S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቆይሙ ዝረኣናሉ ዘመን

ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቆይሙ ዝረኣናሉ ዘመንወርኢነ ትእምርተ ርኵስ ዘምዝባሬ ዘይቀውም ውስተ መካን ቅዱስ

"እቲ ክፉእ ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ደው ኢሉ እንተረኣኹምእቲ ዘንብብ የስተውዕል (ማቴ 24:15) ዝብል ጽሑፍ ብዙሕ ግዜ ከም ዘንበብናዮ ርግጽ እዩ። እዚስ መዓስ ኮን ይፍጸም ይኸውን ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮና ክለዓል ግድን እዩ። ብዙሓትውን፣ እዝስ ገለደኣ ንመጻኢ ይኸውን እምበር ኣብ ዘመናስ ይመጽእ ኢሎም ኣይጥርጥሩን እዮም። እቲ ዝገርም ግን እዚ ነገር እዚ ሎሚ ኣብ ዘመንና ብጋህዲ ንርእዮ ምህላውና እዩ።

እዚ ቅድሚ ዳርጋ 2000 ዓመት ዝተጻሕፈ፣ ጥፍኣት ክመጽእ ከሎ እቲ ክፉእ ናብቲ ዘይግብኦ ቦታ ክብ ምባል ዝእምት ጽሑፍ ሎሚ ኣብ ዘመና ክንሪኦ ከለና ኣዘዩ ዘሕዝን ነገር እዩ። ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትንቢት እዩ ተዛሪብዎ። እዚ ተርእዮ እዚ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዘመን ክፋእ ምስ በዝሐ ከም ዝመጽእ እዩ ሓቢርና። ብልክዕ ከኣ እቲ ክፉእ ኣብ ዘይቦትኡ ኣብቲ ኣንኳይዶ ክቕመጦስ ኣማዕድዩ እኳ ክሪኦ ዘይግብኦ ቦታ፣ ብሒቱ ብምሓዝ ከምድላዩ ጌሩ ዙፋኑ ዘርጊሑ ተቐሚጡ ክንሪኦ ከለና እግዚኦ መሓረነ ዘብል ነገር እዩ።

እዚ ግናይ ተርእዮ እዚ፣ ኣብ መንበረ ጵጵስና ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ዝረኤ ዘሎ መሰደመምን መጉሃይን ኩነት እዩ። ኩሉ እቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ተዋሕዶ ዝግደስ ኣማናይ ከምዝፈልጦ፣ እቶም ርእሲ ቤተክርስቲያና ዝኾኑ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣቦና፣ ብሓይሊ ካብ ስልጣኖም ወሪዶም፣ ቤተክርስቲያን ከይሳለሙ፣ ስጋኡን ደሙን ከይወስዱ፣ በቶም ብስጋ ዝመላለሱ ደቂ እቲ ገዛኢ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝኾኑ ናይ እዋንና ሓያላት ኢና በሃልቲ ተኸልኪሎም፣ ከም ሓደ ሰብ ዝቐተለ ገበነኛ ብጠበንጃ ኣፈሙዝ እናተሓለዉ ኣብ ገዛ ክዕጸዉ ተፈሪዱሎም ኣብ ማሕዩር ይርከቡ ኣለዉ። ምዃን እኳ ወይልና ደኣ ንሕና እምበር ንሶምሲ ኣብ ገዛ ምዕጻው ናብራ ምንኩስና ናብራ ቀደሞም ስለ ዝኾነ ብዙሕ ዝሽገሩሉ ኣይመስለንን። እኳ ደኣ ዓንቃፍን መዕገርገርን ዘይብሉ ዝያዳ ንጸሎት ዝኸውን ጽሞና ዝመልኦ ጊዜ እዮም ረኺቦም ዘለዉ። እቲ ዝገርም መንበሮም ተወሪሱ፣ ቤተክርስቲያን ኣብ ኢድ ደቂ ብልያል ወዲቓ ንልዕሊ 10 ዓመት ኣይምውቲ ኣስርርቲ ኮይና፤ ካብ ኣሕዋታ ቤተክርስቲያናት ተፈልያ ትልኽ ክትብል ድሕሪ ምጽናሕ፤ እቶም ገሃስቲ ሕጊ ካብ እንግዳዓኣ ብሃንደበት ተኣልዮም ተባሀሉ። እንተኾነ ግና ብኻልኦት ከምኦም ዝመስሉ፣ ንቤተክርስቲያን ዘይፈልጥዋ ሰባት ተኪኦሞ ኣብ እንግዳዓ ቤተክርስቲያን ደይቦም፣ ካብቶም ቀዳሞት ዘብረስዋ ንላዕሊ ከብርሱ ንዝገደደ ጥፍኣት ተዳልዮምን ተሸይሞምን ንርእን ንሰምዕን ኣለና።

