S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንግዝያዊ መከራ ዘይኮነስ ናብቲ ዳሕራይ ዝግለጽ በረኸት ንጠምት

እቲ ሽዓ ዝሓልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዘይብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ” (2ቈረ 416)

ክርስትና ኣብዚ ምድሪ ብምቾት ዝንበር ናብራ ኣይኮነን፡ እኳ ድኣ ነታ እትመጽእ መንግስቲ ብቑዓት ኴንና ምእንቲ ክንርከብ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተናን መከራን ክንሓልፍ ናይ ግድን ከም ዝኾነ እዩ ቃል ኣምላኽ ዝነግረና። ሕጂ ኣብዚ ምድሪ ዝገጥመና ዘሎ መከራ ከጉህየና ዝከኣል እኳ እንተ ኾነ፡ ደሓር ግን በቲ ኣብዚ ምድሪ ዝኸፈልናዮ ዋጋ ኣብ ሰማይ ምስ ተደበስና ብዘይንገር ሓጐስ ክንሕጎስ ኢና።እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ካብ ዝዅላዕ ሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ከቢሩ ምእንቲ ክርከብ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጎሃኹም ብእኡ ኽትሕጎሱ ኢኹም” (1ጴጥ 16-7)

ተስፋና ኣብዚ ምድሪ እዚ ጥራይ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ብርግጽ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምኾንና ነይርና። ተስፋና ግና ኣብዚ ምድሪ ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ተስፋ ዝሃበና ኣምላኽ ከኣ ነቲ ዝሃበና ተስፋ ክፍጽመልና እሙን እዩ። ብምኽንያት እቲ ንጐይታ ምስዓብና ዘጋጥመና ኵሉ፡ ንጽቡቕና ምዃኑ ኣሚንና ክሳዕ ምጽኣቱ ኣብ እምነትና ምስ እንጸንዕ፡ እቲ ንረኽቦ በረኸት ካብቲ ሕጂ ዘጋጥመና ዘሎን ከጋጥመና ዝኽእል መከራን ንምዕቃኑ ክሳብ ዘይከኣል ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ነቲ ሕጂ ዝረኽበና መከራ ብምርኣይ ክንጕህን ክንሓዝንን ዘይኮነስ ነቲ ዳሕራይ ዝግለጽ ብርቱዕ ምጽንናዕ ብምጥማት ኣዚና ክንሕጐስን መሊስና ክንብርትዕን ክንዓዝዝን ይግባእ። (ሉቃ 1829-30 ሮሜ 818-19 1ቈረ 1519)

ኣስተንትን

1. ብመከራዶ ትሓልፍ፧ እሞ እቲ ትሓልፎ ዘሎኻ ከም ናይ ኣምላኽ ሰብዶ ትሓልፎ ኣሎኻ፧

2. ሎሚ ብዘጋጥመካ ዘሎ መከራ እንታይ ይስምዓካ፧

3. ኣብ መከራኻ እግዚኣብሄር ዝገደፈካ ኮይኑዶ ይስምዓካ፧ ስለ ምንታይ፧

ጐይታ፡ ንኣና ኣዝዩ ብሉጽን ክቡርን ዝኾነ ርስቲ ስለ ዘዳለወልና ነመስግን። በቲ ንጊዜኡ ዘጋጥመና ፈተናን መከራን ተስፋ ከይንቖርጽ ከኣ ብጸጋኡ ክድግፈና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

 ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div