“ኦም በለስ ኣይክትዕምብብን፡ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይክህሉን፡ ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልም፡ ግርሁ መግቢ ኣይክህብን እዩ፡ ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኪጠፍኣ፡ ኣሓውን ኣብ ደምቤታት ኪሰኣና እየን። ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፡ ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ። እግዚኣብሄር እቲ ጐይታ ሓይለይ እዩ፡ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን ኣብቲ በሪኽ ቦታይውን ከመላልሰኒ እዩ።” (ኣን 3፡17-19)
ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓድሽ ነገር የለን። እቲ ዝኸውን ዘሎ ድማ ድሮውን ዝነበረ እዩ ዝብል ቃል ኣንቢብና ኣሎና። ብርግጽ ድማ ንሱ እዩ እቲ ሓቂ። በዚ ዅሉ ኣቢላ ህይወት ኣብ ትሓልፈሉ እዋን ግን ንመን ትዝክር፧ ሓደ እዋን እንባቆም ፍጹም ዝርአ ነገርን ተስፋ ዝህብ ኣንፈትን እኳ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ኰይኑ፡ ንኣምላኽ ከመስግንን፡ ብእኡ ክሕጐስን ጀሚሩ። ከመይ ዘገርም! ምናልባት እንባቆም ኣእምሮኡ ስሒቱ ይኸውን ኢሎም ዝሓስቡ ኣብቲ ዘመን ኣይስኣኑን ይዀኑ፡ ገለውን ከመይ ኢልካ ኢኻ ከምዚ ትብል ዘሎኻ ኢሎም ብሕቶ ከዋጥርዎ ፈቲኖም ይዀኑ፡ ንሱ ግን እዚ ፍሉይ ምስጢር ዘለዎ መልሲ እዩ ሂብዎም “እግዚኣብሄር እቲ ጐይታ ሓይለይ እዩ” ስለዚ ነቲ ፊሊ 4፡4 እንረኽቦ “ብጐይታ ኵሉ ሳዕ ተሓጐሱ” ዝብል መልእኽቲ እንባቆም ብዘመኑ ነቢርዎ ሓሊፉ። ንነብረሉ ዘለና ዘመን ነዚ ናይ እምነት ናብራ ክንነብር እዩ ዝምህረና። ነፍስና ኣብ መንጐ እቶም ዘማረሩ መመስገኒት፡ ኣብ መንጐ ተስፋ ዝቖረጹን ዝተሓለሉን፡ ተስፋ ኣምላኽን ሓይሉን እትነግር፡ ብዅነታት ዘይልወጥ ወርትግ እተመስግን መማሰዊት ክትከውን ይግባእ። እቲ ንኣምላኽ ምስጋና ክንስውኣሉ ዘሎና እዋን ሕጂ እዩ እሞ መሰዊእና ብዝነድድን ዘየቋርጽን ሓዊ ምስጋናኡ ይምላእ።
እንተ ዘይኰነስ ብእትሪኦ ኩነታት እምነትካን ምስጋናኻን ዝጐድልን ዝለዋወጥን እንተደኣ ኮይኑ ገና ዕላማ ምፍጣርካ ኣይተረድኣካን ኣሎ ማለት እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ምስጢሩ ክገልጸልካ ጸሎት ኣዝውትር። እምበኣር ነፍስና ክትዓርፍን ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ምሳና ከም ዘሎን ክንምስክር እዩ ብዅሉ ኣመስግኑ ተባሂሉልና ዘሎ። እቶም ንኣምላኽ ብዘይሓልፍ ምስጋና ዘመስግንዎን ዘኽብርዎን ጥራይ እዮም ድማ ክብሪ እግዚኣብሄርን ውቃቢኡን ንምርኣይ ዝበቕዑ። ምስጋና ኣምላኽ ሓይልና እዩ እሞ፡ ብዅሉ ንጐይታ ነመስግን። (ኢሳ 43፡20-21፣ እብ 13፡15፣ ፊሊ 4፡4፣ 1ተሰ 5፡18)
ኣስተንትን
1. ዕላማ ምፍጣርካ እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧
2. ምስጋናኻ ብዅነታትን ነገራትን ይጽሎዶ ወይስ ዘየባትኽ'ዩ፧
3. ኣብ ምስጋና ዝርከብ ሓይሊ እንታይ ምዃኑ ትርዳእ'ዶ፧
ኣምላኽ ንስሙ ዝእመና ከናፍርን፡ ወርትግ ንምስጋናኡ እተዳለወ ልብን ክህበና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
መህ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