S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንኣምላኽ ምፍላጥ

ከምቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ክሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ክገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም” (ሮሜ 128)

ኣእምሮ ዝሕዞ ብዙሕ ዓይነት ፍልጠት ኣሎ። ሰባት ከከም ዝንባሌኦም እተፈላለየ ዓይነት ፍልጠት ክሕዙ ይደልዩ።ፍልጠት የናግፍይብለና ቃል ኣምላኽ። እዛ እንርእያ ዘሎና ዓለም ድማ፡ ሳላ ፍልጠት ካብ ብዙሕ ዝዓይነቱ ምድራዊ ድንቍርና ተናጊፋ፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ምዕባለ በጺሓ ንዕዘባ ኣሎና። እዚ ፍልጠት እዚ ምድራውን ሓላፍን እዩ። ኣብ መንጐ እዚ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፍልጠት ግና፡ ሓደ ኣዝዩ ዝኸበረ ፍልጠት ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ፍልጠት ኣምላኽ እዩ። እዚ ኵሉ ምድራዊ ፍልጠት፡ ምድራዊ ምንጋፍ ጥራሕ እዩ ዝህበካ። ንኣምላኽ ምፍላጥ ድማ መንፈሳውን ዘለኣለማውን ምንጋፍ ይህበካ። ሰባት ካብቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፍልጠት፡ ንፍልጠት ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮኦም ቦታ እንተ ዘይሂቦምዎ፡ እቲ ንዅለንትና ሰባት ዝቆጻጸር ኣምላኽ ንኣእምሮኦም ንሕሱር ነገር ኣሕሊፉ ይህቦም። እቲ ንዅሉ ዝጠቅም ፍልጠት ኣምላኽ እንተ ሒዝና፡ ኣእምሮና ንኽቡር ነገር ስለ ዝውፈ ምድራዊ ይኹን ሰማያዊ ሓሳባትና ዝኸበረ እዩ ዝኸውን።ክቡር ሰብ ግና ክቡር ነገር ይሓስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ድማ ይጸንዕ (ኢሳ 328 ሆሴ 63 ሆሴ 46 2ጴጥ 318)

ኣስተንትን

1. ንኣምላኽ ምፍላጥ እንታይ ማለት እዩ፧

2. ሰብ ብዘይምፍላጡ ዝበደሎ በደል ከም በደል ይቑጸረሉዶ፧

3. ፍልጠት ከመይ ገይሩ ሓራ የውጽእ (የናግፍ)

ኣምላኽ ንዕኡ ካብዘይ ምፍላጥ ስለ ዝባልሃና ነመስግኖ። ንእኡ ብምፍላጥ ክንዓቢ ድማ ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div