S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

እዚ ስምረት ገዳማት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ዝኣወጅዎ ውግዘት ምኽንያት ብምግባር ዝወጽአ ዘሎ መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕ እዩ።

ቅዱስ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ 13 ጥሪ. 2006 "ሕጊ እንተ ረገጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ" ዝበልዎ ረዚን ትንቢታዊ ቃል ብግብሪ ክፍጸም ንርእዮ ስለዘሎና ንኣምላኽ ነመስግን።

ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብተደጋጋሚ ክገልጾ ከምዝጸንሐ፥ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን፥ ንኹነታት ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምምዝማዝ፥ “ዋና ኣማሓዳሪ፥ ፈጻሚ ኩሉ ጉዳያት” ዝብል ስም ተጠቒሞም ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ጅሆ ሒዞማ ጸኒሖም እዮም። ካብዚ ዝነቐለ፥ ንልዕሊ ዓሰርተ (10) ዓመታት ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን ኣገልገልታን ዘውረድዎ ሃስያ ኣብ ውሽጢ ምእመናን ዘስረጽዎ ምፍልላይ ዘውረድዎ ግፍዒ፥ ዕንወት፥ ውግዘትን ምፍልላይን ብዓቕሚ ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ክዝርዘር ዝከኣል ኣይኮነን

እዞም ክልተ ውልቀ-ሰባት፥ ካብ ሓላፍነት ቤተ ክርስቲያንን ካብቲ ደረት ኣልቦ-ስልጣኖምን ተኣልዮም ኣለዉ። እዚ፥ ጽቡቕን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚትን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ክትድበስ ምስ ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ኮነ ምስ ኣድማሳዊ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናት ብኽብሪ ክትስራዕ ሓቢርና ንኣምላኽ ከነምስግን እንተኾይኑ ግና፥ እቲ ቀኖናዊ ግህሰት ምስ ዝዕረን ካብ መንግስታዊ ተጽዕኖ ናጻ ምስ እትኸውንን ጥራይ እዩ። እዚ ዝኸውን ድማ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓትርያርክ እንጦንዮስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጳጳሳት ዘንበርዎ ውግዘት ንኸልዕልዎ ዕድል ክወሃቦም ይግባእ።

በዚ መሠረት፥ ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ነቲ ገዳማውያን ኣቦታት ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብኣድናቖት እናኣመጎሰ፥ እዚ ዝስዕብ ለበዋታትን ጻውዒትን ብኣኽብሮት የቕርብ፣

1. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ እንጦንዮስ ካብ ዘለዉዎ ማሕዩር ብህጹጽ ነጻ ጺኦም ናብ ሕጋውን መንፈሳዊን መንበሮም ይመለሱ።

2. እቶም ብሰንኪ እምነቶም ዝተኣስሩ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያንን ምእመናንን ይፈትሑ።

3. ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መንግስታዊ ተጽዕኖ ናጻ ኮይና ብቀኖናዊ ፓትርያርክ ዝምራሕ ቅዱስ ሲኖዶስ ትመሓደር።

4. ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ሰንሰለታ ሓልያ ብሓደ መጓሰ ክትምራሕ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ተመሊሶም ውግዘታዊ-ፍትሓት ክህቡን ወግዓዊ-ዕርቂ ክግበርን

5.ምረት ገዳማውያን ኣቦታት ዝጀመርክሞ ዝነኣድ ስጉምትን መንፈሳዊ ትብዓትን ክትቅጽልዎ፥ ስለ ሓቂ፥ ፍትሕን ርትዕን ድማ ወትሩ ብጸሎት ክትነቕሑ ንምሕጸን።

6. ጳጳሳትን ገዳማውያን ኣቦታት ብኦርቶዶክሳዊ ሓድነት ተጠርኒፍኩም ንዝጸንሐ ከቢድ ውግዘትን ምፍልላያትን ብምሕረትን ዕርቅን ንኽውዳእ ክትጽዕሩ ንላቦ።

7.ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ “ዓገብብዘይምባልና ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ግህሰት፡ ስደትን ሞትን ተረዲእናኣቦና ይፈትሑኢልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ክንቀርብ ይግባእ።

 

ልዑል ኣምላኽ መዓልቲ ሓቂ፥ ዕርቅን ሰላምን ይሃበና ዕድመን ጥዕናን ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ሂቡ ንቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን ድማ ሰላምን ምሕረትን የውርደልና ኣሜን

መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

16 ጥቅምቲ 2014 ( ጥቅምቲ ፳፻፯ . ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div