S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጊዜ ኸሎና ንዅሉ ሰብ ሰናይ ንግበር

“እምበኣርሲ ጊዜ ኸሎና ንዅሉ ሰብ ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” (ገላ 6፡10)

ብኻልኦት ንዝግበረሉ ሰናይ ግብሪ ዝጸልእ የለን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ጥበብ ዝመልኦ ስብከቱ፡ “ከምቲ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” (ማቴ 7፡12) ዝበለ። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብባህርዩ ሰናይ ኣምላኽ እዩ፡ “ሰናይ ኢኻ እሞ ሰናይ ትገብር ኣሎኻ (መዝ 119፡68)። እግዚኣብሔር ተማቐልቲ ባህርይኡ ጌሩና እዩ። በቲ ዝተዋህበና ጸጋ እግዚኣብሔር፡ ነዚ ቄናንን ጠዋይን ወለዶ ክንበጽሖ ግቡእና እዩ። ንሰናይ ግብሪ ዘይርድኦ ሰብ የለን። ሰናይ ግብሪ ቃላት ዘይብሉ እቲ ዝዓበየ ስብከት (ትምህርቲ) እዩ። ዝዀነ ሰብ ዝተማህረ ይኹን ዘይተማህረ ከንብቦ ዝኽእል ጽሑፍ እንተሃልዩ ሰናይ ግብሪ እዩ። ንፍቕሪ ልዕሊ ዝዀነ ካልእ፡ እቲ እንገብሮ ሰናይ ተግባር እዩ ዝገልጻ። ሃዋርያ ያእቆብ ግብሪ ንዘይብላ ፍቕሪ ክገልጻ ከሎ፡ “ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቐ፡ ናይ ዕለት መግቢውን እንተስኣኑ እሞ ንስጋኦም ዘድሊ ከይሃብኩምዎምሲ ሓደ ካባኻትኩም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተበሎም እንታይ ይጠቅም? ከምኡ ከኣ እምነት፡ ግብሪ እንተዘይብላ ንርእሳ ምውቲ እያ።” (ያእ 2፡15-17) ንእምነትናን ፍቕርናን እምበኣር በቲ እንገብሮ ሰናይ ተግባራት ነሕዋትና ክንገልጾን ክነብረሉን ግዴታና እዩ። እቲ ዘፍቀረና ጐይታ ንርእሰይ ኣይበለን፡ ነታ ዘላቶ እንኮ ህይወቱ እዩ ኣብ ክንዳና ኣእዳው ዘርጊሑ ዝሞተ፡ ስለ ዘፍቀረና ድማ ህይወቱ በጃና ኣሕሊፉ። ሎሚ ንሕና ከኣ ንህይወትና ኣብ ክንዲ ኣሕዋትና ኣሕሊፍና ብምሃብ ንፍቕርና ክንገልጾ ይግበኣና።

(ምሳ 3፡27፣ 1ዮሃ 3፡17-18)

ኣስተንትን

1. እቲ ክኸውን ኣለዎ ኢልካ እትኣምኖን ግብርኻን ማዕረ ክንደይ ይሰማማዕ?

2. በቲ ሰናይ ተግባራትካ ተበጊሶም ሰባት ንኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ዝርእይዎዶ ይመስለካ?

3. ደሓር ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ጐይታ ጠምየ ነበርኩ፡ ጸሚኤ ኔረ ክብል ከሎ ናትካ ምድብ ምሰየኖት ይመስለካ?

ንጐይታ ስለቲ ዝገበረልና ካብ ምርዳእ ዝሓልፍ ሰናይ ግብሪ እናመስግንና፡ ነቲ ዘሎና ዕዳ ፍቕሪ ንኻልኦት ከነማቕል ጸጋ ከብዝሓልና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div