S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክህነተ ኣሮን ሃገርና ናብ ክህነት ክርስቶስ ተቐየረ

እቲ ዝዓበየ ነገር ኣባ ሰላማ ኣብ ሃገርና ዝፈጸምዎ ግና፡ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሃገርና ንኣስታት ትሽዓተ ሚእቲ ዓመታት ኣቢሉ ክስርሓሉ ዝጸንሔ ክህነት ኣሮን፡ ክርስቶስ ተወሊዱ፡ መይቱ፡ ናብ ሰማይ ከም ዝዓረገ፡ እንደገና ብዳግማይ ምጽኣቱ ንምልእቲ ዓለም ከም ዝግለጽ፡ ንእሙናቱ ድማ ድሕነት

ዘለኣለም ከም ዝህቦም ንክህነተ ኦሪት መጽሓፍ ብመጽሓፍ ኣእሚኖም፡ ብዘይ ጸገም ክህነተ ኣሮን ኣትሪፎም፡ ናብቲ ብክህነተ መልከጸዴቕ ዝመጸ ሊቀ ካህናት ክርስቶስ ኣእሚኖም፡ ነቲ ክሳብ እቲ ጊዜ’ቲ ሊቀ ካህናት ኦሪት ዝነበረ ኣንበረም ኣጠሚቖም፡ ብመዓርግ ኤጵስ ቆጶስነት ሾምዎ። ካብዚ ንደሓር ኣብ ሃገርና ክህነተ ሓድሽ  ኪዳን ኣብ ልዕሊ ክህነተ ኦሪት ተሰረተ።

እቲ ቀዳማይ ኣብ ሃገርና ዝጸንሔ ክህነት እናተዋራረሰ ዝኸይድ ስለ ዝነበረ፡ ክህነት ኣንበረም፡ ካብ ኣዛርያስ እቲ ካብ እስራኤል ታቦት ጽዮን ሒዙ ዝመጸ ሊቀ ካህናት ነበረት። ከመይሲ

  1. ኣዛርያስ ንሳዶቕ መሃረ።
  2. ሳዶቕ ንዳግማዊ ሌዊ መሃረ።
  3. ዳግማዊ ሌዊ ንዳግማዊ ኣሮን መሃረ።
  4. ዳግማዊ ኣሮን ንኣልኣዛር መሃረ።
  5. ኣልኣዛር ንሕዝበ ራእያን መሃረ።
  6. ሕዝበ ራእያን ንይዋሄን መሃረ።
  7. ይዋሄን ንኣኪን መሃረ።
  8. ኣኪን ንስምዖን መሃረ።
  9. ስምዖን ንኣምበረም መሃረ።

ኣምበርም ድማ ብእዋን ኣብራሃን ኣጽብሃን፥ ወንጌል ጥዑም ዜና ምስ ተቐበለ፥ ካብ ክህነተ ኣሮን ብጥምቀት ናብ ክህነት ክርስቶስ ተሰጋገሩ። ምናልባሽ እታ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ኣምበርሚ እትብሃል ቦታ ክሳብ ሎሚ ብስሙ ትጽዋዕ ዘላ ትመስል።

ኣባ ሰላማ፥ ብድሕሪ ኣምበርም፥ ነቶም ኣብ ክህነተ ኦሪት ብመዓርግ ኣሮን ዘገልግሉ ዝነበሩ ካብ ዘርኢ ኣሮን ዝነበሩ ካህናት፡ ክርስቶስ ቓል “ወልድ” መለኮታዊ ኣካል ንደቂ ሰብ ከድሕን ካብ ሰማየ ሰማያት ወረደ። ብምሥጢረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደ፥ ብተዋህዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኰነ። ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ። ሕገ ወንጌል ምሃረ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ደቂ ሰባት ኣብ መስቀል ተሰቅለ፡ ሓሚሙ ሞተ፡ ተቐብረ፡ ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልቱ ተንሥኤ። ንሰማያት ዓረገ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንሕያውያንን ሙታንን ኪፈርድ ንኻልኣይ ጊዜ ኪመጽእ እዩ ኢሎም ምሂሮም ምስ ኣእመንዎም፥ ካብቶም ኣሚኖም ዝተጠምቑ ሸውዓተ ካህናተ ኦሪት፥ ዳግማይ ብመዓርግ ክህነተ ሓድሽ  ሾሙዎም። ንሳቶም ድማ፥

