“ካብ ትምኒት ጉብዝና ህደም” (2ጢሞ 2፡22)
ኣዒንቲ ሰብ ብምርኣይ ካብ ዝመጽእ ውድቀት ኵሉ ጊዜ ምስ ተፈተና እየን። ስለዚ ኣዒንትና ከም ኣጓብዝ መጠን ዝበዝሕ ክንፍተነሉ እንኽእል ነገር ስለ ዝኾነ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ እዚ ማዕዳ'ዚ ንጢሞቴዎስ ዝመዓዶ። ንምርኣዩ ደስ ዘብል ነገር ነዒንትና፡ ጥዑም ሽታ ከኣ ንኣፍንጫና ክስሕብ ንቡር እዩ። እዚ ተፈጥሮ ስለ ዝኾነ ዋላ ሓደ ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ግናኸ ሓሳብና ኣብቲ ዝረኣናዮ ነገር ተሳሒቡ ከይተርፍ ገደብ ክንገብረሉ ይግብኣና። ክንረኽቦ እንኽእልን ዘይንኽእልን፡ ዝተፈቕደልናን ዘይተፈቕደልናን መሚና ክንፈልጥ ይግብኣና። ብናይ ትምኒት መፈንጠራ ምእንቲ ከይንትሓዝ ኣዒንትናን ሓሳብናን ብመንፈስ ኣምላኽ ክንቈጻጸሮ ይግባእ። ስለዚ ከኣ እዩ ጐይታ ብእትርእይዎን ብእትሰምዕዎን ተጠንቀቑ እናበለ ዝምዕደና። (እዮ 31፡1፧ ማቴ 5፡27-30፧ ዘፍ 3፡6)
ኣስተንትን
1. ንህይወትካ ብእትርእዮን ብእትሰምዖን ማዕረ ክንደይ ትጥንቀቐላ፧
2. ካብ ትምኒት ጉብዝና ንምህዳም እንታይ ትገብር፧
3. ካብ ትምኒት ጉብዝና ዝሃደሙን ብትምኒት ጉዝብና ዝተፈንጠሩን ዘርዝር፧
ጸሎት፡- ብእንርእዮን እንሰምዖን ኵሉ ጥንቁቓት ክንከውን ናብ እግዚኣብሄር ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
መህ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