S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ከም-ዝፍለጥ መሠረት ክርስትና ወንጌል ስለ-ዝኾነ፥ ክርስትና ብዘይ ወንጌል ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ክርከብ ኣይምኸኣለን። ስለዚ ድማ’ዩ እቲ

ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዝግበር ጠቕላላ ኣገልግሎት፥ ኣብ መሠረት-ወንጌል ዝረገጸ ኮይኑ ክርከብ ዝግባእ። ይኹን እምበር እቲ ክኸውን ዝግብኦ ሓቂ’ኳ፥ ከምዚ ዝተባህለ ምዃኑ ዝፍለጥ እንተኾነ። ኣብ ተግባር መጺእካ ክርአ ከሎ ግና፥ እቲ ኣብ ኣብያተ-ክርስቲያናትና ክግበር ዝርአ ዘሎ ኣገልግሎት፥ ወንጌል-ማእከል ዝገበረ’ዩ ክንብል ከም-ዘይንኽእል፥ እቶም ኣብቲ ኣገልግሎት ዝርከቡ ኩሎም ከረጋግጽዎ ዝኽእሉ ሓቂ’ዩ።

ይኹን እምበር ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ ግዜ፥ በቲ ዝመጻእናዮ መንገዲ ቀጺልና ክንከይድ ንረብሓ ቤተ-ክርስቲያንና ክኸውን ከም-ዘይክእል፥ ኣረጋጊጽካ ክዝረብ ዝከኣል ሓቂ’ዩ። ርግጽ’ዩ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ቀዳምነት ሂብካ ክሥርሓሉ ዝግባእ፥ ኣዚዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ስለ-ዝነበረ፥ እቲ ሓዲሽ-ጉዕዞ ኣብ 1983 ዓ/ም (1991) ክጅመር ከሎ፥ ዕቱብ ኣቓልቦ ተዋሂቡዎ ክሥረሓሉ ዝግብኦ  ጉዳይ’ዩ ነይሩ። በቲ ሲኖዶስ ግቡእ ቈላሕታ ስለ-ዘይረኸበ ግና፥ ዝኾነ ምትዕርራይ ከይተገብረሉ’ዩ፥ ከምቲ ዝነበሮ ኮይኑ እቲ ጉዕዞ ክቕጽል ጸኒሑ። ግዳስ ብኸምቲ ዘለዎ ክቕጽል ስቕ ኢልካ ምግዳፉ፥ ቤተ-ክርስቲያን ክትረብሓሉ ትኽእል’ያ ዝበሃል ከም-ዘይኮነ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ዓቢይ ኣቓልቦ ክገብረሉ ኣዚዩ ኣገዳሲ’ዩ።

ኣብቲ ነዊሕ ናይ ቤተ-ክርስቲያንና ታሪኽ እንተረኤናዮ፥ ብድሕሪ’ቶም በዓል ጽቡቕ-ዝኽሪ ዝኾኑ ኣቡነ-ሰላማ ከሣቴ-ብርሃን፥ እቲ መጓሰ-ተዋሕዶና ግቡእ ሓለዋን ጉስነትን ረኺቡ’ዩ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስልን። ከመይሲ እዚ’ውን ርእሱ ዝኸኣለ ብዙሕ ምኽንያታት ክቐርበሉ ይከኣል’ዩ። ማለት በቲ ሓደ ወገን እታ ዓባይ ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያን፥ ኣብ ትሕቲ ዕብለላ ምስልምና ስለ-ዝወደቐት፥ ናብዚ ናብ ምድሪ-ሓበሻ ጳጳሳት ተላኢኾም ክመጹ፥ ኣዚዩ ከቢድን ጽንኩርን ክኸውን ከሎ፥ እቶም ዝርካቦም ዝመጹ ዝነበሩ ጳጳሳት’ውን፥ ኣብ ምድሪ-ሓበሻ ምስ-ዝነብሩ ቋንቋታት ዝፋለጡ ብዘይ ምንባሮም፥ እቲ ኣገልግሎት በዘፈቀደ ዝኸይድ ኮይኑ እንተ-ተረኽበ ዘገርም ኣይነበረን።