1.      ፊንሃስ ዝበሃል ዝነበረ፥ --------ተንሥኣ ክርስቶስ።

2.     ኣሮን ዝበሃል ዝነበረ፥---------- ስምኦን።

3.     ኣዛርያስ ዝበሃል ዝነበረ፥------- ማቴዎስ።

4.     ኣቤመሌክ ዝበሃል ዝነበረ፥ -----ስብሓት ለኣብ።

5.     ሄኖክ ዝበሃል ዝነበረ፥ -----------ኣማኑኤል።

6.     መልከጼዲቕ ዝበሃል ዝነበረ፥ ---ኣሃዱ ኣምላኽ።

7.     ሳዶቅ ዝበሃል ዝነበረ፥ ------ማዕቀበ እግዚእ ተባህሉ።

 

ኣባ ሰላማ እቲ ቀንዲ መልእኽቶም ሰብ በቲ ዝነበረ ሕጊ ምሴ ዘይኰነስ በቲ ብእምነት ክርስቶስ ዝተረኽበ  ምሥጢር ጸጋ ክምህሩን ከሕሉዉን ኢሎም ድኣ ተላእኹ እምበር፡ ሥርዓትን ኣገባብን ኦሪት ከፍርሱ ኣይተላእኩን እሞ ነቲ ብኦሪት ዝጸንሔ ኣለባብሳ ይኹን መጠምጠምያ ካህናት ወይ ኣገባብ ኣዘማምራ ሃናጺ ጥቅሚ ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ብግዜ ኦሪት ካህናት ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣልባሳት ለዋውያንን፡ ብኣኽሊል ዝምሰል መጠምጠምያ ካህን ኣሮንን፡ ሸብሸባ ንጉሥ ዳዊት ምስ ሙሉእ መዘመሪ ኮቦሮታቱን ጸናጽሉን መቖምያታትን፡ ታሪኻውን ሓጋዝን ስለ ዝነበረ፡ ከም ዘለዎ ሓደግዎ። ቤተ ክርስቲያና ኣብ ዘመነ ሓድሽ  ከላ፡ ብሳላ እቲ ሃብታም ዝዀነ ታሪኻዊ ድሕረ ባይትኣ፡ ከምተን ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያናት ኣብ ዓለም ዘለዋ፡ ካብ ኣረሜናዊ ድሕረ ባይታኤን ወጺኤን፡ ምስ ክርስትና ዝጓዓዝ ሓድሽ  ባህላዊ ምህዞታት ክምህዛ ላሕ ኢለሲ ክሳብ ሕጂ ሥርዓት ኣብ ርእሲ ሥርዓት ከቑማ ታኺረን ዘለዋ፡ ቤተ ክርስቲያና ግና ሓድሽ  ባህላዊ ልማድ ክትሰርዕ ኣይታኸረትን። ጐይታ ኣቐዲሙ እንተዘይ ተመልሰ፡ ነዚ ታሪኽ እዚ፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ዘርዚርና ክንገልጾ ክንፍትን ኢና።

ኣባ ሰላማ ኣብ ኤርትራ ነዊሕ እዋን ተቐሚጦም  ወንጌል ምሂሮም ንብዙሓት ኣእሚኖም ምስ ኣጠመቑ፡ ቤተ ክርስቲያናት መስረቱ። ቐጻሊ ትምህርቲ ክምህሩ ናብ ውሽጢ ትግራይ ኣትዮም ውንጌል እናመሩ ብሰላም ካብዛ ዓለም እዚኣ ሓለፉ። መቓብሮም ድማ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብቲ ብስሞም ዝጽዋዕ ዘሎ ገዳም፥ ኣብ ጥቓ ዓድዋ ማይጓጓ ዝተባህለት ቦታ ተነቢሩ ኣሎ።

እምብኣር ክርስትና ምስ ክህነቱ ኣብ መሬት ሓበሻ ብወግዓዊ ደረጃ፡ ንክህነተ ኦሪት ናብ ክህነተ ሓድሽ  ቀይሩ ዝሰረተሉ መገዲ ብኸፊል እዚ እዩ። ምስ እዚ ክርሳዕ ዘይግብኦ፡ ካልእ ዛንታ ክርስትና ኣብ ሃገርና ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዝንገር ድማ እዚ ዝስዕ እዩ።

“ዓለም ብምልእታ እኳ ኣንጻረይ ደው እንተበለት ኣንጻር ኩላ ዓለም በይነይ ደው ክብል እየ”

