S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ነፍስኻ ንአምላኽ ክሳብ ክንደይ ትብህጎ ?

እራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ፣ ከምኡ ኸኣ ነፍሰይ ናባኻ፣ ኣምላኽ፣ ትናፍቕ ኣላ።

ነፍሰይ ንአምላኽ፣ ነቲ ህያው ኣምላኽ፣ ትጸምእ ኣላ፣ መአዝ ኰን ክመጽእ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽሲ ክቐውም እየ፧

ኵሉ ጊዜ፣ ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ፧ ኪብሉኒ ኸለዉ፣ ለይትን መዓልትን ንብዓተይ ተቐለብኩ።

ኣነ ምስ ብዙሓት፣ ምስቶም ብድምጺ እልልታን ምስጋናን በዓል ዜብዕሉ ህዝቢ ኸይደ፣ ናብ ቤት ኣምላኽ እመርሖም ከም ዝነበርኩ፣ እናዘከርኩ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ፈሰሰት።

ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጒህዪ፧ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧ ስለ ምድሓን ገጹ ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።

ኣምላኸይ፣ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትጕሂ ኣላ፣ ስለዚ ኸኣ ካብ ምድሪ ዮርዳኖስ፣ ካብ ኣኽራን ሄርሞን፣ ካብ ዝባን ሚሳር እዝክረካ ኣሎኹ

ብደሃይ መንጫዕጫዕታኻ መዓሙቚ ንመዓሙቝ ይጽውዖ፣ ሸምቦታትካን ማዕበላትካን ዘበለ ብልዕለይ ሐለፈ።

እግዚኣብሄር ለውሃቱ ብመዓልቲ ይሰድድ፣ ብለይቲ ድማ መዝሙሩ ምሳይ ኣሎ፣ ንአምላኽ ህይወተይውን እልምን።

ኣነ ንአምላኽ፣ ከውሔይ፣ ንምንታይ ኢኻ ዝረሳዕካኒ፧ ንምንታይከ ብሰሪ ጥቕዓት ጸላኢ እናሐዘንኩ ዝኸይድ፧ እብሎ ኣሎኹ።

ኵሉ መዓልቲ፣ ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ፧ እናበሉ ተጻረርተይ ኣዕጽምተይ ከም ዝቕጥቀጥ ገይሮም ይጸርፉኒ።

ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጕህዪ፧ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧ ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።

መዝሙር ዳዊት 42

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div