S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንእዶና ካብ ኣምላኽ እምበር ካብ ሰባት ከይንደሊ

ጽድቕኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ክትርኣዩ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ፡ እንተ ዘይኮይነስ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን” (ማቴ 61)

ሰናይ ምግባር ባህርይ ናይ እግዚኣብሄር እዩ። ንሱ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ ከኣ ርሕሩሕ እዩ። ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ሰናይ ይገብር። ንዅሉ ሰብ ሰናይ ዝገብረሉ፡ ባህርዩ ስለ ዝኾነ እዩ። ንሕና ድማ ከምኡ ክንከውን ይደልየና። ኵሉ ጊዜ፡ ንዅሉ ሰብ፡ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ሰናይ ምግባር ባህርይና ዝኾነ ሰባት ክንከውን ይግብኣና። እዚ ኵሉ ክንገብር ከሎና ድማ፡ ካብ ሰባት ገለ ሞሳ፡ ምስጋና፡ ክብሪ፡ ረብሓ፡ ወይ'ውን ገለ ክፍሊት ደሊና ዘይኮነስ፡ ብግርህናን ንእግዚኣብሄር ንምሕጓስን፡ እቲ ናይ ሰማይ መዝገብና ንምህብታምን ክኸውን ይግብኦ። እዚ ከኣ ባዕሉ ኣብዚሑ ዓስቢ ክህበና ስለ ዝደሊ እዩ። ዓስብና ካብ ሰባት እንደልዮ እንተ ዄንና ግና፡ ምድራዊ ነገር ስለ ዝኾነ፡ ድሮ ከም ዝወሰድናዮ ቃል እግዚኣብሄር ይነግረና እዩ። (ሉቃ 1412-14 ኤፌ 66-7 እብ 69-10 እብ 132)

ኣስተንትን

1. ካብ ዘገልገልካዮ ኣገልግሎት ክንደየኖት ይኾኑ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልካ ዘገልገልካዮም፧

2. ካብ ሰባት እትረኽቦ ክብሪ ምስቲ ካብ እግዚኣብሄር እትረኽቦ ክብሪ ብምንጽጻር፡ ንህይወትካ ኣየናይ ይበልጽ ትብል፧

3. ካብ ኣምላኽ ዝመጽእ ክብሪ እንታይ እዩ ትብሎ፧

ንእዶና ካብ ኣምላኽ እምበር ካብ ሰባት ከይንደሊ ጐይታ ክረድኣና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div