S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ደንጉዩ ዝበጽሐ ዜና!
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብወግዒ ዝተኸፍተት ኣብ ከተማ ሓሪሶንቡርግ ትርከብ፡ ኣብ ስቴት ቨርጂኒያ ቀዳመይቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነት፡ ታቦት ኪዳነ-ምሕረት ቦኽሪ ንግደት ክብረ-በዓላ፡ ብቀዳም ዕለት 27 ሰነ 2015 ኣ.ፈ (፳ ሰነ ፳፻፯ ዓ.ም ግእዝ) ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ብዓቢይ ኽብሪ ተባዒሉ። 

እዚ ቤተ ክርስቲያን እዚ ብሓዋርያዊ መሪሕነት ሕጋዊ  3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝመሓደርን ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕን ኮይኑ፥ ኩሉ ምዱብ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ ድማ ብኣቦና ቀሺ ባህታ ኣቢይን ተሓጋገዝቶም ኣቦና ቀሺ መሓርን ዲያቆን ኣብርሃምን ዝግልገል ብሓዋርያዊ ሕግን ቀኖናዊ ሥርዓትን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝምእከል መጓሰ ማሕበረ ምእመናን እዩ።

ኪዳነ-ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ሓሪሶንቡርግ ቨርጂኒያ ብወግዒ ተኸፊቱ ምዱብ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ ንኽህብ፥ ናይ ብዙሓት ጉዱሳት ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን ሠናይ ድሌትን ምትሕብባርን፥ ብዝያዳ ከኣ ኣብ ምጥርናፍን ምውህሃድን ኩሉ ህዝቢ ናይ ኣቦና ቀሺ ባህታ ኣባታዊ መሪሕነትን ተወፋይነት ዕዙዝ ምንባሩ ኣባላት ሰበኻ ጉባኤን ምእመናንን ይገልጹ። ብኣንጻር እዚ ድማ ገለ ኣምላኽ ዝጸልኣሎም ኤርትራውያን ኢና ዝብሉ ናይ ፖለቲካ ሕማም ዘለዎም ሰባት፡ ተጣየስቲ ኣኅዋትና ሰዓብቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቤት ኣምላኽ ከይከፍቱ፥ ኣብ ስደት ተኣኻኺቦም ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንኸይረኽቡ፥ ብዙሕ ሸርሕታት፥ ዕንቕፋታትን ጸለመ ስም ምጥፋእን ኣብ ልዕሊ ውሉደ-ክህነት ይኹን ምእመናን ኣይካይዶም እዮም። ይኹን እምበር ኣብ እምነት ክርስትና ብፈተና ይርከብ ቅድስና ዝብል ማዕዳ ቕዱሳን ተቐቢልካ ንኹሉ ሽግራት ከም ጸጋ ምቑጻር ልሙድ ተርእዮ ብምዃኑ ምእመናን ኪዳነ-ምሕረትውን ነቲ ዝገጠሞም ተጻብኦታት ብደገፍ ኣምላኽ ሰጊሮሞ እዮም ።ብሓፈሻ ከምቲ ኣባጊዕ ብዘይ እሙን ጓሳ ጽቡቕ ሳዕሪ ክበልዓ፥ ጽሩይ ማይውን ክሰትያ ዘይክላ፥ ህዝበ-ክርስቲያን ድማ ብዘይ እሙን ካህን፡ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክረኽቡን ቤተ ክርስቲያን ክኸፍቱን ኣጸጋሚ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።

