S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቲ እተምልኾ ኣምላኽ ዘናግፍ ኣምላኽ እዩ

“ዳንኤል ድማ እዚ ሕጊ እዚ ከም እተጻሕፈ ምስ ፈለጠ፡ ናብ ቤቱ ኸደ። ... ከምቲ ቀደም ዝገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ፡ ጸለየን ኣመስገነን።” (ዳን 6፡10)

ኣብ ምድሪ ብዙሕ ዓይነት መንነት ኣሎ። ህዝቢ-ኣምላኽ ኣዝዩ ክቡር መንነት ዝውንን ህዝቢ እዩ። እዚ ድማ ካብ ኣምላኽ እተቐበሎ ዘለኣለማዊ ናይ ሰማይ መንነቱ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ናይ ኣምላኽ ሰባት ኣብ ቅድሚ ዓለም መንነቶም ንምግላጽ ኣዝዮም ተባዓት ከም ዝነበሩ ይምህረና። ዳንኤል ሓደ እዋን መንነቱ ብትብዓት ክገልጸሉ ዘድለየሉ ኵነታት ኣጋጢምዎ፡ ካብቲ ዝገርም ድማ መንነቱ ኣብ ቅድሚ ተራ ሰባት ዘይኰነስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክገልጾ ነይርዎ። ነቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ ንኸይሰግድ ዝወጸ ከም ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ዝጸንዐ ሕጊ ንጉስ፡ ከይፈርሄ ንኣምላኹ ሰገደ፡ መንነቱውን ብድምቀት ገለጾ። እግዚኣብሄር ድማ ብኣዝዩ ብዙሕ ክብሪ ከም ዘኽበሮ ንርኢ። መንነትና ኣብ ቅድሚ ሰባት ንምግላጽ ገና ንፈርህ ወይ ስክፍታ ይስመዓና እንተልዩ ገና ነቲ እነምልኾ ዘለና ኣምላኽ ኣይፈለጥናዮን ዘለና ማለት እዩ። ዳንኤል ዝተረድኦ ሓቂ እንተ ነይሩ እቲ ዘምልኾ ኣምላኽ ዘናግፍ ምዃኑ እዩ። ስለዚ ነቲ ሽዓ ዝሓልፍን፡ ቀሊልን ናይ ስጋኡ ጸበባን መከራን ግዲ ኣይገበረሉን።

ሎሚ ካብቲ ዘገርም ነገር ዓለም ነቲ ክፉእ ኣካይዳኣ ክትገልጽ ዘይሓፈረት፡ ህዝቢ ኣምላኽ ግና ነቲ ናይ ሰማይ ዘለኣለማዊ መንነቱ ኣብ ቅድሚ ዓለም ንምግላጽ ይፈርህ። ጴጥሮስ ሓደ እዋን ኣብ ቅድሚ ዓለም ነቲ ክርስቶስ ዝሃቦ ናይ ሰማይ መንነት ንኸይገልጽ ኣዝዩ ከም ዝፈርሄን ንጐይታ ድማ ከም ዝኸሓደን ኣንቢብና ኣለና። ንሕናውን ሎሚ እዚ ጸገም እዚ ዘለና ንመስል።

ንዓለም ፍጹም ከይንኽሕዳ ኣዚና ንወላወል፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ኵሉን ድማ ሓላፊ ምዃኑ ንርስዕ፡ ሰባት ናይ ክርስቶስ ምዃንና እንተ ፈሊጦም ክርሕቁና እዮም ኢልና ንሰግእ፡ ካብ ነቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ንላዕሊ ንሰባት ንፈርህን ንመርጽን፡ ሕልናና'ውን ወርትግ ዝወቕሰና ኣካይዳ ድማ ንሕዝ። ኣዝዩ ዘሕዝን ህይወት እዩ። ጴጥሮስ ካብቲ ጽቡቕ ነገሩ ዋላ እኳ ንጐይታ እንተ ኸሓደ ገና ዘመን ምሕረቱ ከይተወድኤ እንከሎ ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ብምምላስ ምሕረት ረኺቡ። ስለዚ ሎሚውን ንሕና ክንምለስ እሞ መንነትና ንምግላጽ ክንተብዕ ጐይታ ክረድኣና ክንጽሊ የድልየና። ሽዑ እዩ ድማ ኣብ ቅድሚ ተራ ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ'ውን እንተ ኾነ ከም ዳንኤል፡ ሙሴ፡ ማርዶካይ ትብዓት ዝህልወና። ፍርሃትናን ስምባድናንሲ እግዚኣብሄር ደኣ ይኹን። (ኢሳ 8፡13፣ 1ቈረ 4፡1፣ 2ቈረ 4፡16-18፣ እብ 11፡24-27)

ኣስተንትን

1. ናይ እግዚኣብሄር ሰማያዊ መንነት ከም ዘለካ ትፈልጥዶ፧

2. መንነትካ ኣብ ቅድሚ ዓለም ንምግላጽ ዝፈራህካሉ ወይ ዝሓፈርካሉ ኣጋጣሚ ኣሎዶ፧ ሕጂ'ኸ፧

ጐይታ እቲ ዘለኣለማዊ መንነትና ኣብ ቅድሚ ዓለም ንምግሃድ ትብዓት ክህበና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div