እዚ እምበኣር እዩእቲ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቆይሙ ይርአ ኣሎ ዘበለና (ማቴ 24:15 ዲኒኤል 12:11) ቤተክርስቲያና ብደቂ ቢልያል ክትደሃኽ ምጽናሓ ከይኣኽላስ ሕጂ ድማ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ካብኦም ዝገደዱ መራሕታ ኮይኖም ኣብቲ ዘይግበኦም ቅዱስ ስፍራ ከውደኽድኹ ንሪኦም ኣለና። እታ ድሕሪ እቲ ምእላይ ናይቶም ቀዳሞት ገሃስቲ ሕጊ ተረኺባ ዝነበረት ንእሽቶ ገለ ደኾን ይመሓየሽ ይኸውን ዝብል ተስፋ በኒና። ከምቲ ወዲ ንጉስ ሰሎሞን ሮበዓም ምኽሪ ዓበይቲ ገዲፉ ምኽሪ መንእሰያት ብምስማዕ ንሕዝቡ ፍትሒ ዘጥፍኣሎምኣቦይ ኣርዑት ኣኽበደልኩም ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም ኣነ ግና ብጭጐራፍ ክገርፈኩም እየ ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መንእሰያት ገይሩ ተዛረቦም” 1ነገ12:14 በዚ ምኽንያት ምፍራስ ናይታ ሃገርን ምጥፋእ ናይ 10 ነገድ እስራኤልን ዝኾነ፤ ሎሚ ድማ እዞም ብሓይሎም መራሕቲ ቤተክርስቲያን ዝኾኑ፣ ምኽሪ እግዚኣብሔር ተሰዊርዎም፣ ካብ ጥፍኣት ናብ ዚኸፍአ ጥፍኣት ክኸዱ ንሪኦም ኣሎና። ናይ ብሓቂ እዚ ምጾታት እዩ ዝበሃል። ብዙሓት ነዚ ዘይርእይዎ ክህልዉ፡ ይኽእሉ እዮም። ምኽንያቱ ከምቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ዘስተውዕል ጥራይ እዩ ክፈልጦ ዝኽእል። እቶም ልቦም ዝዓወረ አእምሮኦም በቲ ክፋእ ዝተታሕዘ፡ ነዚ መንገዲ ጥፍኣት ኣሽንኳይዶ ከሰተውዕልዎስ ንሕና ኢና ንመርሕ ኢሎም በትረ ስልጣን ኣቡነ እንጦንዮስ መንዚዖም ንዓና ስምዑ፣ ንንብለኩም ተኣዘዙ ዝብሉ ዘይሓፍሩ ፍጥረታት እዮም ኣብ ዘይግበኦም ቦታ ደው ኢሎም ንሪኦም ኣለና።

