S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ ጸልማት ግና ኣይሓዞን” (ዮሃ 15)

ብልማዳዊ ኣዘራርባ ብርሃን መግለጺ ጽቡቕ ነገር እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ እግዚኣብሄር ነገር'ውን መብዛሕትኡ ጊዜ ብብርሃን እዩ ዝግለጽ። ሓደ ካብቲ ብርሃን ዝተባህለ ድማ ቃል ኣምላኽ እዩ (መዝ 119105) ብርሃን ካብቲ ፍሉይ ባህርይኡ ክሕባእ ዘይምክኣሉ፡ ማለት ጸልማት ዘይሕዞ ምዃኑ እዩ። ብርሃን ምስ ዝበርህ ብዙሕ ነገር እዩ ዝፍጸም። እቲ ስዉር ይግለጽ፡ እቲ ጸልማት ድማ ይቕንጠጥ።

እግዚኣብሄር ካብቲ ዝነበርናሉ ጸልማት ዘውጽኣና ብብርሃን ቃሉ እዩ። ሕጂ’ውን ንእኡ ዝኸውን ናብራ ክንነብርን በቲ ንሱ ዝደልዮ መገዲ ክንከይድን እንተ ኴንና ናይ ቃሉ ብርሃን የድልየና እዩ። ብርሃን ቃሉ ኣብ ህይወትና እንተ ዘይበርሀ፡ እቲ ኣብ ህይወትና ዘሎ ናይ ዘይምርዳእ ጸልማት ክጠፍእ ኣይከኣልን እዩ። እምበኣርሲ፡ ጸልማት ካብ ህይወትና ምእንቲ ክቕንጠጥን መገድና ብርሃን ክኾነልናን መዓልታዊ ናብራና ብብርሃን ቃሉ ክንምላእ ይግባእ። (መዝ 433 መዝ 119105 2ጴጥ 119)

ኣስተንትን

1. ቃል ኣምላኽ ንምንታይ ኢኻ እተንብብ ወይ ዘይተንብብ፧

2. ብርሃን ቃሉ ንመዓልታዊ ህይወትካ ኣገዳስነቱ ዘርዝር፧

3. ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ክበርሃልካ እንታይ ትገብር፧

ኣብ መገድና ምእንቲ ከይንዕንቀፍ እግዚኣብሄር ነንመዓልቱ ብብርሃን ቃሉ ክመርሓና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div