S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መለኮታዊ ጻዊዒት ንጉሥነት ኣመንቲ

“ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓሰዩ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሓልዉ

ኣብዚ ቅድም ክንርእዮም ዝግባእ ነጥብታት ኣለዉ፡

1 ብደሙ ዘጥረያ መን እዩ፧ ክርስቶስ።

2. መንፈስ ቅዱስ ዝሸመኩም፡ ተሰያሚ መን፧ ክርስቲያን።

3. እንታይ ዓይነት ሽመት፧ ኤጲስቆጶስ፡ ንመን ከገልግሉ፧ ንኣመንቲ ክርስቶስ።

ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ብሥልጣን መንፈስ ቅዱስ ዝሾሞም ምኽንያት፡ ነታ ብደሙ ዝመስረታ ቤተ ክርስቲያን ክሕልዉ ማለት ንምእመናኑ ክሳብ ዝምለስ ክጓስዩሉን ክመርሕሉን ኢሉ ድኣ’ምበር ከም ይሁዳ ክናገዱሉ ኣይኰነን። ስለዚ ድማ ሓዋርያ ጳውሎስ ነቶም ብድሕሪ ሓዋርያት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተሾሙ ካህናት ክምዕዶም ከሎ “ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓሰዩ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሓልዉ” (ግብ፡ 20፡28) ኢሉ ዝመዓዶም። እዚ ክብል ከሎ ቤተ ክርስቲያን ካብ ትጅመር ኣትሒዛ ብጳጳሳት ትምራሕ ከም ዝነበረት ይሕብረና። ኤጵስቆጶስ ማለት ቛንቛኡ ግሪኸኛ ኰይኑ፡ ትርጉሙ ላዕለዋይ ተመልካቲ በዓል ሓደራ ወይ ካብ እግዚኣብሔር ተቐቢሉ ዝምግብ መጋቢ ማለት እዩ። “እቲ ኤጲስ ቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፥ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ፥ ተቐባል ጋሻ፥ ሰናይ ዚፈቱ፥ ለባም፥ ቅኑዕ፥ ቅዱስ፥ ይኣኽለኒ በሃሊ፥ መንቅብ ዜብሉ፥ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፥ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፥ ዘይኲሪ፥ ናብ መስተ ዘየድህብ፥ ዘይዋቓዕ፥ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን” ኣለዎ ኢሉ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣትሪሩ ይምዕድ (ቲቶስ 1፡7)። እምብኣርከስ ክርስቶስ ከምዚ ገይሩ እዩ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ሓዋርያቱ ዝመስረታ። ሓዋርያት ድማ ነቶም ክሳብ ሕጂ ኣብዛ ጥንታዊትን ሓዋርያትን ተባሂላ እትጽዋዕ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ዝጓስዩ ዘለዉ ጓሶት፡ ከምቲ ጐይታ ዝገበሮ እናሓረዩ ብምሻም፡ ንቤተ ክርስቲያን መስረትዋ። ንሥልጣነ ክህነት ድማ ነባሪ ገበርዎ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝሽየም ፍሉይ በዓል ሓደራን ኣገልጋልን ከም ዝዀነ ክገልጸልና ከሎ፡ ከምዚ ይብል “እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ፡ ቀለቦም በብጊዜኡ ኺህቦም፡ ጐይታኡ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞስ መን እዩ፧ እቲ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚጸንሖ ባርያ ብጹእ እዩ” (ሉቃ፡ 12:42, 43)። ብፍላይ ድማ እቲ ወንጌል ክሰብኽ ፍሉይ ሓደራ ዝተቐበለ ሓዋርያ ጳውሎስ፡ “ከምኡኸ ሰብ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምሥጢር ኣምላኽን ደኣ ይቝጸሩና። ምስናይ እዚ ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ” (1 ቆሮ፡ 4:1, 2) እናበለ ብዛዕባ ካህናት ይዛረብ። እሞኸኣ ነዞም ኣገልገልቲ እዚኣቶም ድኣ መንፈስ ቅዱስ ከመይ ገይሩ እዩ ዝሓርዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ እዚኣቶም (ሓዋርያት) ንእግዚኣብሔር ኬገልግሉን ኪጸሙን ከለዉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንበርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ፡ በሎም። ሽዑ ጾሙን ጸለዩን ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም (ግብ፡ 13:2, 3)። እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ዝፈለየኒ ብጸጋኡውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ ግና: ኣነ ኣብ ኣህዛብ ወንጌል ምእንቲ ኽሰብኽ ኢሉ ንወዱ ኣባይ ኪገልጾ ምስ ፈተወ፡ ሽዑ ብኡብኡ ምስ ስጋን ደምን ከይተማኸርኩ፡ ናብቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ናብ የሩሳሌም እኳ ኸይደየብኩ፡ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ እሞ ከም ብሓድሽ ናብ ደማስቆ ተመለስኩ። (ገላ፡ 1:15,16) እምብኣርከስ እዞም ፍሉያት ኣገልገልቲ እዚኣቶም፡ ብሃዋርያዊ ሥርዓት ዝተደረቱ ድኣ’ምበር፡ ብወለንትኦም ካብ ዘይተደረቱ፡ ንጐይታ በቲ መንፈስ ቅዱስ ዝዓደሎም ጸጋ ከገልግልዎ ግድን እዩ።

