S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣምላኽ ንብዘሎ ንብዓትና ክደርዞ'ዩ

“ኢየሱስ ነብዐ” (ዮሃ 11፡35)

እታ ዝሓጸረት ግናኸ ዝዓሞቐት ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስና እያ። ካልእ ንዓኣ እትመስል ጥቕሲ ድማ እታ ጐይታ ንኢየሩሳሌም ዝነብዓላ ንብዓት እያ (ሉቃ 19፡41)። እዘን ጥቕስታት እዚኣን ልዕሊ ኵሉ ምርዳእና እየን። ምኽንያቱ ኣብኣን ኵሉ ጐይታ ዝሓለፎን ዝነበሮን ህይወት ብሓንሳእ ጠሚረን ብዕምቆት ዝገልጻ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስና ስለ ዝኾና። ንምዃኑ ንውሽጥና ንምሕታት፡ ንምንታይ ጐይታ ነቢዑ ይኸውን? ፍቕሩዶ ይኸውን ምኽንያቱ ኣብ ቃሉ ጓሳ ዘይብለን ፋሕ ዝበላ ኣባጊዕ የደንግጻኒ ኣሎዋ ክብል ተዛሪቡ ኣሎ፡ ስለቲ ኣስኣሰሩ ንምስዓብ መከራን መስዋእትን ዝረኸቡ ሰዓብቱዶ ይኸውን ወይስ ናቱ ስቕለትን መከርኡ'ዶ ይኸውን ወይስ ዋጋ ደሙ ማለት ክንደይ ሰብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣቱ ዝግብኦ ግናኸ ናብ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ዘምርሕ ወለዶታት ስለዝፈልጥ'ዶ ይኸውን ነቢዑ? እንድዒ ልዕሊ ኣእምሮ እዩ። ንሱ ግና እቲ ፈላጢ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ጐይታ ባዕሉ ይፈልጦ እዩ፡ ንሱ ድማ ንሕቶና ንብዓትና ብምድራዝ ክምልሶ እዩ። ኣሜን።

ቃል ኣምላኽ ንብዓት ናይ ዘለኣለም ህይወት እንኣትወሉ ዝዓሞቐ ምስጢር ምዃኑ ይነግረና። “እቶም ሕጂ ዝበኽዩ ምጽንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ ቡጹኣን እዮም ይብል” ስለዚ ንዅሉ ዘዘመኑ ከም ዘሎዎ ተረዲእና ዘመንና ድማ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝነግረና ዘሎ ዘመን ንብዓት ምዃኑ ተረዲእና ሎሚ፡ ኣብ ጊዜናን ዘመንናን ብህድኣትን ሰላምን ንኣምላኽ ክነገልግል ብዓቢኡ ድማ እዚ ናይ ምድሪ ጉዕዞና ብዓወት ወዲእና ኣብታ ሰማያዊት ሃገር ክንኣቱ ናይ ንብዓት ዘርኢ ከነካይድ እግዚኣብሔር ብመንፈሱ ይደርኸና። እቲ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ዘይሓልፍ ቃል እቶም ብንብዓት ዝዘርኡ ብእልልታ ይዓጽዱ ከምዝብለና ኣምላኽና እቲ እንነብዖ ዘሎና ንብዓት ኣብ ጭልፍኡ ከም ዝእክቦን ሓደ መዓልቲ ድማ ንብዘሎ ንብዓትና ከም ዝደርዞ ክርድኣና ይግባእ። ኣምላኽ ነቶም ብንብዓት ዝዘርኡ እወ ጐይታ እቲ ዓስቡ ቀቅድሚኡ ዝኸይድ ኣምላኽ ንብዓቶም (ንብዘሎ ንብዓት ናይ ዘመናት) ዝደርዘሉ ኣጋጣሚ እናቐረበ ይምጽእ ኣሎ። ንሱ ድማ ካልኣይ ምጽኣቱ እዩ። “ኣምላኽ እኮ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንትና ክደርዝ እዩ” ኣሜን! (ሉቃ 6፡21፣ ማቴ 5፡4፣ ነህ 1፡4-7፣ ሮሜ 9፡1-4፣ ራእ 21፡1-4፣ ኤር 9፡1)

ኣስተንትን

1. ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትኣቱ እንታይ ዝዓይነቱ ናይ ንብዓት ወፍሪ ተኻይድ ኣሎኻ?

2. ነቶም ምሳኻ ዘለው ቀረባ ኣሕዋትካ፡ ስድራ ቤትካ ግናኸ መንፈሳዊ ሞት ሞይቶም ዘሎው፡ ወንጌል ብዘይ ምቕባሎም ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ (ጥፍኣት) ክኸዱ ዝኽእሉ ትነብዓሎምዶ ኣሎኻ?

3. ንብዓት ጐይታ ንምድራዝ፡ እዚ ናይ ምድሪ ህይወትካ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ንኣምላኽ ክትውፍዮ ፍቓደኛ ዲኻ?

4. ጐይታ ንምንታይ ነቢዑ ኢልካ ትሓስብ?

ጸሎት፡- ስምዒት ጐይታ ክርድኣናን ከነስተውዕሎን እሞ እቲ ዘንብዖ ዘይኮነስ ዘሐጕሶ መታን ክንገብር ኣምላኽ ኣዒንትና ክኸፍት ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div