ድሕሪ ንጉሥ ቆስጣንጢኖስ ብ337-61 ምማቱ፡ ወዱ ዳግማይ ቆስጣኒጢኖስ ኣብ ሥልጣነ ንግሥነት ባይዛንቲን ደየበ እሞ፡ ንሱ ንትምህርቲ ኣርዮስ ተቐበለ እሞ፡ ነቲ መትሓዚ ተሳኢንዎ ዝነበረ ትምህርቲ ኣርዮስ ሒዙ ነቶም ኣብ ኒቅያ ተዓዊቶም ዝወጹ ኦርቶዲክሳውያን ሕነ ክፈድን ከጥፍእ ኢሉ መዓልቲ ይጽበ ነበረ። እዚ ዓመጸና ንጉሥ እዚ ግዜ ሂብዎ ኣብ ሥልጣን ምስ ደየበ፡ ቅድም ቀዳድም ንእስክንድርያዊ ሊቀ ጳጳስ ኣትናቴዎስ ከጥፍእን ካብ መንበሩ ክዓልዎም ኢሉ ተላዕለ። ሊቀጳዓሳት ኣትናቴዎስ ግና “ዓለም ብምልእታ እኳ ኣንጻረይ ደው እንተበለት፡ ኣነ በይነይ ኣንጻር ኩላ ዓለም ደው ክብል እየ” ኢሉ ስደት መረጸ እምበር ኢዱ ኣይሃበን። ድሕሪ ንኣትናቴዎስ ካብ ሥልጣኑ ምስ ኣባረሮ፡ ንፍረሚናጦስ ድማ ካብ ቦትኡ ክኣልዮ ደልዩ፡ ነቲ ካብ ወገን ኣርዮስ ዝዀነ ኣብ የመን ዝነበረ ቴዎስሎስ ዝተባህለ ህንዳዊ ጳጳስ ክቅበልዎ ኢሉ፡ ናብ ነገሥታት ኣኹሱም ኣብርሃን ኣጽብሃን ደብዳቤ ጸሓፈ። እቲ መልእኽቲ ድማ ከምዚ ይብል ነበረ።

ቢክቶርዮስ ኮንስታንስዮስ ማክሲሙስ ኣጉስጦስ፡ ናብ ኣብርሃን ኣጽብሃን (ኤዛና ሳዛና) እግዚኣብሔር ዝሃበና ትምህርትን ምስትውዓልን ንኹሉ ሓቅነትን ጽድቅን ዝደልዩ ኣብ ኩላቶም ክባጻሕ ክምነ ከለኹ፡ ኣባኻትኩምን ኣብ ሮማውያንን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ክህሉዋ ይግባእ። እቲ ካብ ሥልጣኑ ዝተሳዕረ ኣሻሓት ክሲ ቀሪብዎ መልሲ ክህብ ዘይከኣለ ኣትናቴዎስ፡ ንፍረሚናጦስ ሸይሙ ስለ ዝለኣኸልኩም፡ ንስኻትኩም ንፍረሚናጦስን ነቶም ምስኡ ዘለዉ ካህናትን ቀልጢፍኩም ናብ ክቡር ጳጳስ ጊዮርጊስ ልኣኹዎም እሞ ንሱ ብድላዩ ጉዳዮም ይወድኣዮ።

ናይ ኣባ ኣትናቴዎስ ሥራሕ ግና ንስኻትኩም ጥራይ ድኣ ዘይፈለጥኩምዎ እምበር፡ ኩሉ ዓለም ፈሊጥዎስ ዋላ ሓደ ዘጸግዖ ስኢኑ ኣባኻትኩም ክጽጋዕ ኢሉ ይፍትን ኣሎ። ፍረሚናጢስ ግና እንደገና ጳጳስ ክኸውን እንተደለየ፡ ታሪኽ ህይወቱ ንመንበረ ጵጵስናና ገሊጹ፡ ሕግን ሥርዓት ቤተ ክህነት ብግቡእ ዝፍጽም ምዃኑ እንተ ተረጋገጸ፡ እንደገና ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ጳጳስ ክኸውን ይኽእል እዩ። ተዘይኰነ ከምቲ ለፍላፊ ዝዀነ ኣትናቴዎስ፡ ካብ ሕጊ ሃዲሙ ናብ ኣኹሱም መጺኡ እንተዀይኑ፡ ከምቲ ሽመቱ ዝሓዝናዮ፡ ንስኻትኩም’ውን ንቤተ ክርስቲያንኩም ከየበላሽወልኩም እሞ ህወከት ከይፈጥረልኩም ምሕላዉ የድልየኩም እዩ።

ንዓይ ከም ዝመስለኒ ግና፡ ንፍረሚናጦስ ናብ እስክንድርያ ተመሊሱ ምስቲ ኣዝዩ ዝኸበረ ጳጳስ ጊዮርጊስን ልዕል ዝበሉ ሊቓውንትን ተራኺቡ፡ ሕግን ትምህርትን ቤተ ክርስቲያን ምስ ተረድኤ፡ ናብ መንበረ ጵጵስናኡ ክምለስ ይሓይሽ፡ ኢሉ ጽሓፈሎም።

