S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ሰናይ ሓሳብ ኣለዎ

“እቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ነገር ንሰናዮም ከም ዝድግፎም ንፈልጥ ኢና” (ሮሜ 8፡28)

ሎሚ ሰብ ኣብዚ ዘመንና ንህይወቱ ንንብረቱ ንደቁ ገለ ጽቡቕ ነገር ከውሕሶም ክገድፈሎምን ወይ ክገብረሎም ንርኢ ወይ ንሰምዕ። እዚ ኵሉ ድማ ኣብ መጻኢ ጉዕዞ ናይ ህይወቶም ገለ ሕማቕ ነገር ከየጓንፎም ብምባል እዩ። ሰብ እኳ ክፉእ ክነሱ ንውሉዱ፡ ንንብረቱ ንጽባሕ ንግሆ ገለ ሕማቕ ነገር ከይመጽእ ኢሉ ክንድዚ ሰናይ ነገር ወይ ሓሳብ ካብ ሓሰበ፡ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦና ግዳ ነቶም ሕሩያት ደቁ ክንደይ ሰናይ ወይ ጽቡቕ ዘይሓስብ። “ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ... ኵሉ ንሰናይ ከም ዝድግፎም ንፈልጥ ኢና” ይብል ቃል ኣምላኽ። ንክርስቲያን ካብዚ ቃል’ዚ ዝዓቢ ውሕስነት የብሉን። ብዝሓልፎ ኵሉ እግዚኣብሔር ንሰናይ ነገር ስለ ዝድግፎ፡ ክርስቲያን ብሰላምን ዕረፍትን ዝነብር ሰብ እዩ። ስለዚ ሎሚ ኣታ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ እተፍቅር ህዝቢ፡ እግዚኣብሔር ሰናይን ደሓንን ከም ዝሓስበልና ክርድኣና ይግባእ።

ሎሚ ኣብ ህይወትና፡ ናብራና፡ ኩነታትና ተገቲሩ ብምኽሪ ሃማን ዝተነደቀ ከልካሊ ነገር እንተሀለወ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብብሉጽ ምኽሪ ከም ዘስግረና ቃል ኣቲዩልና እዩ። ስለዚ እዚ ዘየጠራጥር ውሕስነት ካብ ሃለወና ምእማንና ኣብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነጽንዓዮ። (1ቈረ 1፡9፣ 2ጢሞ 1፡9፣ ማቴ 6፡25,31-32)

ኣስተንትን፡-

1. እቲ ዝዓበየ ውሕስነትካ ኣብ ምድሪ እንታይ እዩ?

2. ብእትሓልፎ ኵሉ ጐደና ህይወት ሕማቕ ከይገጥመካ ትጠራጠርዶ?

3. ልዕሊ እግዚኣብሔር ሰናይ ክገብረለይ ወይ ክሓስበለይ ይኽእል እዩ ኢልካ ዝተደገፍካዮ ወይ ዝተጸጋዕካዮ ነገር ኣብ ህይወተካ እንታይ ኣሎ?

ስለቲ ሰናይ ዝኾነ፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌና ዝሓስቦ ሓሳብ፡ ንኣምላኽ ነመስግን።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div