“እግዚኣብሄር ድማ ምስ ዮሴፍ ነበረ. . .” (ዘፍ 39፡2)
ኣብዛ ምድሪ ኣብ እትነብረሉ እዋን ኣምላኽ ምሳኻ ካብ ምዃን ዝዓቢ ሞጐስ ከም ዘየለ ተስተውዕልዶ ትኸውን፧ በዓል ሙሴ ኮኑ ኵሎም ቅዱሳን ኣብ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ዝተመነይዎን ዝለመንዎን እንተ ነይሩ ህላውነት እግዚኣብሄር እዩ። እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ እንተ ዝነብር ደኣ ንምንታይ ብኣሕዋቱ ተቐጥቂጡን እዚ ዅሉ መከራ ረኺብዎን ንብል ንኸውን። ኣምላኽ ብቕጽበት ካብ መከራ ክባልሃና ይኽእል እዩ። ካልእ ጊዜ ድማ እግዚኣብሄር ክሙኩረና ኢሉ ብመከራ የሕልፈና እዩ። ኣብዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና ግና እቲ ኣብ ቤት ኣቡኡ ሞይቱ ተባሂሉ ዝተሓዘነሉ ዮሴፍ ኣብ ቤት ጶጢፋር ናይ ህያዋን ስራሕ ይሰርሕ ምንባሩ እዩ። (እያ 1፡5-9፣ ማቴ 28፡20፣ ነህ 2፡18)
ኣስተንትን
1. ስለምንታይ ህላውነት እግዚኣብሄር ኣብ ህይወትና ዘድልየና፧
2. ኣምላኽ ምሳኻ ምህላዉ ተስተውብህል’ዶ፧ ብኸመይ፧
3. ካብ ህላውነት ኣምላኽ ዝተላዕለ ዝተናገፈ ዘክር፧
ጸሎት፡- ኣብ ምእታውናን ምውጻእናን ኵሉ ጊዜ ኣምላኽ ምሳናን ቀረባናን ክኸውን ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
መህ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