S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንምዃኑ ኣብ ኤርትራ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣሎ ዲዩ?

ሲኖዶስ ዝብል ቃል ብመሠረቱ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝመንጨወ መጸውዒ ስም ኮይኑ ናይ ጳጳሳት ጉባኤ፥ ናይ ጳጳሳት ሕብረት፥ ናይ ጳጳሳት ኣኼባ ወዘተ ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ሲኖዶስ ዝብል መጸውዒ ስም ኣብ ከባቢ መበል 14 ክፍለ ዘመን ኣብ ቤተ ክርስቲያን

ዝጀመረ ምዃኑ ናይ ታሪኽ ጽሑፋት ይገልጹ። ገለ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸሓፍቲ ድማ ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ክዝውተር ከም ጀመረ የዘንትዉ። ቅዱስ ሲኖዶስ ክንብል ከሎና እምበኣር ብመንፈስ ቅዱስ ሕርየትን ጻውዒትን ብሕጋውን መንፈሳውን ኣገባብ፥ ብሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ዝተመርጸ ፓትርያርክ ዝመርሖ ጉባኤ ጳጳሳት ናይ ሓንቲ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ምምሕዳራዊ ኣካል እዩ። ቅዱስ ፓትርያርክ ዘይብሉ ጉባኤ ግና ቅዱስ ሲኖዶስ ተባሂሉ ክጽዋዕ ብፍጹም ዘይከኣልን ዘይግባእን ጌጋ ኣበሃህላ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ኣብ መንፈሳዊ መዓርግ ኣጸዋውዓ ንጳጳስ ብፁዕ ንብሎም፥ ንፓትርያርክ ድማ ቅዱስ ተባሂሎም እዮም ዝጽውዑ።

እምበኣር ቅዱስ ሲኖዶስ ማለት ብቅዱስ ፓትርያርክ (ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት) ዝምራሕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጳጳሳት ኣብ ዶግማዊ፥ ቀኖናዊ፥ ምምሕዳራውን ከምኡውን ኣብ መንፈሳዊ ሕግን ሥርዓትን ተመርኵሶም ንኹሉ ጉዳያት ቤተ ክርስቲያን ብጉባኤ ተኣኪቦም ብሓቅን ጽድቅን፥ ብጸሎትን ናይ መንፈስ ቅዱስ መሪሕነትን ውሳኔታት ይኹን ኣዋጃት ዘጽድቕን ዘመሓድርን ርእሰ-መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን እዩ።

ብቡራኬ ቅዱስ ፓትርያርክ ዘይምራሕ ጉባኤ ጳጳሳት ግና ቅዱስ ሲኖዶስ ኣይበሃል እዩ። እንታይ ደኣ ጉባኤ ጳጳሳት ወይ ጊዝያዊ ሲኖዶስ ክበሃል ይኽእል። ንኣብነት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ቅድሚ ፩ይ ፓትርያርክ ኣቡነ ፊልጶስ ምሻሞም ካብ 1993 ክሳብ 1998 ኣ.ፈ 13 ኣባላት ብዝነበርዋ ጊዚያዊ-ሲኖዶስ ትመሓደር ነበረት። ቀዳማይ ፓትርያርክ ምስ ተሾሙ ድማ  ብቅዱስ ፓትርያርክ ዝምራሕ ጳጳሳት ጥራይ ዝሳተፍዎ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቖመት።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ርትዕት ሃይማኖቶሙ ለቅዱሳን ኣበዊነ እንዳበሉ እቶም ውፉያትን እሙናትን መንፈሳውያን ኣቦታትና ንብዙሕ ተጻብኦታትን ከቢድ ፈተናታትን ተጻዊሮም ኣባናን ኣብ ዘመንናን ኣብጺሖማ ብሕድሪ-እምነት ድማ ነዚ ዘሎ ወለዶ ኣረኪቦሞ ናብ ኣምላኾም ሓሊፎም እዮም። ከምቲ ሕድሪ ዝሃብዎ ኣየጥፍእ፥ ኣጸብቕ ዝበልዎ ኣየኽፍእ ዝብል ምስላ ወለድና ዘሎ፥ ነፍሲ ወከፍ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ድማ ነቲ ኣብዛ ዓባይን ጥንታዊትን ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን ህዝባን ዝወረደን ገናውን ዝቕጽል ዘሎን ከቢድ ዕንወትን ምፍልላያትን ፖለቲካዊ ውዲት ዝተሓወሶ ኣጀንዳ ምዃኑ ብግቡእ ተረዲእና ሓቅን ሕግን ሒዝና ንሓሶት፡ ሓሶት እዩ ክንብል፥ ንዝተጋገዩ ክንእርምን ክርስቲያናዊ ሓላፍነት ኩልና እዩ።

እምበኣር ናብቲ ኣገዳሲ ኣርእስትና ንምዃኑ ኣብ ኤርትራ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣሎ ዲዩ? ዝብል እዋናዊ ርእሰ-ጉዳይና ንመለስ እሞ፥ ካብ ግጉይ ስምዒትን ዘይክርስቲያናዊ ሻርነትን ርሒቕና ብልቦናን ርድኢትን ሕግን ሥርዓትን ንመንፈሳዊ ኵነታትናን ህልው ምምሕዳር ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያናን ህድእ ኢልና ንገምግም።

