“ሎሚ፡ ኢዱ መሊኡ ብፍታው ንእግዚኣብሄር ዝህብ መን ኣሎ፧” (1ዜና 29፡5)
ኣብ ዓለም፡ ብዝሒ፡ መለክዒ ብሉጽነት ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ግና ብዝሒ፡ መለክዒ ናይ ጽድቂ ኣይኮነን። ኵሎም ምእመናን መባእ ኣብ ሳጹን የእትዉ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፡ ጐይታ ንሓንቲ ክልተ ለብጦን ኣብ ሳጹን ምጽዋት ዘእተወት ሰበይቲ ንኢዱ። ብመጠን እቲ ዘለዋ ካብ ኵላቶም ዝበዝሐ ከም ዘእተወት መስኪሩላ። ዳዊት፡ ንእግዚኣብሄር ዝኸውን ቤት ክሰርሕ ሓሰበ (2ሳሙ 7፡1-29)። እግዚኣብሄር በዚ ኣጸቢቑ ስለ እተሓጐሰ “ኣነ ቤት ክሰርሓልካ እየ በሎ”። እግዚኣብሄር፡ ብዛዕባ እቲ ዳዊት ዝሰርሓሉ ቤት መቕደስ ዘይኮነስ በቲ ነዚ ሰናይ ነገር ዝሓስብ ቅኑዕ ዝኾነ ልቢ ዳዊት እዩ ተሓጕሱ። ስለዚ፡ እቲ እተወፈየ ንመስርሒ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ወርቅን ብሩርን ዘይኮነስ እቲ ፍታው ልቢ ከም ዝዓቢ ንርኢ። ስለዚ እግዚኣብሄር ካብቲ እንህቦ ጥረ ነገር ንላዕሊ ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍታው ልቢ ዝያዳ ይሕጐስ። (1ዜና 29፡1-29፣ 2ቆሮ 8፡2-5፣ 2ቆሮ 8፡12)
ኣስተንትን
1. ኣምላኽ፡ ካብቲ እተቕርቦ መስዋእቲ ንላዕሊ ስለ ምንታይ ንልብኻ ይብህጐ፧
2. ስለ ምንታይ እያ እታ ክልተ ለብጦን ኣብ ሳጹን ዘውደቐት ሰበይቲ ዝያዳ እተናእደት፧
3. ንእግዚኣብሄር ዘሐጕሶ እንታይ ይመስለካ፧
ሓለፋ መስዋእትናን ኣገልግሎትናን ኣምላኽ ዝብህጎ ልቢ ክንውንን ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
መህ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