በቲ ካልእ ሸነኹ ክርአ ከሎ’ውን፥ እቲ ኣቦ ዜማታት ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ቅዱስ-ያረድ፥ ኣብ 6ይ-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን ዝነበረ ከም-ምዃኑ መጠን፥ እቲ ጣዕሚ-ዜማኡ ብዘሕደሮ ከቢድ ጽልዋ፥ እቲ ዉሉደ-ክህነትና ምሉእ-ብምሉእ ኣተኩሮኡ፥ ናብ ዜማታት ኣቢሉ ከም-ዝጥምት ስለ-ዝገበረ፥ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ብብዝሒ-ዜማ  ዝተዓብለለ ኮይኑ ንኽርከብ፥ ርእሱ ዝኸኣለ ጽልዋ ነይሩዎ’ዩ ክበሃል ይከኣል። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ እቲ ኣገልግሎት-ወንጌል፥ ዝግብኦ ትዅረትን ኣቓልቦን ተዋሂቡዎ’ዩ ጸኒሑ ክበሃል ዝከኣል ኮይኑ ኣይንረኽቦን።

ብዝተፈልየ እቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን፥ እቶም ካብ መዓርገ-ክህነት ወጻኢ ዝነበሩ “ደባትር” እናተቘጻጸሩዎ ምስመጹ፥ ንሳቶም ድማ ምሉእ ጠመተኦም ኣብ ዜማታት ስለ-ዝነበረ፥ እቲ ንኣግልግሎት-ወንጌል ክኸውን ዝነበሮ ባይታ፥ እናጸበበ ክመጽእ ከም-ዝኽእል ምርድኡ ኣየጸግምን። በዚ ምኽንያት እዚ’ውን፥ እቲ በቲ እዋን’ቲ ትዅረት ጌርካ ዝሥረሓሉ ዝነበረ ሥርዓተ-ትምህርቲ፥ ኣብ ጸዋትወ-ዜማ ዝጸቅጥ ኮይኑ ክርከብ፥ ከም ቅቡል ክውሰድ ክኢሉ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ እቲ ኣገልግሎት-ወንጌል፥ ከምቲ ክኾኖ ዝግብኦ ዝነበረ፥ ኮይኑ ክርከብ ኣይከኣለን። እዚ ግጉይ ዝኾነ ናይ ኣገልግሎት ልማድ’ዚ ድማ፥ ክሳብ ሕጂ ከም ቅቡል ተወሲዱ ክሥርሓሉ ይርከብ ምህላዉ፥ ክንእደና ዝኽእል ኣይኮነን።  

ርግጽ’ዩ እዚ ጉዳይ’ዚ ከም ክብደቱን ኣገዳስነቱን መጠን፥ ሥርዓት ኣብ ምትሓዙ ብዙሕ ክሥርሓሉ’ዩ ዝግባእ ነይሩ። እንተኾነ ኣብቲ መንበረ-ፓትርያርክ፥ ክብደት እቲ ጉዳይ ክርድኦ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ሲኖዶስ ስለ-ዘይተረኽበ፥ ከም ኣርእስቲ ተላዒሉ ተዘትዩሉ ዝበሃል ታሪኽ’ውን የልቦን። ሕጂ’ውን እንተኾነ ካብቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ሲኖዶስ፥ ዝኾነ ትጽቢት ክግበር ከም-ዘይከኣል፥ ቁርጹ ዝተፈልጠ ጉዳይ ምዃኑ ዘንጊዕናዮ ማለት ኣይኮነን። ብውግዘት ተኣሲሩ ካብ ዝርከብ ሲኖዶስ’ውን፥ ዝኾነ ትጽቢት ክግበር ኣይከኣልን። እቲ ኣብ ስደት ኮይኑ ምእንቲ ክብርን ዕቤትን ትንሣንኤን ቤተ-ክርስቲያን ዝቃለስ ዘሎ ደ-ክህነት ግን፥ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ክህልዎ ዝግብኦ ሓላፍነት ክዝንግዖ ይኽእል’ዩ ኣይንብልን።

