S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፍቕሪ መደምደምታ ኵሉ ትእዛዝ

“ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር” (1ቈረ 16፡14)

መሰረት ኵሉ ናብራኻ ማለት ኣገልግሎትካን ኵሉ ግብርኻን ብፍቕሪ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ምኽንያቱ ፍቕሪ መደምደምታ ኵሉ ትእዛዝ ስለ ዝኾነት። ብዘይ ፍቕሪ ኵሉ ንብረትካ ንድኻታት እንተ ሃብካ፡ ስጋኻውን ንምንዳድ ኣሕሊፍካ እንተ ሃብካ፡ ካልእ ንእኡ ዝመስል ተግባራት እንተ ፈጸምካ'ውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሚዛን ኣየውህበካን እዩ። ስለዚ ብፍቕሪ ምግልጋልና ንኣና ኣብ ኣምላኽ ምህላውና ውሕስነት ዘውህበናን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ምኡዝ መስዋእቲ ከነቕርብ እንኽእለሉን ምዃኑ ፈሊጥና እንገብሮ ኵሉ ኣብ ፍቕሪ ዝተሞርኮሰ ምዃኑ ብምርዳእ ክንፍጽሞ ይግባእ። (ማቴ 7፡22-23፣ ፊሊ 1፡16-17፣ 1ቈረ 13፡1-3)

ኣስተንትን

1. እትገብሮ ዕዮ ዅሉ ካብ ፍቕሪ ዝተበገሰ ድዩ፧

2. ካብ ፍቕሪ ወጻኢ ዝግበር ኣገልግሎት እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧

3. ንማሕበር ኤፌሶን ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ክብሎ ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

ድርኺት ናይ ኵሉ ኣገልግሎትና፡ ንኣምላኽ ዘለና ፍቕሪ ክኸውን ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ። 

መህ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div