S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዎ ኤልያስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧ 1ነገ።19:9

ክላ ስቕ ኢልካ!” ክትብለኒ ከላ፡ ተስፋ ዘቝርጽ ነገር ክትዛረብ ምዃና ኣይሰሓትክዎን። ከም ግምተይ ከኣ ጉድ ክትዝርዝረለይ ጀመረት፡እከለ፡ እቲ ውሩይ ዘማሪ ትፈልጦ እንዲኻ?” ኢሂ ንሱ፡ሓዳሩ ፈቲሑስ ካልእ ተመርዕዩ ይበሃል ኣሎ?” ጉድ! “እከለ እቲ ውሩይ ሰባኺ ትፈልጦ እንዲኻ?

እሂ ንሱ፡ ብምትላል ገንዘብ ተኸሲሱ ኣብ ቤትፍርዲ እዩ ዝውዕል ዘሎ? ወይ ጉድ!! እታ መገላግልትና ዝነበረት እከሊት ትፈልጣ እንዲኻ? ኢሂ ንሳ.. ገዲፋቶ ዝወጻላ ዓለማዊት ኮይናድሕርዚ ክጽመማ ኣይከኣልኩን። ካብቲ ናቶም ጉድ ናትክን ናተይን ጉድ ይኸፍእ፡ዳርጋ ውድእ ኢሉኒ ከም ሓውሲ ቍጥዕ ኢለ ገናሕክዋ። ሰገጥ ትብል ሰብ ግን ኣይነበረትን። ሕመረት መልእኽቲ ናይዚ ሎሚ ተዳልዩ ዘሎ ጽሑፍ፡ ቅድም ንገዛእ ርእስና: ደሓር ከኣ ነቶም ክንበጽሖም ዘለና ኣሕዋት፡ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ?" ብዝብል ሕቶ፡ ክንተግህ ዝድርኽ ትሕዝቶ እዩ።

ሰባኺ ወንጌል ንዝነበረ' እንታይ ኢልካ ኢኻ ክትሰብኮ? ነቲ ብመዝሙሩ ብዙሕ ምስጢራት ኣምላኽ ዝገለጸ ዘማርስ፡ ሕጂ እንታይ ዝዓይነቱ ምህሮ ነጊርካ ኢኻ ክትመልሶ?!” ሕቶታታ ወጠርቲ ዝመስሉ፡ ግን ከኣ ኣብ ህዋ ዝተንሳፈፉ መሲሎም ተራእዩኒ። ናብ መሬት ኣዕሊበ ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ክህባ ደለኹ። ሌጣ ምዝርራብ ጥራይ ብዙሕ ፋይዳ ከምዘየምጽእ ስለዝዘከርኩ ግን፡ቅድም እሞ ሓጺር ጸሎት ንጸሊ፡ ድሕሪኡ ሓንቲ ሕቶ ጥራይ ሓቲተ፡ ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ክህበኪ እየ በልክዋ። ሓቢርና ኸኣ ንጸሎት ርእስና ኣድነንና።

