S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕቶ፡ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ቁጠዐ ብኸመይ ኢና ንርድኦ ?

መብዝሕትኡ ሳዕቤናት ቁጠዐ ኣዕናዊ ክነሱ ገለ ብቑጥዓ ዝውሰዱ ስጉምትታት ግን ከም ቅኑዓት ዝሕሰቡ ኣለዉ፣እቲ ቁኑዕን ዘይቅኑዕን ቁጠዐ ብኸመይ ኢና ፈሊና ክንርድኦ እንኽእል?

ክቡራት ግዱሳት ኣቦታትን፣ኣሕዋትን ኣሓትን ነዘን ቀጺለ ዘቕርበን መጽሓፈ-ቕዱሳዊ ጥቕስታት ካብአተን፣ ኣየኖት ኢየን

(ሀ).ቕኑዕ ቁጠዐ፣ ስለምንታይ?

(ለ). ዘይቅኑዕ ቁጠዐ፡ ስለ ምንታይ?

እቶም መንፈስ ቅዱስ ዘብርሃልኩም ግዱሳት ኣቦታት ኩሉ ኣማኒ ብዝርድኦ ንጹር መብርሂ ክትህቡን ብትሕትና እሓትት።

እምበኣር እተን ጥቕስታት፣

1. “ሙሴ ናብቲ ሰፈር ምስ ቀረበ፣ነቲ ምራኽን ነቲ ሳዕሳዒትን ርእዩ ቁጥዓኡ ነደደ እሞ ነተን ጽላት ካብ ኢዱ ደርበየን፣ኣብ እግሪ እቲ እምባ ከኣ ሰበረንዘጸ/3219

2. “ኣብ ዓውዲ ናኮን ምስ መጹ ግና እቶም ኣብዑር ስለ ዝተዓንቀፉ፣ዑዛ ብኢዱ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ሓዞ።ሽዑ ቁጥዓ እግዚኣብሔር ኣብ ዑዛ ወረደ፣ስለ ድፍረቱ ከኣ ኣምላኽ ቀዘፎ” 2 ሳሙ/66-7

3. ኢየሱስ ኣብቶም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ብቑጠዐ ዘውረዶ ከቢድ ወቐሳ ማቴ/23

4. ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌምናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፣ነቶም ኣብታ ቤት መቕደስ ኮይኖም ዚሸጡን ዚሻየጡን ዝነበሩ፣ሰደቓ መሻርፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ገልበጠማር/1115

5. “እቶም ህዝቢ (እስራኤላውያን)ብጸገሞም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣጉረምረሙ።እግዚኣብሔር ምስ ሰምዐ ድማ ኣዚዩ ተቖጠዐ፣ሓዊ ካብ እግዚኣብሔር ወጺኡ ከኣ ነቶም ኣብ ወሰን ሰፈር ዝነበሩ በልዖምዘሁልቅ/111

6. “እታ ኣድጊ ከኣ መልኣኽ እግዚኣብሔር ርእያ፣ኣብ ትሕቲ በለዓም በጥ በለት።በለዓም ድማ ሓሪቑ  ነታ ኣድጊ ብበትሪ ወቕዓ።ሽዑ እግዚኣብሔር ነታ ኣድጊ ከም እትዛረብ ገበራ።እዚ ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካንስ እንታይ ጌረካ ኢየ?በለቶ ዘሁልቅ/ 2227-28

7.  ብዘሎ ምረትን ነድርን ቁጥዓን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኩሉ ክፍኣት ካባካትኩም ይርሓቕ” ይብል ኤፌ/431

8. “ኩራ ግደፍ፡ሓርቖትውን ሕደግ ኣይተንጸርጽር፡እዝስ ናብ እከይ ጥራይ ኢዩ ዜብጽሕ”  ይብል መዝ/378

9. “ኣነ ግን ንሓዉ ዜቖጥዕ ዘበለ ኩሉ ኪፍረዶማቴ/522

10. “ቁጥዓን ኩራን ጨካንን መዕነውንምሳ/274

11. “ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባር ወይ ክፉእ ምግባር፡ነብሲ ምድሓን ወይ ምቕታል ይግባእ በሎም።ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ።በቲ ትሪ ልቦም ጉህዩ፣ ነቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ብቑጥዓ ጠመቶም  ነቲ ሰብኣይ ከኣ ኢድካ ዘርግሕ በሎ፡ኢዱውን ሓወየትማር/34-5

12. “ኣምላኽ ቁጥዓኡ ኬርኢ ሓይሉውን ከፍልጥ ደለየ ።ግና ነቶም ንጥፍኣት ዝተዳለዉ፡ቁጥዓኡ ኬውርደሎም ዚግበኦም ሰባት ብብዙሕ ተዓገሶምሮማ/922

13. “ክትቁጥዑ ከለኹም ኣብ ሓጢኣት ከይትወድቁ ተጠንቀቑኤፌ/426

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div