“ጽድቕኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ክትርኣዩ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ፡ እንተ ዘይኮይነስ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን” (ማቴ 6፡1)
ሰናይ ምግባር ባህርይ ናይ እግዚኣብሄር እዩ። ንሱ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ ከኣ ርሕሩሕ እዩ። ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ሰናይ ይገብር። ንዅሉ ሰብ ሰናይ ዝገብረሉ፡ ባህርዩ ስለ ዝኾነ እዩ። ንሕና ድማ ከምኡ ክንከውን ይደልየና። ኵሉ ጊዜ፡ ንዅሉ ሰብ፡ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ሰናይ ምግባር ባህርይና ዝኾነ ሰባት ክንከውን ይግብኣና። እዚ ኵሉ ክንገብር ከሎና ድማ፡ ካብ ሰባት ገለ ሞሳ፡ ምስጋና፡ ክብሪ፡ ረብሓ፡ ወይ'ውን ገለ ክፍሊት ደሊና ዘይኮነስ፡ ብግርህናን ንእግዚኣብሄር ንምሕጓስን፡ እቲ ናይ ሰማይ መዝገብና ንምህብታምን ክኸውን ይግብኦ። እዚ ከኣ ባዕሉ ኣብዚሑ ዓስቢ ክህበና ስለ ዝደሊ እዩ። ዓስብና ካብ ሰባት እንደልዮ እንተ ዄንና ግና፡ ምድራዊ ነገር ስለ ዝኾነ፡ ድሮ ከም ዝወሰድናዮ ቃል እግዚኣብሄር ይነግረና እዩ። (ሉቃ 14፡12-14፣ ኤፌ 6፡6-7፣ እብ 6፡9-10፣ እብ 13፡2)
ኣስተንትን
1. ካብ ዘገልገልካዮ ኣገልግሎት ክንደየኖት ይኾኑ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልካ ዘገልገልካዮም፧
2. ካብ ሰባት እትረኽቦ ክብሪ ምስቲ ካብ እግዚኣብሄር እትረኽቦ ክብሪ ብምንጽጻር፡ ንህይወትካ ኣየናይ ይበልጽ ትብል፧
3. ካብ ኣምላኽ ዝመጽእ ክብሪ እንታይ እዩ ትብሎ፧
ንእዶና ካብ ኣምላኽ እምበር ካብ ሰባት ከይንደሊ ጐይታ ክረድኣና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