ድሕሪ ሓጺር ጸሎት፡ሃዋርያ ያእቆብሲ፡ ስለምንታይ ኮን ይኸውን ብዛዕባ ብጸሎት ክርከብ ዝከኣል ሓይሊ እናጠቐሰ ክነሱስ፡ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረብምባል ንድኻም ኤልያስ ከዘክረና ዝደለየ?” ብምባል ተወከስክዋ። ሕጂ ግን ንምስማዕ እምበር ንምዝራብ ድልውቲ ኣይነበረትን። ብውሽጠይጸሎት ጠቒማእናበልኩ፡ ነቲ ሽዑ ዝተኸፍተለይ ርሒብ ደገ ክጥቀመሉ ደለኹ። እቲ ካብ ሰማይ ሓዊ ከምዝወርድ ዝገበረ፡ እቲ ንመሰውኢ እግዚኣብሄር ዘሐደሰ፡ እቲ ንነብያት በዓል ዘጥፍአ፡ እቲ ዝናብ ከይዘንብ ንሰለሰተ ዓመትን መንፈቕን ሰማያት ዝረገጠ፡ እቲ ናይ እምነት ጅግና፡ ንሱ፡ብምፍርራህ ኢዛቤል ሃዲሙ ኣብ በዓቲ ተሓቢኡከተንብብ ከለኻስ፡ክላ ስቕ ኢልካ!” ኣየብልንዶ? ብምባል ተወከስክዋ፡ መልሳ ንምስማዕ ከኣ ዘረባይ ኣቋረጽኩ። እንተኾነ ግን፡ ናይ እወታ ምልክት ጥራይ ደኣምበር ዝኾነ ቃል ከተስዕብ ግን ኣይደለየትን። ብኣንጻሩ፡ እቲ ናይ ምስማዕ ሸውሃታ ብርሒብ ተራሕዩ ምንባሩ ግን ኣጣምታኣ ኣብርሃለይ። ሕጂ ግርም ብምባል መንፈስ ኣምላኽ ብምግላጽ ምስጢራት ክበጽሓኒ ብውሽጠይ ተማሕጸንኩ።

ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ፡ ስለዚ ዓበይቲ ኣገልገልቲ ኣብ ሓጢኣት ወዲቖም እንተሰማዕኪ፡ ንሳቶምውን ከማና ዝድኻሞም ሰብ እዮም እሞ ኣይትገረሚበልክዋ። ኣልግብ ኣቢለ ድማ፡እቲ ካብ መጀመርታ ዘፍቀሮም እግዚኣብሄር ግን ልዕሊ ማንም ሕጂውን የፍቅሮም እዩ። ካብ ድኻሞም ኣልዒሉ ብሕጂውን ድንቂ ነገራት ንኽገብሩ ዳግም ከተንስኦም ከምዝኽእል፡ ካብቲ ኣብ ህይወት ኢልያስ ዘጋጠመ ሓቢርና ክንርእዮ ንኽእል ኢና፡ብምባል ንምንቕቓሕ ዝድርኽን ዓቢ ጾር ዘሰክምን ትምህርቲ ክምህራ ኣንቀድኩ። ንሕና ግን ወትሩ ሕጅን ሽዑን ተዓዘብቲ ጥራይ ኮይንና ከይንተርፍ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኦምን ከምዚ ዝዓይነቱ መንፈሳዊ ጾር ክንጸውር ይግብኣናብምባል እቲ ክኸውን ዝግብኦ ሓቀኛ መገዲ መንፈሳውነት ብሓባር ብኸምዚ ዝስዕብ ተመሃርናዮ።

መጽሓፍ ቅዱስና ገንጺልና ነቲ መወከሲ ክኾነና ዝሓረኽዎ ክፍሊ ክልቴና መመጽሓፍ ቅዱስና ገንጺልና ረኸብናዮ። እቲ መወከሲ ጽሑፍ፡ ኣብ ቀዳማይ ነገስት ምዕራፍ 19 እዩ ዝርከብ። ብዕምቈት ክንዘራረበሉን ክንመሃረሉን ምእንቲ ድማ፡ ቅድም ንሳ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ ደሓር ከኣ ኣነ ከምቲ ንሳ ዝገበረቶ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ ንብምልእታ እታ ምዕራፍ ክልተ ሳዕ ኣንበብናያ። ክጀሃር ደልየ ዘይኮንኩስ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ንስኻትኩምውን ነቲ ትምህርቲ ብዝግባእ ምእንቲ ክትርድእዎ፡ እንተወሓደ ክልተ ግዜ ነታ ምዕራፍ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኣንብብዋኢለ እየ ዝእንፍተልኩም ዘለኹ፡ እንሓንሳእሲ እባ፡ እቲ ምድርጓሕውን ንዓሻ ጥራይ ግዲ ኣይኮነን ዘድልዮሃሃሃኣቱም ሰባትደኺሞምኢልና ንኻልኦት ምኽሳስና ኸኣ እምበር ይገድድ!! (ኣብ .2 ይቕጽል)

ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላከ ኣበዊነ!

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div