ኣብ ከተማ ሓሪሶንቡርግ ቨርጂኒያ ዓርቢ ምሸት ድሮ ሕንጸተ-ቤታ ፲፱ ሰነ ኣብ ኪዳነ ምሕረት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኩሉን ዓቃቤ-መንበርን ብጸሎተ-ሰርክ ከባቢ ሰዓት 4 ድ/ቀትሪ ዝጀመረ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ሰዓት 8፡00 ምሸት ብድራር ተዛዚሙ። ቀዳም ወጋሕታ ከኣ ካብ ሰዓት 5 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 8ተ ንግሆ ማኅሌት ቀጺሉ። ብድሕሪ እዚ ጸሎተ ቅዳሴ ካብ 8፡30 ክሳብ ሰዓት 10፡30 ተኻይዱ። ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ፥ ብፁዕ ኣቦና ልቢ ነፍሲ-ወከፍ ኣማኒ ዝተንከፈ ግሩምን ሠናይን ዝኾነ ትምህርቲ ካብ ወንጌል ሉቃስ ብዛዕባ ቅድስቲ ኣዴና ማርያም ኪዳነ-ምሕረት ስብከት ሂቦም። ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ክበርሁን ክንጽሩን ዝግብኦም ኣገደስቲ  ጉዳያትውን ብዝርዝር ኣረዲኦም። ብተወሳኺ ብፁዕ ኣቦና ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ህዝብን ዘጋጥሙ ዕንቅፋታትን ናይ ሰይጣን ውዲታትን ብጸሎትን ጽኑዕ እምነትን ጥራይ ከምዝሰዓሩ ንኹሉ ኣማኒ ህዝበ-ክርስቲያን ኣብሪሆም።

ካልእ ፍልይ ዝበለ ፍጻመ ናይቲ ዕለት ድማ ገለ ጋዜጠኛታት ማዕከናት ዜና ናይ ከተማ ሓሪሶንቡርግ ምስ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሰፊሕ ቃለ-ምሕትት ኣካይዶም። ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ-ምሕረትን ብዛዕባ ኤርትራውያን ነበርቲ እቲ ከተማን ኩነታቶምን ኣብ ጋዜጣን ቴለቪጅንን ብሰፊሕ ጽሒፎምን ኣቓሊሖምን እዮም። ኣብ ስቴት ቨርጂኒያ ከተማ ሓሪሶንበርግ ኤርትራውያን ብስደት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዝመጹ  ክፋል ህዝብና ካብዚ ቀረባ ዓመታት ግርም መተእኻካቢትን መትከሊ እግርን ትከውን ዘላ ጽቡቕቲ ከተማ እያ።

ኣብ ቦኽሪ ክብረ-በዓል ኪዳነ-ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ቨርጂኒያ ካብ ዝተፈላለየ ክፍለ-ግዝኣታት ሰሜን ኣሜሪካ ብዝመጹ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ኣቦታት ውሉደ-ክህነትን ኣባ ሄኖክ፥ መልኣከ-ሰላም ቀሺ ወልደትንሣኤ፥ ቀሺ ሓለፎም፥ መሪጌታ ዳንኤል፥ ዲያቆን ኣብርሃለይን ዲያቆን ሮቤል፥  ኣብኡ ብዝጸንሑ ኣቦታት ቀሺ ባህታ፥ ቀሺ መሓርን ዲያቆን ኣብርሃምን፥ ከምኡውን ካብ መድኃኔ-ዓለም ዋሽንግቶን ዲስን ካልእን ብዝመጹ ኣማኢት ኣቦታትን ኣዴታትን መንእስያት ደቅናን ብጽቡቕ ደሚቑን ማዕሪጉን ተኸቢሩ ውዒሉ። ሓደ መንእሰይ ድማ ብኢድ ብፁዕ ኣቦና ኣንባቢ ክኸውን ጸሎተ-ቡራኬን ግቡእ ሥርዓትን ተፈጺሙሉ። ኩሉ ህዝቢ ምሳሕ ንግደት ናይ ኪዳነ ምሕረት ምስ ተሰሰየ፥ ካብ ሰዓት 4ተ ድሕሪ ቀትሪ “ንዓመታ የጽንሓና ጎይታ” ብዝብል መሳጢ ጸሎትን መዝሙር ልመናን ብሰላም ነናብ ቦትኦም ተፋንዮም።

በረኸት ኣዴና ኪዳነ-ምሕረት ንኹልና ኣይፈለየና!

ልኡኽ ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃንን ተዋሕዶ ዶት ኦርግን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div