S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ስልጣን ጸልማት ወጺእና

ንሱ ካብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣና፡ ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና” (ቈሎ 113)

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ግኡዝ ዓለምን ኣተሓሳስባ ሰባትን ዝጸልዉ ክልተ መንግስታት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ መንግስቲ ኣምላኽን ስልጣን ጸልማትን እዮም። ግዝኣቶም በበይኑ መምሪሒኦም በበይኑ፡ ኮታ ዘራኽብ ዘይብሎም መወዳእትኦም’ውን ዓብዪ ጋግ ዘለዎ እዩ። ኢየሱስ ኣብ ምድሪ እናተመላለሰ ከሎ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይነግሮም ነበረ። እታ መንግስቲ ካብ ምድሪ ከም ዘይኮነትን ኣሰራርሓኣ’ውን ከም ናይ ዓለም ከም ዘይኮነ ይዛረብ ነይሩ (ዮሃ 1836) ድሕሪ ጐይታ ኵሎም ሃዋርያት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኾም (ግብ 812) ንሕና’ውን ካብታ ንጐይታ ኢየሱስ ዝኣመንናላ ዕለት ጀሚርና ኣባላት ናይታ መንግስቲ ምዃንና ቃል ኣምላኽ ይነግረና እዩ። ከም እንፈልጦ፡ ኵሉ ግዝኣት ነናቱ ዝኾነ መምርሒን ቅዋምን ኣለዎ። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ’ውን ከምኡ እዩ። ዋላ እኳ ኣብ ምድሪ ንመላለስ እምበር ሃገርና ኣብ ሰማያት እዩ (ፊሊ 320) መምርሒና ድማ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ቃል ሰማያዊ ንጉስ እዩ። (እብ 18 ሉቃ 1232 እብ 1228 ግብ 2831 ቈሎ 210,14-15)

ኣስተንትን

1. ምስ ደሓንካ ካብ ስልጣን ጸልማት ወጺእካ ኣባል መንግስቲ ኣምላኽ ምዃንካ ክሳብ ክንደይ ትርድኦ፧

2. ንሓደ ዘይፈልጥ ሰብ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢልካ ምተዛረብካ፧

3. ናይዛ መንግስቲ መምርሒ ንምስዓብ ድሉው ዲኻ፧

እግዚኣብሄር ናይታ መንግስቱ መምርሕን ስርዓትን ማለት ቃል ኣምላኽ ኵሉ ጊዜ ክገልጸልና ክንገብሮ ክረድኣናን ጸጋ ክህበናን ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div