S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣምላኽ ዝብህጎ ልቢዶ ኣለካ?

ሎሚ፡ ኢዱ መሊኡ ብፍታው ንእግዚኣብሄር ዝህብ መን ኣሎ፧” (1ዜና 295)

ኣብ ዓለም፡ ብዝሒ፡ መለክዒ ብሉጽነት ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ግና ብዝሒ፡ መለክዒ ናይ ጽድቂ ኣይኮነን። ኵሎም ምእመናን መባእ ኣብ ሳጹን የእትዉ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፡ ጐይታ ንሓንቲ ክልተ ለብጦን ኣብ ሳጹን ምጽዋት ዘእተወት ሰበይቲ ንኢዱ። ብመጠን እቲ ዘለዋ ካብ ኵላቶም ዝበዝሐ ከም ዘእተወት መስኪሩላ። ዳዊት፡ ንእግዚኣብሄር ዝኸውን ቤት ክሰርሕ ሓሰበ (2ሳሙ 71-29) እግዚኣብሄር በዚ ኣጸቢቑ ስለ እተሓጐሰኣነ ቤት ክሰርሓልካ እየ በሎ እግዚኣብሄር፡ ብዛዕባ እቲ ዳዊት ዝሰርሓሉ ቤት መቕደስ ዘይኮነስ በቲ ነዚ ሰናይ ነገር ዝሓስብ ቅኑዕ ዝኾነ ልቢ ዳዊት እዩ ተሓጕሱ። ስለዚ፡ እቲ እተወፈየ ንመስርሒ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ወርቅን ብሩርን ዘይኮነስ እቲ ፍታው ልቢ ከም ዝዓቢ ንርኢ። ስለዚ እግዚኣብሄር ካብቲ እንህቦ ጥረ ነገር ንላዕሊ ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍታው ልቢ ዝያዳ ይሕጐስ። (1ዜና 291-29 2ቆሮ 82-5 2ቆሮ 812)

ኣስተንትን

1. ኣምላኽ፡ ካብቲ እተቕርቦ መስዋእቲ ንላዕሊ ስለ ምንታይ ንልብኻ ይብህጐ፧

2. ስለ ምንታይ እያ እታ ክልተ ለብጦን ኣብ ሳጹን ዘውደቐት ሰበይቲ ዝያዳ እተናእደት፧

3. ንእግዚኣብሄር ዘሐጕሶ እንታይ ይመስለካ፧

ሓለፋ መስዋእትናን ኣገልግሎትናን ኣምላኽ ዝብህጎ ልቢ ክንውንን ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div