“እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዝግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ” (እብ 11፡1)
ኣብቲ ምስ እግዚኣብሄር ዘሎና ሕብረት፡ እምነት ኣገዳስን ወሳንን እዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ክርስትና ዘይከምቲ ኣብ ዓለም፡ ስለ ዝረኣኻ ዘይኮንካ እትኣምን፡ ምስ ኣመንካ ኢኻ እትርኢ። እቲ ንእግዚኣብሄር ክንኣምኖ ዝሕግዘና፡ ባህርያቱ እዩ። ንሓደሰብ ክንኣምኖ ወይ ከይንኣምኖ እንኽእል ባህርያቱ ምስ እንፈልጦ እዩ። ንእግዚኣብሄር ክንኣምኖ ዘኽእለና ብዙሕ ረቛሒታት ክንዝርዝር ንኽእል ኢና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተመልከትና፡ እግዚኣብሄር እሙን ምዃኑ ብብዙሕ ሸነኻት እዩ ዝገልጸልና። ህይወትና’ውን ነዚ ሓቂ እዚ ምስክር እያ። ስለዚ፡ ነዚ ጐይታ እዚ ኣዚና ብእምነት ክንቀርቦ የድልየና። (ዘሁ 23፡19፣ 1ተሰ 5፡24፣ እዮ 42፡2)
ኣስተንትን
1. ንኣምላኽ ዘሎካ እምነት ክሳዕ ክንደይ እዩ፧
2. ንጐይታ ከምቲ ዝግባእ ከይትኣምኖ ዝገብረካ እንታይ እዩ፧
3. ባህርይ እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንደይ ኢኻ እትፈልጦ፧
እግዚኣብሄር ንዘይምእማንና ክድግፍ ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