ክቡር ሕዝበ ክርስትያን ብመጀመርያ ነዚ ዝግበር ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ከነስተውዕሎ ይግባእ። ሎሚ ከምቲ ኣብ ማቴ 25:14 ኣብቲ መወዳእታ ዘበንወንጌል ኣብ ኩሉ ዓለም ክስበኽ እዩዝብለና፣ እዚ ኩሉ ግህሰት ብስም ወንጌል እዩ ዝግበር ዘሎ። ግን ኣየናይ ወንጌል እዩ ሕዝበ ክርስቲያን ክንፈልጦ ዝግባእ፤ ዓቢ ምስትውዓል ዘድልዮ ጉዳይ እዩ። እቶም ሕጂ ኣብ መንበር መሪሕነት ቤተክርስቲያን ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ሰባትውን እኮ ወንጌል ንሰብኽ ኣሎና እዮም ዝብሉ። ዓመጽን ግፍዕን ዝሕላገቶም ዝተወጽዐን ድኻን ዘይዓጦም ሕዙን ዘየጸናንዑ ምዉት ዘይፈትሑ ኣየናይ ወንጌል እዮም ክሰብኩ ዚደልዩ ዘለዉ። ኣይፋልኩምን ሎሚስ ይኣክል ክንብል ይግባእ። ሎሚ በዚ ከይተታለልና መጀመርያ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ኣብ ማቴ 24:16 ዝበሎሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ አኽራን ይህደሙ፤ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘለዉ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ክማላእ ኣይመለስ፤ ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኪወስድ ንድሕሪት ኣይመለስኢሉ ኣጠንቒቕና ዘሎ ክንገብር ይግባእ። ናብ ኣኽራን ይህደም ማለት፡ ሓደን እንኮን ጸግዒ ዝኾነና ባዕሉ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብጎቦ ወይ ከረን ተመሲሉ ዘሎ እዩ። ሎሚ እቲ ወንጌል ሓቂ ዝብለና ንጥቑዓት ፍትሒ ምውጻእ ንእሱራት ምፍታሕ እምበር ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ዓመጽ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ግፍዒ ንሕዝብና ወስኽሉ ኣይብለናን እዩ (ኢሳ 61:1) ስለዚ ወንጌል ሓቂ ኣብ ኢድና ስለዘሎ ባዕልና ክንፈልጦ እሞ ነታ ቕንዕቲ ቤተክርስቲያን ኣለሊና ነቲ ዘይቅኑዕ ኣብ ዘይቦትኡ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ክንኣልዮ ይግባእ። ናብ ገዝኡ ኣይመለስ ዝብለና ድማ ገዛና ዘይጽሩይን ባዶን ስለዝኾነ እዩ። ሕዝቢ ደንበ ተዋህዶና ዝፈልጥ ኔሩ እንተ ዝኸውን ከምዚ እንሪኦ ዘለና ማእሰ መራሒኡን መጠን ኣልቦ ግህሰት ሕጊ ቤተክርስቲያናን ክመጽእ ኣይምኸኣለን ኔሩ። የግዳስ ብዛዕባ ቤተክርስቲያንና ዓሙቕ ፍልጠት ስለዘይጸንሓና ቤተክርስቲያና ክትበርስ ከላ እቲ ክፉእ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ኣራጢጡ ኮፍ ክብል ኢድና ኣጣሚርና ንርኢ ኣሎና። እዚ ኸኣ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ። እንተኾነ፡ ሕጅውን ዝበዝሕ ግዜ ስለዘሎ፤ ሃይማኖትናን እምነትናን ብዝግባእ ፈሊጥና መንገድና ከነቕንዕ ይግባእ። ብተወሳኺ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን (ኤፌ 6:10-20) ዝበሎ እቲ ቅልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፤ ምስ ስጋን ደምን ከምዘይኮነ ፈሊ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋም መታን ክንክእልን ምስ ኣስለጥናውን ጸኒዕና ደው መታን ክንብልን ኣጽዋር ኣምላኽ ክንለብስ ይግብኣና። ሓቛቚና ብሓቂ ተዓጢቕና ድርዒ ጽድቂ ተኸዲንና ደው ክንብል ሎሚ ንጽዋዕ ኣሎና። እዚ ብምስልዩነት ዝመጽእ ጸላኢ ካብ ሱሩ ንምምሓዉ ወንጌል ሰላም ኣብ እግርና ጌርና ዋልታ እምነት ኣልዒልና፣ ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ ኣእቲና፣ ናይ መንፈስ ሰይፊ ማለት ቃል ኣምላኽ ብዝግባእ ሒዝና ክንገጥሞ ግዝይኡ ሎሚ እዩ።

እዞም ሕጂ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ናይ ዘመና ዑዝያናት፣ ብሓቂ ብትዕቢት ዝተመልኡ ዘየስተውዕሉ ሰባት እዮም። ታሪኽ ንጉስ ዑዝያ ብሰፊሑ ኣብ 2ዜና 26:10-20 ተገሊጹ ከም እንረኽቦ እቶም ንቤተክርስቲያንና ንሕና ኢና መራሕታ ኢሎም ዘለዉ ከም ንጉስ ዑዝያ ልቦም ንጥፍኣት ተዓብዩ ኣሎ። ዑዝያምስ ሰልጠነ ግና ልቡ ንጥፍኣቱ ተዓበየሉ። ናብ መቕደስ እግዚኣብሔር ኣትዩ ኣብቲ መሰውኢ ዕጣን ክዓጥን ኢሉ ንኣምላኹ በደሎይብለና። እዞም ሕጂ መራሕቲ ቤተክርስቲያን ኣርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢና ኢሎም ኣብ ዘይግብኦም ቦታ ዝመጹ ዘለዉ ሰባት፣ ኣቦታት ጳጳሳት ኮኑ ካልኦት ንቤተክርስቲያን ክመርሑ ዜተቐብኡ ሰባት ከለዉ ንሕና ኢና ክንመርሕ ክብሉ ከለዉ ዓገብ እዩ። ብርግጽ ኸኣ እታ ዕጫ ናይ ንጉስ ዑዝያ ክትበጽሖም ምዃና ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ጥፍኣት ኣብርእሲኦም እዩ ዘሎ። ኣብዚ ከምዚ መከራ ከይወድቁ እግዚኣብሔር ምስትውዓል ሂቡ ብንስሓ ክመልሶም ናይ ወትሩ ልባዊ ጸሎትና እዩ።

