S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓለም ሓላፊት ምዃና ተረዳእ

ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን” (1ዮሃ 215-17)

እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽን፡ እቲ እተሳዕረ ንዓለም ዝገዝእ ዘሎ ሰይጣንን ክልተ መጻርርቲ እዮም። ዓለምን እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዅሉን ምስ ኣምላኽ ጽልኢ እዩ። ስለዚ ነዛ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ፡ ኣብ ቅድሚኡ’ውን ፍንፍንቲ ዝኾነት ዓለም ንኣኻ ብዘይርድኣካ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተሳሒብካ ተፍቅራ እንተ ኣሎኻ፡ ካብኣ ድማ ብዙሕ ነገራት ክትረክብ ተስፋ ትገብር እንተ ኣሎኻ፡ ምስ እግዚኣብሄር ባዕልኻ ጽልኢ ትእውጅ ኣሎኻ ማለት እዩ። ብረቂቕ ውዲት ሰይጣን ተሓቢልና እምበር፡ ብኣተሓሳስባናን ድሌትናን ተደሪኽና ንዓለም ከነፍቅራ ከም ዘይንኽእል ርዱእ እዩ። እንተ ኾነ ሰይጣን ንርእሱ መልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ ከም ዝተጻሕፈ፡ እቲ ኣባና ከስርጾ ዝደሊ ዓለማውነት ብእንቕበሎም ኣመንቲ ከይተረፈ ተጠቒሙ መንፈሳዊ ዝመስል ግን ከኣ ናብ ሓጢኣት ዝወስድ ሓሳብ ብምስራጽ ናቱ ክገብረና ይጽዕር እዩ። ሰይጣን ንጐይታ ከይተረፈ ከጋጊ ብምፍታንፍግም ኢልካ እንተ ስገድካለይ፡ እዚ ኵሉ ክህበካ እየከም ዝበሎ ኣብ ቃሉ ነንብብ (ማቴ 49) ሰይጣን ቃል ብቓሉ ስገደለይ ክብለና ክንጽበ የብልናን። ከምኡ እንተ ዝኸውን ክርስትና ምስትውዓል ዘየድልዮ ካብ ጐይታ’ውን ዝኾነ ደገፍ ዘየድልዮ ብቐሊሉ ዝንበር ናብራ ምኾነ ነይሩ። ሰይጣን ግን ከምዚ ኢልካ እንተ ኣመኽኒኻ (ሓሲኻ) ከምዝን ከምትን ክትረክብ ኢኻ ወዘተ ብዝብል ንስኻ እትሓስቦ ዘሎኻ ብዝመስል ሓሳብ፡ ክትሕሱን ካብ ጽድቅን ሓቅን ክትጐድልን፡ ሓጢኣት ክትፍጽምን ይደፋፍኣካ። እዚ፡ ብተዘዋዋሪ ንሰይጣን ምስጋድ፡ ንኣምላኽ ምጽላእ እዩ። በዚ ድማ፡ ነቲ ንእግዚኣብሄር ብምፍቃር ክትሓፍሶ ዝግብኣካ ዘለኣለማዊ በረኸት ክትከስሮ የገድደካ። እምበኣር፡ ሰይጣን ከይብለጸልና ብምስትውዓልን ብጥበብን ብምምልላስ ነቲ ንሰይጣን ሰጊድና ክንረኽቦ ንኽእል ምድራዊ መኽሰብ ሸለል ኢልናን እናተጸየፍናን ምሉእ ደገፍናን ምእዛዝናን ንእግዚኣብሄር ጥራይ ብምሃብ፡ ዓስብና ኣብዛ ምድሪ ሚእቲ ካዕበት፡ ኣብ ሰማይ ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝኸውን ክንገብር ይግባእ።(1ነገ 1821 ሮሜ 612-23 1ጢሞ 611-14 ያእ 44)

ኣስተንትን

1. ኣብ ዓለም ዝማርኸካን ጽቡቕ ኢልካ እተስተማቕሮ ነገራትን እስከ ዘርዝር።

2. ካብቲ ንኣምላኽ ኢልካ እተሕልፎ ጊዜን፡ ምስ ብጾትካ ክትዘናጋዕ እተሕልፎ ጊዜን ኣየናይ ይበዝሕ፧ ኣየናይ’ከ ደስ ይብለካ፧

ዓለም ሓላፊት ምዃና ክንርዳእን ንዓለምን ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኵሉን ክሒድና ናብ ጐይታ ክንጠብቕ ኣምላኽ ጸጋ ከብዝሓልና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div