፡35-37 ኣንብብ)።

እምበኣር ንሕጊ እግዚኣብሔር እተድም ሃገር ምሉእ ሰላምን ወሓዚ በረኸትን ዘለዋ ሃገር እያ እትኸውን። ከምኡውን ሕያው ኣምላኽ ኣብ ዶባታ ጽኑዕ ቀጽሪ ኣብ ውሽጣ ከኣ መስፍን ሰላም ንጉሥ ክብሪ ኮይኑ ይሕልዋን ይመርሓን። ሓለዋ እግዚኣብሔር ድማ ካብ ሓለዋ ሰብ፥ ካብ ሓለዋ ነፈርትን ታንክታትን ብዝያዳ ከም ዝበልጽ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንጉሥ ዳዊት ከም ዝበሎ “እግዚኣብሔር ንቤት እንተ ዘይሓነጻ ሓነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሔር ንኸተማ እንተ ዘይሓለዋ፥ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ” (መዝ 127፡1) ዝብል ግሩም መብርሂ ብዛዕባ ኣገዳስነት ኣምላኽ ኣብ ሓለዋን ሕንጸትን ሃገር ኣነጺሩልና ኣሎ። እዚ ማለት ግና ንኹሉ ዕዮ ኣምላኽ ክፍጽሞ እዩ፥ እናበልካ ኢድካ ኣጣሚርካ ካብ ዕለታዊ ስራሕካን ሃገራዊ ኣበርክቶኻን ግቡእካ ከይገበርካ ደቂስካ ንበር ዝብል ድኹም ኣተሓሳስባ ክህልወና የብሉን። ቀንዲ ፍረ-ሓሳብ ናይዚ መልእኽቲ እዚ ኣምላኽ ዘይብሉ ኩሉ ጻዕሪ፥ መወዳእታኡ ኣየሕጉስ ኣየፍሪ ዝብል ንጹር ምኽሪ እዩ።

እስከ እምበኣር ነቲ ቅድም እግዚኣብሔርዶ ቅድም ሃገር ዝብል ኣርእስትና ኣብ ለልብና ነስተንትኖ እሞ ናብ ናይ ኤርትራ ሃገርና መራሕትናን ህዝብናን ምስ ሓቀኛ ኩነታትና ርግእ ኢልና ንተዓዘብ። ግደ ሓቂ ክንዛረብ እንተ ኮይኑ እግዚኣብሔር ንሃገርናን  ህዝብናን ዝገበረልና ውዕለትን ረድኤትን ማእለያ ዘይብሉ ምዃኑ ፈላጢኡ ጥራይ እዩ ዝዝክሮ። ኣብ 1991 ዓ.ም.ፈ በጃ ስለ ዝሓለፉ ስዉኣት ኣኅዋትና፥ ሳላ መዘና ዘይብሉ ኣበርክቶ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝብና፥ ምእንቲ እቲ ዝግፋዕን ዝነብዕን ዝነበረ ውጹዕ ወገንና፥ ብሓፈሻ ንጸሎትናን ልማኖናን ድሌትናን ኣምላኽ ሰሚዕዎ ብደገፍ እግዚኣብሔር ሓራ ወጺእና ኢልና። ነጻነት ኣዊጅና። ብዙሕ ድማ ተሓጕስና። ይኹን እምበር ነቲ ኩሉ ሠናይ ዝገበረልና ኣምላኽ ብዙሕ ከነመስግኖን ከነኽብሮን ኣይተረኸብናን። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ወትሩ ብቕልጽምና!!! ሳላ ይከኣሎ ሠራዊትና!!! ፈጺምና ኣይንምብርከኽን ኢና...... ወዘተ ዝብል ናይ ትምክሕትን ትዕቢትን ቃላት ምድጋምን ናብ ጓይላን ዳንኬራን ምኻድን ኢና ኣዘውቲርና። ንምዃኑ ንሕና ጽዒርና፥ ተቓሊስና! ኣምላኽ ድማ ሓጊዙና ምባልሲ ብሓቂ ዘሕፍርን ዘንዕቕን ዲዩ? ኣረ ስለምንታይ እዮም መራሕቲ ሃገርና ክርስቲያን ይኹኑ እስላም ስም ኣምላኽን ስም ኣላህን ክጽውዑ ዘይደልዩ? ደቂ ከበሳ ይኹኑ ደቂ መታሕት ካብ ንኣምላኽ ዝፈልጡ ኣመንቲ ስድራ ቤታትዶ ኣይኮነን ተወሊዶምን ዓብዮምን? ነዝን ካልእን ደው ኢልና ክንሓተሉን ግቡእ መልሲ ክንረኽበሉን ንኹልና ደቂ ሃገር ዝምልከት ዕዮ ገዛ ናይ ነፍሲ ወከፍና እዩ።