እዞም ሕጂ ኣብ እስርቤት ዝርከቡ ዘለዉ መራሒ ቤተክርስቲያንና ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ከም ካህን ኣዚርያን እቶም ተባዓት ሰዓብቱን ንንጉሥ ዑዝያ ደድሕሪኡ ናብ ቤተመቕደስ ብምእታው ዑዝያ ንእግዚኣብሔር ዕጣን ምዕጣንሲ ናይቶም ኪዓጥኑ እተቐደሱ ኻህናት ደቂ ኣሮን እዩ እምበር፡ ናትካ ኣይኮነን። በዲልካ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዙኣብሄር ኣምላኽ ኣይኬኽብረካን እዩ እሞ፣ ካብ ቤት መቅደስ ውጻእኢሎም ብትብዓት ዝመከትዎ፤ ነዞም ኣብ ዘይግብኦም ስፍራ ደይቦም ዘለዉ ኸኣ ከምኡ ተባሂሎም ክስጎጉ ይግብኦም። እነተኾነ እቶም ንክመርሕዋ ዝመሓሉን ዝጠሓሉን፣ ካብ ዓለም ከምዝሞቱ መርኣያ ዝኾነ ቆቢዕ ምንኩስና ዝለበሱ ጳጳሳት ዕላማኦም ረሲዖም፣ ምንኩስንኦም ደርብዮም፣ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘይግባእ ክግበር ከሎ ዝቃወሙን ንቤተክርስቲያን ዝከላኸሉላን፣ ህይወቶም እንቶኾነውን ምእንታኣ ኣብክንዲ ምሕላፍ፣ ንበላዕትን ጎሓሉን ኣሕሊፎም እዮም ሂቦማ ጥራይ ዘይኮነስ መሳርሕን ተሓባበርትን ናይቲ ዕንወት ኮይኖም ይርከቡ። ገለ ካህናት ብፍላይ እቶም ኣብ ወጻኢ ኣብ ዓዲ ነጻነትን መሰልን ዘለወን ሃገራት ዝነብሩ፣ ነቲ ንቤተክርስቲያን ከገልግሉ ንሕዝበ ክርስትያን ኸኣ ክጓስዩ፡ ዝተዋህቦም ረዚን ሓላፍነት ዕሽሽ ብምባል ገለ ብጥቕሚ ገለ ኸኣ ብፍርሂ፣ ነቲ ሕዝቢ ካብቲ ክጓዓዘሉ ዘለዎ መንገዲ ሓቂ ኣውጺኦም ከሀውትትዎ ይረኣዩ ኣለዉ። እዞም ካህናት እዚኦም በጃ ኣባጊዖም፣ በጃ እቶም ናይ ብመንፈስ ደቆምን ዝኾኑ ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ምዃን ገዲፎም፣ ንዓይ ይጥዓመኒ እንታይ ገደሰኒ፣ እቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ መንበረ ጵጵስና ዝግበር ህውተታ ንዓይ ኣይምልከተንን እዩ ብምባል ከም ሰገን ርእሶም ኣብ ሑጻ ቐቢሮም ክኸዶ ይርኣዩ ኣለዉ። ኣቦታትና ሓዋርያትይኄይሰነ ናድሉ ለእግዚኣብሔር እምነ ኣድልዎ ለሰብእ -ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዝግባእ”(ግብ 5:29) ኢሎም፣ ነቲ ቕኑዕ ትምህርቲ ወንጌል ብትብዓት ምሂሮም። ገለ ሕጂ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝረኣዩ ደለዉ ካህናት ግን እንተስ ብፍርሒ እንተስ ብጠቕሚ ወይ ሽመት ተታሊሎም ነቲ ሓዋርያት ዝመሃርዎም ትምህርቲ ንጎኒ ጎስዮም ንጥቕሞም ክጎዩ ንርእዮም ኣለና። እተን መሳኪን ኣባጊዕ ግና ፈቐድኡ ፋሕ ኢለን ኣደዳ ዝብእን ወኻርያን ይኾና ኣለዋ (ህዝቔል ምዕራፍ 34 ተመለከት) ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕዝብና ብፍላይ መንእሰያትና ብኸመይ ፋሕ ይብሉ ከምዘለዉ፣ ገለ ኣብ ምድረ በዳ፣ ገለ ኣብ ባሕሪ፣ ገለ ኣብ ትሕቲ መሬት ኮታ እዚ ኢልካ ክትቆጽሮ ዘይከኣል ሞትን መከራን ሽግርን ይበጽሖም ከምዘሎ ኩላትና ንፈልጦ መዓልታዊ እንሰምዖ ዘለና ነገር እዩ። ሓደ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ዕንወት እዚ ድማ ቤተክርስቲያን ተጋሂሳ መራሕታ ተኣሲሮም ምንጪ ፍትሕን ሰላምን ክትክውን ዝግብኣ፤ ሎሚ ሕጋ ተጋሂሱ ሰላምን ሓድነትን ኣብኣ ዘይምህላው እዩ። እቶም እንተ ብፍርሂ እንተ ብጥቕሚ ሓላፍነቶም ዝረስዑ ካህናት ኣብ ውሽጢ ቤተመቕደስ ከይተሰከፉ እናፈለጡ ጌጋ ክገብሩ ካብ ዝጅምሩ ዝያዳ ዓሰርተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ከምቲ ኣብ ትንቢት ኤርምያስ 6:20 ተጠቒሱ ዘሎ፣ እግዚኣብሔር ብመስዋእቶም ባህ ኣይክብሎን እዩ። ንመስዋእቶም እግዙኣብሔር ፈነፊንዎ እዩ። ስለዙ መስዋእቶም ንምሕረት ዘይኮነ ከምቲ ባዕላቶም ዝብልዎህየንተ ቡራኬ መርገምእዩ ዕጨኦም። ብሓቂ ካብ ልቢ፣ ካብዚ ጥፍኣት እዚ ክምለሱ እግዙኣብሔር ልቦናን ትብዓትን ይሃቦም።

