S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ህላውነት እግዚኣብሄር ኣብ ህይወትና

“እግዚኣብሄር ድማ ምስ ዮሴፍ ነበረ. . .” (ዘፍ 39፡2)

ኣብዛ ምድሪ ኣብ እትነብረሉ እዋን ኣምላኽ ምሳኻ ካብ ምዃን ዝዓቢ ሞጐስ ከም ዘየለ ተስተውዕልዶ ትኸውን፧ በዓል ሙሴ ኮኑ ኵሎም ቅዱሳን ኣብ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ዝተመነይዎን ዝለመንዎን እንተ ነይሩ ህላውነት እግዚኣብሄር እዩ። እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ እንተ ዝነብር ደኣ ንምንታይ ብኣሕዋቱ ተቐጥቂጡን እዚ ዅሉ መከራ ረኺብዎን ንብል ንኸውን። ኣምላኽ ብቕጽበት ካብ መከራ ክባልሃና ይኽእል እዩ። ካልእ ጊዜ ድማ እግዚኣብሄር ክሙኩረና ኢሉ ብመከራ የሕልፈና እዩ። ኣብዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና ግና እቲ ኣብ ቤት ኣቡኡ ሞይቱ ተባሂሉ ዝተሓዘነሉ ዮሴፍ ኣብ ቤት ጶጢፋር ናይ ህያዋን ስራሕ ይሰርሕ ምንባሩ እዩ። (እያ 1፡5-9፣ ማቴ 28፡20፣ ነህ 2፡18)

ኣስተንትን

1. ስለምንታይ ህላውነት እግዚኣብሄር ኣብ ህይወትና ዘድልየና፧

2. ኣምላኽ ምሳኻ ምህላዉ ተስተውብህል’ዶ፧ ብኸመይ፧

3. ካብ ህላውነት ኣምላኽ ዝተላዕለ ዝተናገፈ ዘክር፧

ጸሎት፡- ኣብ ምእታውናን ምውጻእናን ኵሉ ጊዜ ኣምላኽ ምሳናን ቀረባናን ክኸውን ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div