“... ንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኺምለስ ከሎ፡ እተቐበሎ እሞ ዝባረኾ” (እብ 7፡1)
ከም ክርስቲያን ኣብዛ ምድሪ ክትነብር ከሎኻ፡ ሰለስተ ጸላእቲ ከም ዘለዉኻ ክትፈልጥ ይግብኣካ። ነዞም ሰለስተ ጸላእቲ ከይሰዓርካ ንኣምላኽ ዘስምር ህይወት ክህልወካ ዘይከኣል እዩ። እዞም ሰለስተ ጸላእቲ ድማ ዓለም፡ ስጋን ሰይጣንን እዮም። እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት፡ ዓለምን ፍትወታን ክሓልፉ ምዃኖም ብምእማን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዝርአ ንግዚኡ እዩ፡ እቲ ዘይርአ ግና ንዘለኣለም እዩ። ንስጋና ድማ ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብል መስዋእትን ጌርና ምእንቲ ከነቕርቦ ብመንፈስ ክንመላለስ የድልየና። ንሰይጣንን መላእኽቱን ድማ ብደም ክርስቶስ ኢየሱስን በቲ ቃልምስክርነትናን ኢና እንስዕሮ። ተሓሪድካስ ንኣምላኽ መንግስትን ካህናትን ዝኾኑ ሰባት ዓዲግካሉ ኢኻ ዝብል ቃል ኣምላኽ ከነስተውዕለሉ ይግብኣና። ስለዚ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ ብክቡር ደም ክርስቶስ ከም ዝደሓንና ብምፍላጥ ንጸላእትና ከም ቃል ኣምላኽ ጸኒዕና ክንቃወሞምን ክንስዕሮምን ይግብኣና፡ ሽዑ ድማ ኣምላኽና ብበረኸት ይቀባበለና። (1ዮሃ 5፡4፣ ራእ 12፡11፣ ገላ 5፡16)
ኣስተንትን
1. ነዞም ኣብ ምድሪ ሰለስተ ጸላእትና ዝኾኑ ነገራት እንስዕረሉ ኣጽዋር ግለጽ፧
2. ስለ ምንታይ እዮም ሰባት ብዙሕ ጊዜ በዞም ጸላእቲ ዝስዓሩ፧
3. ኣብ ዘመን ህይወቶም ነዞም ጸላእቲ ዝሰዓሩ ንመን ትዝክር፧ ከመይ ዝበሉ ሰባትከ ነበሩ፧
ኣብ ልዕሊ ጸላእትና ኵሉ ጊዜ ብዓወት ክንመላለስ ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
መህ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