S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሳዕቤን ሓጢኣት ኣብቶም ዝፈጸምዎ ጥራይ ኣይሕጸርን እዩ

“ዳዊት ድማ ልኡኻት ሰዲዱ ወሰዳ፡ ናብኡ ከኣ ኣተወት፡ ጽጌኣ ተሓጺባ ነበረት እሞ፡ ምስኣ ደቀሰ፡ ናብ ቤታ ድማ ተመልሰት።” (2 ሳሙ 11፡4)

ዳዊት ምስ ባትሴባ ፍቕሪ ክጅምር ከሎ ንኻልእ ይጐድእ ከምዘሎ ምናልባት ኣይሓሰበን ክኽውን ይኽእል እዩ። ድሕርዚ ግና ሓንቲ ለይቲ ክልቲኦም ብሓንሳብ ከም ዝሓደሩ ዝኾነ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ግናኸ ናይ ሓጢኣት ሳዕቤን ኣብቶም ዝፈጸምዎ ጥራይ ኣይሕጸርን እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ናይ ዳዊት ምንዝርና ንብዙሓት ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ቅኑዓት ሰባት ዝጐድአ። መጀመርያ ሓጢኣቱ ንኡርያ ቀቲሉ። ኡርያ ሰብኣይ እታ ዳዊት ምስኣ ዝደቀሰን ሓጢኣት ዝፈጸመን ብምዃኑ ኣብ ማእከል ሜዳ-ውግእ ከም ዝቕተል ተገብረ። ኡርያ ኣብዚ ክፍኣት እዚ ብምልኣት ንጹህ እዩ ዝነበረ ግናኸ ብምኽንያት እዚ ሓጢኣት እዚ ህይወቱ ስኢኑ። ካልኣይ እቲ ዝተወልደ ህጻን ብምኽንያት ናይ ዳዊት ሓጢኣት ሞይቱ። (2 ሳሙ 12፡14) ምኽንያቱ ድኹምን ጌጋን ምርጫ ናይ ሓደ ሰብ ካልእ ሰብ ክልክም ከሎ ንርኢ። ኣብ መወዳእታ ሳዕቤን ሓጢኣት ዳዊት ናብ ኣንስቱን ደቁን እዩ ሓሊፉ። ናይ ካልእ ሰብኣይ ሰበይቲ ብምውሳዱ ዳዊት ደቁ ኣብ ከምዚ ባህርይ ከምዝኣትው ተገሊጽሉ፡ ኣምላኽ ብትንቢት ሓደ መዓልቲ ደቁ ናብ ኣንስቲ ወሰን ከም ዝኣትዉን ምስአን ከም ዝድቅሱን ገሊጽሉ (2 ሳሙ 12፡11-12,16,21-22)። እዘን ኣንስቲ ወሰን ምስ ናይ ዳዊትን ባትሴባን ሓጢኣት ዝኾነ ዝምድና ኣይነበረንን ግናኸ ንሳተንን ደቆምን ብምኽንያት እዚ ሓጢኣት እዚ ክህሰዩ ክኢሎም። እምበኣር ሓጢኣትና ሽዑ ንሽዑ ኣይጸልወናን ይኸውን ግናኸ ንኣብ ዙርያና ዘለው ሰባት ክጐድእ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ናትና ናይ ብሕትና ጥራይ ሓሲብና ናብ ዘይምርዳእ ክንኸይድ ንኽእል ኢና። ግናኸ ኣቕሪብና እንተርኢናዮም እቶም ኣብ ዙርያና ዘለው እነፍቅሮም እንግደሰሎምን ሰባት ብምኽንያት እቲ ኣብ መስርሕ ሓጢኣት ምእታው (ተጐዲኦም ክንርኢ ኢና።) (ዘሌ 20፡10፣ ዘዳ 22፡22)

ኣስተንትን

1. ናይ ዳዊት ሓጢኣት ብኸመይ እዩ ንኻልኦት ሰባት ክጸሉ ዝኸኣለ?

2. መኣስ ብናይ ካልኦት ሰባት ሓጢኣት ተጐዲእካ ትኸውን?

3. ብምኽንያት ናትካ ሓጢኣት ዝተበደለ ሰብ እንተሎ ይቕረ'ዶ ትብለሉ?

ጸሎት፡- ኵሉ ዝገበርናዮ ሓጢኣት፡ ይንኣስ ይዕበ፡ ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ከም ዝጎድእን ንኣምላኽ ከምዘሕዝንን ፈሊጥና ቀልጢፍና ንስሓ ንእቶ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div