S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሰማያት ክብሪ እግዚኣብሔር የዘንትዉ

“እቲ ስልጡን ኣምላኽ እግዚኣብሔር ተዛረበ” (መዝ 50፡1)

እቲ እነምልኾን እንስዕቦን እነገልግሎን ኣምላኽናስልጡን ኣምላኽ እግዚኣብሔርኢልና ክንገልጾ ከሎና፡ ኣብ ህይወትና ዓብዪ ዕጋበት፡ ሓጐስን ሓበንን እዩ ዝስምዓና። ምኽንያቱ ከምዚ ዝበለ ስልጡን ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ተሰሚዑን ተራእዩን ስለ ዘይፈልጥ፡ ንዝመጽእ ዘመናትውን ከምኡ ዝበለ፡ ስልጡን ብዓል ግርማ ኣምላኽ ስለ ዘይህሉ። እዚ ስልጡን ኣምላኽ፡ እግዚኣብሔር፡ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ጐይታ ጐይቶት፡ ንጉስ ነገስታት፡ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣታተን ዘሎ ኵሉ ፍጥረታትን ወዲ ሰብን እዩ። ወዳጀ ስልጡን እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ ኵሉ ብርኪ ንኽብርኻ ብእተሰብረ ልብን ብኻብ ቃል ጥበራ ዘይኮነ ልሳን ይስግደልካ። ኣሜን! ኵሉ ጊዜ ኣዒንትና ንሰማያት ኣቢልና ክንጥምት ከሎና እቲ ንረድኤትና፡ ኣብ ሰማያት እተወጥሐ ኣምላኽ ዝመስሎ ከምዘየልቦ እዩ ዘረድኣና። እዚ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ስልጡን ኣምላኽ፡ ሰማያት ክብሩ ከም ዘዘንቱ እዩ ዝዛረበና። እቲ ስልጡን ኣምላኽ፡ እግዚኣብሔር፡ ኵሉ ጊዜ እዩ ዝዛረብ፡ ንሕና ግና ኣይነስተውዕልን ኢና። ኣምላኽ ቀደም ነቦታትና፡ ብነብያቱ ገይሩ፡ ብዙሕ ጊዜ ተዛሪብዎም እዩ። ነቶም ኣብዚ ዘመን እዚ ዘሎና ድማ ብወዱ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብወንጌሉ ገይሩ ኵሉ ሳዕ እዩ ዝዛረበና ዘሎ። እሞ' ድኣ ልብና ኣምላኽ ክዛረብና ክሎ ከመይ ኢልና ንሰምዖ ንህሉ? ኣብ ዘመንና ኣምላኽ ይዛረብ እዩ ሓንትስ ዝሰምዕን ዘስተውዕልን ልቢ ይሃልወና። እቶም እቲ ስልጡን ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ ዝሰምዑ ክርስትያናት እዚ ናይ ምድሪ ህይወቶም ብዓወት ዛዚሞም ኣብ የማን ኣምላኽ ምስ ጐይታኦም ንምንባር ነታ ናይ መጨረሽታ ምንፋሕ መለኸት ብመላእኽቲ እዮም ዝጽበዩ ዘለው። ንሕናውን ኣብ ዘመን ህይወትና እቲ ስልጡን ኣምላኽ ዝብለና ክንሰምዖን መወዳእታና ድማ ኣብታ ሰማያዊት ሃገር ንምዕራፍ ክኸውን እግዚኣብሔር ዝሰምዕ እዝንን ልብን ይሃበና።(ዘፍ 11 ዘፍ 126 እያ 2222 ዘዳ 3326-27 እዮ 3723) 

ኣስተንትን

1.      እቲ ስልጡን ኣምላኽ እግዚኣብሔር ክዛረብ ከሎ ትሰምዖዶ? 

2.     ድምጺ ኣምላኽ ምስማዕ ተላማሚድካዶ?

3.     እቲ ስልጡን ኣምላኽ እግዚኣብሔር ብዘይ ምስማዕካ እንታይ ውድቀት ኣብ ህይወትካ ኣስዒቡ ወይ ከስዕብ ይኽእል ኢልካ ትሓስብ?

4.     ኣብ ናይ ምድሪ ዘመንካ ንኣምላኽ ክትሰምዖ ፍቓደኛ ዲኻ?

ድምጺ ኣምላኽ ምስማዕ ምእንቲ ክንክእል መንፈሳዊ ኣእዛንና ክኽፈታ ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div