እቶም ነቲ ዝተዋህቦም ሓደራ ጠሊሞም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘሎ ቅብኣ መንፈስ ቅዱስ፡ ከም ይሁዳ መኻዕበቲ ውልቃዊ ሃብቲ ዝገብርዎ ግና፡ ነቶም ክጓስይዎም ሓደራ ዝተዋህቦ ብስሪ ስስዕቶም ንሰይጣን ስለ ዝውፍይዎም፡ ቅድም ቀዳድም ብደም ንጹሃት ተሓተቲ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ነታ ሓንቲ ህይወቶም ብቑማ ንሰይጣን ስለ ዝወፈይዋ፡ ዕጫ ይሁዳ ከም ዝበጽሖም ዘጠራጥር የልቦን። እዚ ማለት፡ ሃብቶም ንጻድቅ ይእከበሉ፡ ነፍሶም ንሰይጣን ትቕመጠሉ፡ ሥግኦም ድማ ንፍልሖ ተስብሓሉ እምበር፡ ምስ ክርስቶስ ግደ የብሎምን። ሉቃ፡ 15 ተመልከት። 

ኣብ ልዕሊ ካህን ሰለስተ ዕጽፊ ሥልጣን ኣሎ

ነብይነት፡ ንጉሥነት፡ ክህነት 

ምሥጢረ ክህነት ቅዱስ ምሥጢር እዩ፡ ምኽንያቱ እቲ ንክህነት ዝተሓርየ ሰብ፡ ውሕስና ክህነት ክረክብ፡ ምእንቲ መንፈስ ቅዱስ ክቐብኦ፡ ጳጳስ ኣብ ልዕሌኡ ኢዱ ስለ ዘንብር ክቡር ሥልጣን እዩ ዝቕበል። ድሕሪ እዚ ቅብኣ እዚ ድማ ነቲ ብባህሪኡ ዘይበቖዖ ቅዱስ ምሥጢር ጸጋ ቤተ ክርስቲያን ክሰርዕ፡ ነገረ መለኮት ከስምዕ ምሉእ ሥልጣን ይወሃቦ። እዚ ማለት ክዛረብ ከሎ፡ ክርስቶስ በለ ክብል ከሎ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ስለ ዝዛረብ ይንበ፡ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ስለ ዘለዎ፡ ንግሥነት ክርስቶስ የመልክት፡ ክህነት ክርስቶስ ስለ ዘለዎ ድማ መስቀል ክርስቶስ ይጸውር።

ዓላማ ምሥጢረ ክህነት ሕድሽ ኪዳን፡ ኣብ ክልተ እዩ ዝኽፈል፡ በቲ ሓደ ኣገልግሎት ንምእመናን  በቲ ኻልእ ድማ ኣገልግሎት ንእግዚኣብሔር እዩ። እቲ ንኣመንቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት ንሰብ ምስ እግዚኣብሔር ብደም ክርስቶስ ጌርካ ምትዕራቕ እዩ። እዚ ማለት ካህን፡ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሰብን ኰይኑ፡ ንሰብ ምስ እግዚኣብሔር ዘማልድን ዘተዓርቕን እዩ። ፍቓድን ትእዛዝን እግዚኣብሔር እንታይ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፡ ንሰብ ሕጊ እግዚኣብሔር ከየፍርስ መዓዲ ኰነ። ካህን ጓሳ ኣባጊዕ እግዚኣብሔር እዩ። ንመእመናን ምጉሳይ ማለት ብኣእምሮን ልቦናን ክበስሉ፡ መሳርሕቲ መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ ይምዕድን ይምህርን።

