S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እግዚኣብሔር ይሓልየልካ እዩ

“ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ”። (1ጴጥ 5፡7)

“ነፍሰየ፡ ንእግዚኣብሔር ባርኺ፡

ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ።

ነፍሰይ፡ ንእግዚኣብሔር ባርኺ፡

ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፡

ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዝሓድገልኪ፡

ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ፡

ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋ፡

ብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪ፡

ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ፡

ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ።” (መዝ 103፡1-5)

ኣብዛ ምድሪ እንሓልፎ ኵሉ ህይወት፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ይርእዮን ይፈልጦን እዩ። ካብ እግዚኣብሔር ዝስወር ወይውን ንእግዚኣብሔር ዘየገድሶ ክፋል ናይ ህይወትና የለን። ንሱ ኣብ ዕለታዊ መግብና ይግደስ፡ ኣብ ጥዕናና ይግደስ፡ ጸላእቲ ከጥቅዑና ክደልዩ ከለው ንድሕነትና ይግደስ፡ ብዛዕባቲ ካልእ ዘድልየና ናይ ውሽጥና ስምዒት ሓጐስና፡ ሓዘንና፡ ጓሂና ወዘተ ኵሉ ዝርዳእን ዝግደስን ኣምላኽ እዩ። በዚ ኵሉ ድማ ንሱ ይሓልየልና። ንሱ ኣቦና እዩ ዘድልየና ኵሉ ልዕሌና ንሱ ይፈልጦ እዩ። (መዝ 37፡5፣ ማቴ 6፡25፣ እብ 13፡5)

ኣስተንትን

1. ሓልዮት እግዚኣብሔር ኣብ ህይወትካ ብኸመይ ዝተገልጸ ይመስለካ?

2. እግዚኣብሔር ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ካባኻ ንላዕሊ ከም ዝግደስ ብኸመይ ትፈልጥ?

ስለቲ ኣምላኽ ብፍቕሩ ተደሪኹ ዘርኣየና ሓልዮት ነመስግን። ንዘለኣለም ኣብ ፍቕሩ ጸኒዕና ክንነብር ከኣ ጸጋ ክበዝሓልና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div