S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ህይወት ሕረ

“... ሎሚ ሕረ... “ (እያ 24፡15)

ኣብ ህይወት፡ ምርጫ እቲ ዝኸበደ ዝገብሮ ነገር፡ ንምርጫኻ ስለ እትነብሮ እዩ። ሰብ ፈትዩ ጸሊኡ ነቲ ዝመረጾ ምርጫ ክነብሮ ይግደድ እዩ። ናብራና ኵሉ ብምርጫ ዝተመልአ እዩ። እቲ ሓንሳብ ዝመረጽናዮ ነገር ካልእ ምርጫ ይፈጥረልና ስለዚ ካብ ዓንኬል ምርጫ ኣይንወጽእን ኢና። ሓንሳብ ካብ ንዓለም ንክርስቶስ ስለ ዝመረጽና ምርጫና ተወዲኡ ማለት ኣይኮነን። ነቲ ዝመረጽካዮ ህይወትውን ብጽድቂ ክትነብሮ ክትመርጽ የድልየካ። ካብ ንዓለም ንክርስቶስ መሪጽና ከነብቅዕ፡ ንሓጢኣት መገዲ ዝኸፍቱ ብዙሕ ምርጫታት እናመረጽና ንኸይድ ኢና። ንዅሉ እንመርጾ ምርጫ ብመንጽር እቲ ቀዳማይ ዝመረጽናዮ ምርጫ ክንርእዮ እንተ ዘይክኢልና ኣብቲ መጀመርያ ቅኑዕ ስለ ዝመረጽና ውሕስነት ኣይህበናን እዩ። (ዮሃ 6፡66-70፣ ሉቃ 18፡18-30)።

ኣስተንትን

1. ምስ ክርስቶስ ንምንባር እንተ መሪጽካ ብጽድቂ ንምንባርከ ምርጫኻ ጽኑዕ ድዩ፧

2. ቅኑዕ ዘይኮነ ምርጫታት ዝመረጽካሉ እሞ ብእኡ ዝተጐዳእካሉ ጊዜ ኣሎዶ፧

3. ኣብ ዘመን ህይወቶም ቅኑዕ ምርጫ ዘይመረጹ ንመን ትዝክር፧

ኣብ ዘመን ህይወትና ነቲ ዝመረጽናዮ ቅዱስ ምርጫ ንምንባር ክንክእል ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ። 

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div