S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣምላኽና ብበረኸት ክቀባበለና

“... ንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኺምለስ ከሎ፡ እተቐበሎ እሞ ዝባረኾ” (እብ 71)

ከም ክርስቲያን ኣብዛ ምድሪ ክትነብር ከሎኻ፡ ሰለስተ ጸላእቲ ከም ዘለዉኻ ክትፈልጥ ይግብኣካ። ነዞም ሰለስተ ጸላእቲ ከይሰዓርካ ንኣምላኽ ዘስምር ህይወት ክህልወካ ዘይከኣል እዩ። እዞም ሰለስተ ጸላእቲ ድማ ዓለም፡ ስጋን ሰይጣንን እዮም። እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት፡ ዓለምን ፍትወታን ክሓልፉ ምዃኖም ብምእማን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዝርአ ንግዚኡ እዩ፡ እቲ ዘይርአ ግና ንዘለኣለም እዩ። ንስጋና ድማ ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብል መስዋእትን ጌርና ምእንቲ ከነቕርቦ ብመንፈስ ክንመላለስ የድልየና። ንሰይጣንን መላእኽቱን ድማ ብደም ክርስቶስ ኢየሱስን በቲ ቃልምስክርነትናን ኢና እንስዕሮ። ተሓሪድካስ ንኣምላኽ መንግስትን ካህናትን ዝኾኑ ሰባት ዓዲግካሉ ኢኻ ዝብል ቃል ኣምላኽ ከነስተውዕለሉ ይግብኣና። ስለዚ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ ብክቡር ደም ክርስቶስ ከም ዝደሓንና ብምፍላጥ ንጸላእትና ከም ቃል ኣምላኽ ጸኒዕና ክንቃወሞምን ክንስዕሮምን ይግብኣና፡ ሽዑ ድማ ኣምላኽና ብበረኸት ይቀባበለና። (1ዮሃ 54 ራእ 1211 ገላ 516)

ኣስተንትን

1. ነዞም ኣብ ምድሪ ሰለስተ ጸላእትና ዝኾኑ ነገራት እንስዕረሉ ኣጽዋር ግለጽ፧

2. ስለ ምንታይ እዮም ሰባት ብዙሕ ጊዜ በዞም ጸላእቲ ዝስዓሩ፧

3. ኣብ ዘመን ህይወቶም ነዞም ጸላእቲ ዝሰዓሩ ንመን ትዝክር፧ ከመይ ዝበሉ ሰባትከ ነበሩ፧

ኣብ ልዕሊ ጸላእትና ኵሉ ጊዜ ብዓወት ክንመላለስ ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div