መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ: ናብ ፖፕ ታዋድሮስ 2ይ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ልኢኹ።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ “ክርስቲያን ምዃን” ጥራይ ዝበደሎም 21 ግብጻውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ብዘሰቅቅ ኩነታት ብሊብያውያን ኣኽረርቲ ምሟቶም ከምዝሓዘነት ድሕሪ ምግላጽ፥ እግዚኣብሔር ንስድራ ቤቶም ጽንዓት ክህብ ነቶም ስለ እምነቶም ዝተቐትሉ ሰማእታት ድማ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ክህቦም ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ጸሎት ከምእትዝክሮም ሓቢሩ።
ሞት ናይዞም 21 ግብጻውያን ኦርቶዶክሳውያን ዘሕዝን እኳ እንተኾነ፥ ነታ ብሰማእታት ደቃ እትልለ ምስራዊት ቤተ ክርስቲያን ግና ሓድሽ ከምዘይኮነ ድሕሪ ምዝኽኻር፥ “ቤተ ክርስቲያን ብደም ሰማእታት እያ ትጥጥዕ” ዝብል ጽሑፍ ድማ ኣብ ምስራዊት ቤተ ክርስቲያን ሓቅነት ለቢሱ: ትንፋስ ሰዅዑ ይርከብ” ክብል ዝተሰምዖ ሓዘን ይገልጽ። ብተወሳኺ፥ “እዚ ስለዝኾነ ድማ እዩ ቤተ ክርስቲያን ሰማእታት እትወልድ፥ ደም ሰማእታት ድማ ንቤተ ክርስቲያን የጥጥዓ” ዝብል ሓቂ: ትርጉም ለቢሱ ዝርከብ ይብል እቲ መግለጺ።
ሰንበት 15 የካቲት 2015፥ 21 ግብጻውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ኣብ ሊብያ ብግብረ ሽበራ ዝፍለጡ ኣኽረርቲ ሊብያውያን ኣስላም ብዘሰቅቅ ኩነታት ከምዝተቐትሉ ይፍለጥ።
“ሓደ እኳ ካባኻትኩም ቀታሊ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባር ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ ስቓይ ዚቕበል ኣይሃሉኹም። ክርስቲያን ብምዃን እንተ ተሳቐየ ግና ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግን እምበር ኣይሕፈር” (1 ጴጥ 4፡15-16)።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