እቲ ንእግዚኣብሔር ዝህቦ ኣገልግሎት ድማ ከምቲ መላእኽቲ ሰማይ ኣብ ቅድሜኡ ኰይኖም ለይትን መዓልትን ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እናበሉ ዘመስግንዎ፡ ካህናት ድማ ብጸሎተ ቅዳሴ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ ኣግዚኣብሔር ጸባኦት እናበለ ምስ ኣመንቲ እናመስገኑ፡ ንመእመናን ድማ ከምኡ ክብሉ ይመርሕዎም። ኣብ መንጐ ሰብን ኣምላኽን ኰይኑ፡ ድልየት ሰብን ድልየት እግዚኣብሔርን የፈጽም። ካብቲ ዋና ስርሑ ንምእመናን ክጽልየሎምን ክባርኾምን ኮታ ኩሉ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ክፍጽመሎምን ክኽእል፡ በቶም ብኣንብሮተ ኢድ ሓዋርያት ዝተቐብኡ ኤስቆጶሳት ብጸሎተን ኣንብሮተ ኢድን መንፈሳዊ መዓርግ-ሥልጣን-ክህነት ይሽየም። እዚ መዓርግ እዚ ድማ ካብቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝተራእዩ መዓርጋት ዝለዓለ መዓርግ እዩ። ከመይሲ ካህን ኣብ ምድሪ ኣምባሳደር ክርስቶስ ክኽውን ስለ ዝተሸመ፡ ካህን ብተግባሩ ንክርስቶስ ክመስል ግድን እዩ። ከመይሲ እቶም ሰለስተ ኣብ ክርስቶስ ዘሎዉ መዓርጋት ነብይነት፡ ንጉሥነት፡ ክህነት ኣብኡ ስለ ዘለዉ። እዞም መዓርጋት እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ካህን ስለ ዘለዉ ኣምባሳደር ክርስቶስን ምስሊ ክርስቶስ እዩ። ምስሊ ካብ ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓደ ሽመት ሰለስተ ዕጽፊ ምሥጢረ ጸጋ ዝሓቆፈ ሽመት ኣጠቓሊሉ ሒዙ ኣሎ። ንሳቶም ክኣ ኣገልጋሊ ነብይ፡ ኣገልጋሊ ንጉሥ፡ ኣገልጋሊ ክህነት ብሓደ ኣጠቓሊሉ ሒዙ ኣሎ። መዓርገ ክህነት ዝምነ ሰብ ጽቡቅ ትምኒት ይምነ፡ ንስርሑ ብግቡእ እንተዘይ ፈለጠ ግና፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ እዩ ዝብድል።

ንክህነት ብዘይ ግቡእ ኣይትቃወም

ገለ ካህናት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘሎ ከቢድ ሓላፍነት ክህነት ረሲዖም ብዘይግባእ መገዲ ንክህነት ንውልቃዊ ተግባሮም ወይ ሓጢኣት ክሰርሕሉ ክትሪኢ ከሎኻ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ክህነት ዘይኰነ ኣብ ልዕሊ እቲ ተሰካሚ ክህነት ዝዀነ ሰብ፡ ክትቃወሞም ኢልካ ከም ትትንስእ ዝተፈልጠ እዩ። ከመይሲ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ ጉድለት ድማ ኣብኣቶም ስለ ዝግለጽ። እቲ ዝቃወም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ክህነት ተነቢሩሉ ዘሎ ዝብድል ካህን ክቃወም መሰሉ እዩ፡ ከመይሲ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ካህን ዘሎ ሥልጣን፡ ሥልጣኑ ስለ ዝዀነ። ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብ ተነቢሩ ዘሎ ክህነት ክቃወም ኢሉ ዝትንሥእ ግና፡ ንግዚኡ ዘይቅጻዕ እኳ እንተ መሰሎ፡ ካብ መቕጻዕቲ ከም ዘየምልጥ ክፈልጥ ይግብኦ። ከመይሲ እቲ ጽሑፍ እቲ “ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንኣይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቆ” ከም ዝበለ፡ ንክህነት ንዕቀት ንክርስቶስ ንዕቀት ከም ዝዀነ እዩ ዝረኤ (ሉቃ፡10፡16)። ፍትሓ ነገሥት’ውን “እቲ ንንጉሥ ዝቃወም ሰብ ዋላ ወዱ ወይ ፈታዊኡ እንተዀነ፡ ብብደሉ መቕጻዕቲ ዝግብኦ እንተድኣ ኰይኑ፡ ንክህነት ዝቃወም ድኣ ክንደየናይ ዝያዳ መቕጻዕቲ ዘይግብኦ፧ ክህነትዶ ካብ መንግሥትነት ኣይበልጽን፧ ከምኡውን ንክህነት ዝቃወም ዘበለ፡ ካብ ቅጽዓት ንጉሥ ዝዓበየ ቅጽዓት ክህነት ክረክብ ግድን እዩ። ከምቲ ኣቤሴሎምን ኣሚናዳብን ካብ መቕጻዕቲ ንጉሥ ክድሕኑ ዘይከኣሉ፡ ዳታንን ኣቤሮምን ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ብምቅዋዎም ካብ መቕጻዕቲ ክህነት ኣይደሓኑን። እምብኣር ዝበደለ ካብ ክልቲኡ መቅጻዕቲ ዋላ ሓደ እኳ ዝድሕን” የልቦን ከም ዝበለ ፍትሓ ነገሥት፡ ነቲ ንክህነት ዘቃልል ነቲ ለኣኺኡ ዝዀነ ክርስቶስ እዩ ዘቃልል እሞ ንተቓውሞኻ ተጠንቀቐሉ (ፍትሓ ነገሥት ገጽ 90 290 ተመልከት)።

ይቕጽል…

ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div