ኣብርሃን ኣጽብሃን ግና ድሮ ንውስኔ ጉባኤ ኒቅያ ተቐቢሎሞ ስለ ዝነበሩ፡ ንትምህርቲ ኣትናቴስ ዝነበሮም ድጋፍ ብግልጺ ዝነበሮም ሂቦም ስለ ዝነበሩ፡ ንማዕዳኡ ኣይተቐበልዎን።

455 ምምጻእ ኣባ ዮሓንን ሊባኖስን (ኣባ መጣዕን) ናብ ኤርትራ

እባ ሊባኖስ ዝተወልድሉ ኣብ ግዝኣት ሮማ ዕሌቶም ጽርኢ (ግሪኽ) ክኸውን ከሎ፡ ኣቦኦም ንግሥ ቁስጢንጥንያ ነበረ። እዚ መንእሰይ እዚ ስድርኡ ኣመርዕዮሞ ነበሩ። እንተዀነ ፍቓዱ ቅድስናን ምንኩስናን ስለ ዝነበረ፡ ንመርዓቱ ብግብረ ሥጋ ከይተራኸባ፡ ካብ ዓዱ ጠሪኡ ናብ ግብጺ ኣተወ፡ በቲ ግዜ እቲ ኣብ ግብጺ ኣባ ጳኩሚስ ሌቀ ነበሩ እሞ፡ ንግዚኡ ምስኦም ተቐሚጡ ነበረ። ዳሕሪ ገለ እዋን ግና እባ ጳኩሚስ፡ ንኣባ ሊባኖስ ወንጌል ክሰብኽ ናብ ሃገር ኣግኣዚት ለኣኽዎ። እሱ ድማ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣስገደ በቕላ ከባቢ ከረን ማለት ኣኣብቲ ከሳቴ ብርሃን ወንጌል ዝሰብክሉ ዝነበሩ ቦታ ኰይኑ ወኔል እና ሰበኸ ሸውዓተ ዓመት ተቐመጠ። ኣብዚ እዋን እዚ ወንጌል ማቴዎስ ካብ ቛንቛ ኮይን ጸርኢ ናብ ግእዝ ተርጐሞ። እዚ ምስ ገበረ፡ ናብ ከበሳ ኤርትራ ሰራየ ጉሕጭዓ ጥቃ ክሳድ ዳዕሮ ኰይኑ ንሰብዓ ዓመታት ምስ ተቐመጠ፡ እቲ ኣብ እኹሱም ዝነበረ ግብጻዊ ጳጳስ ኣባ ኤልያስ ክትበጽሓኒ ምጻእ ኢሉ ጸውዖ። ንገለ እዋን ድማ ምስኡ ተቐመጠ። ዳሕራይ ግና ካብ ኣኹሱም ተመሊሱ፡ ኣብ ኤርትራ ኣከለኩዛይ ኣብ ጉናጉና ዝባን ቡርን ካልኦት ቦታታት እንዳተዛወረ ብጾምን ብጸሎትን ጸኒዑ ንኻልኦት ብትምህርቲ ወንጌል ኣብ ክርስቶስ ክጸንዑ እና መሃረን ብዙሓት መኮሳት ኣፍረየ። ሓያሎ ገዳማት ድማ ሰረተ። እቲ ንሱ ዝተኸሎ እምነት ክርስቶስ ክሳብ ሎሚ እናዓንበበ ይነብር ኣሎ።  ኣባ ሊባኖስ ድሕሪ ከቢድ መንፈሳዊ ቃልሲ ብዕለት ሰለስተ ጥሪ ኣብቲ ንሱ ባዕሉ ዝሰረቶ ገዳም እምባ ጠሪቓ (ደረቓ)  ዝብሃል ቦታ ህይወቱ ብሰላም ዓረፈት። 

ኣባ ዮሓኒ

ኣባ ዮሓኒ ኢልና ጠቒስናዮም ዘሎና፡ ኣብ ሃገር ሶርያ ዝተወልዱ መነኮስ ነበሩ። ኣባ ዮሓኒ ካብ ዓዱ ሶርያ ናብ ግብጺ ምስ ከደ፡ ፓትሪያርክ እስክንድርያ ኣባ ጳኩሚስ ወንጌል ክሰብኽ ናብ ሃገር ኣግኣዚት ብ455 ዓ.ም ለኣኽዎ። ንሱ ድማ ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ኣብ ሰንሒት ሃባብ ከባቢ ከረን ተቐመጠ። ኣብኡ ተቐሚጡ ከሎ፡ ንገዳም ደብረሲና ሰረታ። ኣብዚ ገዳም እዚ ሽዑ ዝተሰርሔ ቤተ ክርስቲያን ኽሳብ ሎሚ ደው ኢሉ ህያው ምስክር ኰይኑ ይነብር ኣሎ።

 ይቕጽል

 

/ ሽሞንዲ ኃይለ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div