ስለ-ዝኾነ’ውን እቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት መንበረ-ማርቆስ ጸኒዑ፥ ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ዓቃቤ-መንበርነት፥ ክምራሕ ዝርከብ ዘሎ መንበር፥ ወንጌል-ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት ኣብ ምትእትታው፥ ኣበርቲዑ ክሠርሕ ዘለዎ ሓላፍነት ይዝንግዖ’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ስለዚ’ውን ኣብዚ ውድድር ዝበዝሖ ግዜ ንርከብ ከም-ምህላውና መጠን፥ ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት-መድረኽ፥ ተመረጽቲ ኮንና ክንርከብ ዘኽእለና ምድላው ክንገብር፥ ንጽባሕ ዘይበሃል ዕማም ኮይኑ ይርከብ ምህላዉ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ብዝተረፈ ነዚ ሕቶ’ዚ መልሲ ከየዳሎና፥ ነቲ መንእሰይ-ወሎዶና ተዛሪብና ከነስምዖ ዘኽእለና ቋንቋ ክንረክብ ንኽእል ኣይመስለናን።

ደሓር ከኣ ኣብ 21-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን ንርከብ ከም ምህላውና መጠን፥ በቲ ክሥረሓሉ ዝጸንሐ ልማድ ቀጺልና ክንከይድ፥ ቤተ-ክርስቲያንና ክትረብሓሉ ትኽእል’ያ ዝበሃል ኣይኮነን። በዚ ኣሠራርሓ’ዚ ክንቅጽል ንኽእል ኢና ኢልካ’ውን ክሕሰብ ኣይከኣልን። ስለዚ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብሓላፍነት ዝርከቦ ኮሚቴ ብምምዛዝ፥ እቲ መጽናዕቲ ክጅመር ካብ ምግባር ካልእ ኣማራጺ ክርከብ ይኽእል’ዩ ኣይንብልን። በቲ ካልእ ሸነኹ ክርአ ከሎ’ውን፥ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ክግበር ዝርአ ኣገልግሎት ኩሉ፥ እቶም ውሉደ-ክህነት ንበይኖም ዝዋስኡሉ ደኣምበር፥ ንማኅበረ-ምእመናን ዘሳትፍ ባይታ ጸኒሑ’ዩ፥ ሕጂ’ውን ኣሎ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

እዚ’ውን ካብቲ ትዅረት ተዋሂቡዎ ክሥረሓሉ ዘለዎ ኣገዳሲ ጉዳይ’ዩ። ከመይሲ እቲ ኣብ “-ኣሜን-” ጥራይ ተሓጺሩ ዝርከብ ዘሎ ኣማኒ-ሕዝቢ፥ ኣብቲ ኣግልግሎት ተሳታፊ ክኸውን ዘኽእሎ ባይታ፥ ክፍጠረሉ ዘለዎ መሰል ክሕለወሉ ክኽእል ኣለዎ። ብዝተረፈ “በድሮ በሬ ኣይታረስም” ከም-ዝብሉዎ ዓደምሓራ፥ በቲ ዝጸንሐ ልማድ ደኣ ንጐዓዝ ዝበሃል እንተደኣ-ኮይኑ፥ ምስቲ ሕጂ ዘሎ ብንቕሓት ዝልለ-ወለዶ፥ ከሳንየና ዝኽእል ኮይኑ ክርከብ ኣይክእልን’ዩ። ስለዚ’ውን እቲ ጉዳይ ብኣጣቓላሊ ክርአ ከሎ፥ ወንጌል-ማእከል ዝገበረን ንማኅበረ-ምእመናን ዘሳትፍን ኣሠራርሓ ከነተኣታቱ፥ ንጽባሕ ኢልና ኣወንዚፍና እነቐምጦ ጉዳይ ክኸውን ከም-ዘይግባእ፥ ዘይንርድኦ ኮንና ክንርከብ ዘንእደና ኣይኮነን።

ከም-ዝፍለጥ ቤተ-ክርስቲያንና ንሕቶ መንእሰያት ብዝምልከት፥ ብዙሕ ዝጽበያ-ሥራሕ ከምዘሎ ከም-ርዱእ ዝውሰድ እዩ። ከመይሲ በቲ ዝግበር ኣገልግሎት ዕግበት ስለ-ዘይብሎም፥ ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ-ክርስቲያን ኣለዉ ክንብል ከም-ዘይንኽእል ንፈልጥ ኢና። እምበኣርከስ እዚ መንእሰይ-ወሎዶ ናብ ቤቱ ክምለስ ዝድለ እንተደኣ-ኮይኑ፥ ኣሠራርሓና ከነጽፍፍን ቤትና ከነመዓራርን ክንክእል ኣሎና።

ካህን ተክለማርያም ምርካጽዮን
ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div