ንቤተክርስቲያናን ንሕዝብናን ካብዚ እንርእዮ ዘለና ጥፍኣት መታን ከነድሕን ብፍላይ እዞም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ካህናት ብንስሓ ክምለሱ እቲ ግዜ ሎሚ እዩ። እዚ እዋን እዚ እንፈላለየሉ እዋን ኣይኮነን፣ መንእሰያትና ከም ሕሱም ይብተኑን ይጠፍኡን አለዉ፤ ሃገርናውን ትበርስ ኣላ፣ ሕዝብና ተራእዩ ብዘይፈልጥ ሕሰምን መከራን ይሳቐ ኣሎ። እዚ መዓት እዚ ክእለ ቤተክርስቲያን ሓደ ልቢ ኮይና ብሓንሳብ ብሓደ መንፈስ ንኣምላኽእግዚኦኢልና እንልምነሉ ግዝ ሎሚ እዩ። እዞም ኣብዚ ጌጋ መንገዲ ዘለዉ ካህናት፣ እቶም ንቤተክርስቲያን ተዋህዶ ክንመርሕ ኢና ኢሎም ተዋዲዶም ዘለዉ ጉጅለን፤ እቶም ስልጣኖምን ሓላፍነቶምን ዝረስዑ ጳጳሳትን እግዚኣብሔር ከምቲ ኣብ ህዝቅኤል 36:26 ተጠቒሱ ዘሎእቲ ናይ እምኒ ልቦም ኣውጺኡ ብናይ ስጋ ልቢ ክትከኣሎምእሞ ምስትውዓል ረኺቦም ብንስሓ ክምለሱ ናይወትሩ ጸሎትናን ልማኖናን እዩ። እግዚኣብሔር ምስትውዓልን ናይንስሓ ግዜን ይሃቦም። ኣሜን።

ኣምላኽ ሰላም ሰላሙ ይሃበና

 

ዱያቆን ብርሃነ ስዩም

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div