ኣብዚ ሓደ ሓጺር ሓቀኛ ምስክርነት ንኣንበብቲ ከካፍል ባህ ይብለኒ። ሓደ ኤርትራዊ-ኣሜሪካዊ ኃውና ንሓያሎ ዓመታት ብሕማም ኵሊት ይሳቐ ብምንባሩ ደሙ ብማሽን እናተጻረየ (Dialysis) መተካእታ ኵሊት ብተስፋ ይጽበ ነበረ። ሠናይ መደብ ኣምላኽ ኮይኑ መተካእታ ኵሊት ብሕክምና ተደልዩ ይርከበሉ እሞ፡ መጥባሕቲ ክገብር ናብ ሆስፒታል ተጸዊዑ ምስ ሰበይቱ ይኸይድ። ብድሕሪ እዚ እቶም መጥባሕቲ ዝገብርሉ ኣርባዕተ ዶክቶራት ነታ ዝተረኽበት ኵሊት ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኣቢሎም የርእይዎ እሞ፡ ከምዚ ድማ ይብልዎ። ዕድለኛ ኢኻ! ንዓኻ እትኸውን ኵሊት ስለ ዝረኸብና ኢና ጸዊዕናካ። ሕጂ ግና እዚ መጥባሕቲ ዕዉት ምእንቲ ክኸውን፥ ንስኻ ድማ በዛ ኵሊት እዚኣ ሕማምካ ተፈዊሱ ምሉእ ጥዕና ምእንቲ ክትረክብ፥ ንስኻን በዓልቲ ቤትካን ንሕና ድማ ኣርባዕቴናን ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዝና በብእምነትና ናብ ኣምላኽ ንጸሊ በልዎ። ኩሎም ተተሓሒዞም ድማ ከምኡ ገበሩ። እዚ ኃውና ዕዉት መጥባሕትን ምስግጋር ናይ ኵሊትን ጌሩ ብሰላም ናብ ቤቱ ይምለስ። ምሉእ ምሕረት ይግበረልካ! ክብል ናብ ገዝኡ ምስ ከድኩዎ ሓጎሱን ተስፍኡን ወሰን ኣይነበሮም። እቲ ብዝያዳ ዝደነቐኒ ግና እዞም ኣርባዕተ ዶክቶራት ብጸሎትን ብስም ኣምላኽን ነቲ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ምጅማሮም እዩ ክብል ገሊጹለይ። ንኻልኦት ሕሙማትና ከምኡ ይፍጠረሎም! ካብኡ ንደሓር እዚ ሓውና ንዓመታት ብጥዕና ምስ ስድራ ቤቱን ሕብረተሰቡን ብሰላም ይነብር ኣሎ። ሓዋርያ ያዕቆብውን እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተሕውዮ እያ ይብል (ያዕ 5፡15)።  

እምበኣር ኣብ መዝሙር 33፡12 እግዚኣብሔር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብፁዕ እዩ። እቲ ናቱ ክኸውን ዝኃረዮ ህዝቢ ብፁዕ እዩ ይብል። እሞኸ ደኣ ንሕናኸ ከም ሃገርን ህዝብን ብጽቡቕን ሠናይ ነገርን ክንቀንእዶ ኣይግባኣናን እዩ? ካብዚ ተበጊስናኸ እስከ ሓደ ሓደ ኣገደስቲ ምኽርታት ከነቕርብ። ኣብ ሃገርና ሠናይ ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ፍትሕን ሕግን ነጊሡ፥ ስሩዕ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ብጸሎት መራሕቲ ኩለን ሃይማኖታት እንተ ዝኽፈትሲ ክንደይኮን ምረባሕና። ኣኼባ ካቢነ-ሚኒስተራት ሃገርናኸ ብጸሎትን-ብስም ኣምላኽን እንተ ዝጅመር ብዙሕ ሠናይ ምኽርን ንወለዶታት ዝጠቅም ዕዮንዶ ኣይምተሰርሐን? ኣብ ኩለን ሆስፒታላትን ማእከል ጥዕና ክሊኒክን ዘለዉ ዶክቶራትን ኣለይቲ-ሕሙማትንከ መዓልታዊ ዕዮኦም ብጸሎትን እምነትን እንተ ዝጅምርዎ ክንደይ ሕሙማትን ጉድኣትን ኮን ምደኃኑ ኔሮም? ብተወሳኺ ኣብቲ ሃገራዊ ባጤራናኸ ስም ኣምላኽን እንተ ዝጸሓፎ ገንዘብና ረዚን ክብርን ልዑል ዋጋን’ዶ ኣይምነበሮን ይመስለኩም። ብዝኾነ ብስም ኣምላኽ ኣሚንኩም ብጸሎት ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኹሉ ነገርውን ክትቅበሉ ኢኹም” (ማቴ 21፡22) እዩ ዝብል እቲ ቅዱስ ጽሑፍ እሞ ብረድኤትን መሪሕነት ኣምላኽን ክነብር ጸጋኡ የብጽሓልና።

ይቕጽል ..............                                                                                                   

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ቅዱስ ሚካኤል ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div