ብዙሓት ከም ንዝክሮ ካብ 18 ሓምለ 2005 ኣ.ፈ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር መንበረ ፓትርያርክ ብዘጋጠመ ረቂቕ ፍሕሶ ሰይጣንን ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ሰብ እዋንን ተሃንዲሱ፥ ብምትላል ገለ ጳጳሳት ዝተፈረመ ካብ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዝኾነ መኣገዲ ክሲ ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ተጻሒፉ ብተብ-ተብ ተዘርጊሑ እዩ(መወከሲ ርአ)

 

ካብዚ ዕለት እዚ ንደሓር ቅዱስ 3ይ ፓትርርያርክ ካብ ጉባኤ ጳጳሳት ተሰጕጎም፥ ቤት ጽሕፈቶም ተዓሺጉ፥  ቴለፎኖምን ፋክሶምን ተበቲኹ፥ መኪንኦም ተኣጊዶም፥ ልብሰ ግርምኦም፥ በትሪ ጕስነቶም፥ ማኅተም መሪሕነቶም ብዓመጽን ሓይልን ተሓዲጎም። ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ድማ ድሕሪ እዛ ዕለት እዚኣ ብወግዒ ኣብቂዑን ኣኽቲሙን እዩ። ብተወሳኺ ብ13 ጥሪ 2006 ኣ.ፈ ከኣ ቃል-ቅዱስ ፓትርያርክ ከይተሰምዐ፥ ማእከላይ ዳኛ ከይቀረበ፥ ፍርዲ ከይተዋህበ፥ ካብ ኩሉ ሓላፍነትኩምን ማዕርግኩምን ኣውሪድናኩም ዝብል ዘስደምም ዳብዳቤ ተጻሒፉ ናብ ኩለን ቤተ ክርስቲያንናት ተላኢኹ። ኣድማን ዕልዋን ጳጳሳት ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ-ፓርትርያርክ ዝብልኹም ጸሊም-ታሪኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይመንፈሳዊ ኣሰራርሓ እዩ።(መወከሲ ተመልከት)

 

ብድሕሪ መስጎግትን ማእሰርትን ቅዱስ 3ይ ፓትርያርክ፥ ሓፈሻዊ መሪሕነትን ምምሕዳርን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ተራ ጭዋ ሰብ ልኡኽ መንግሥቲ ኤርትራ ዝኾነ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ እዩ ወዲቑ። ኣቶ ዮፍታሄ ገባርን ሓዳግን፥ ፈጻማን ኣፈጻምን ኵሉ ጉዳያት ቤተ ክርስቲያን ምስ ኮነ፡ ተጸዋዕነቱ ብቀጥታ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት፥ ብምትሕብባር ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ብደገፍ ገለ ጳጳሳትን ተሓጊዙ፡ ብስም ቅዱስ ሲኖዶስ እናጸሓፈ፡ ኣብ ምሕያር ፓትርያርኽ፥ ምእሳር ሊቃውንቲ ውሉደ-ክህነት፥ ምስጓግ ትጉሃት ኣገልገልቲ፥ ምፍርራሕን ምጭቋንን ኣመንቲ፥ ምብራስ ገዳማት፥ ምዝማት ሃብትን ሙዳየ-ምጽዋትን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብሓፈሻ ዝፈጸሞ ዘይንቡርን ጽዩፍን ኣሰራርሓ ንግዜን ጸሓፍቲ ታሪኽን እንተ ገደፍናዮ ይሓይሽ።

ኣምበሳዶር ድርግ ዝነበረ ኣቶ ዮፍታሄ፡ ትጋገ ኣሎኻ ዓገብ ንዝበልዎ፡ ንዝሰንዖ ሕጊ እምቢ ኢሎም ንዝተቓወምዎን ምእዛዝ ንዝኣበይዎን ካህናት ይኹኑ ዲያቆናት፥ ከምኡውን ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻኢ ሃገራትን ንዝነብሩ፥ ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ብውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ  ክህነትኩም፡ ዲቁናኹም፥ ማሕድሮኹም ተታሒዙ ኣሎ። ተወጊዝኩም ኣሎኹም እናበለ ትሽዓተ (9) ዓመታት ዝጸሓፎ ደብዳቤታት ውሑድ ኣይኮነን።

ሓቂ ምሳሕ እግዚኣብሔር እዩ! ዝብል ክቡር ምስላ ወለድና ብግቡእ እንተደኣ ተረዲእናዮ ሓሶት ከኣ ድራር ሰይጣን ምዃኑ ንምፍላጡ ኣየጸግመናን እዩ። እሞኸ ደኣ፡ እስከ ግደ ሓቂ ንዛረብ። ካብ መፋርቕ 2005 ኣ.ፈ ጀሚሩ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝበሃል ሕጋውን መንፈሳውን ነጻ ምምሕዳር ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣሎ ዲዩ ኣብ ኤርትራ?ዘይ ቅዱስ፡ ቅዱስ ዝብል ሽም እንተ ተለጠፈሉ፥ ንኸታሪ፡ መሓሪ እዩ እንተበልካዮ፥ ንገባሪ ክፉእ፡ ገባሪ ሠናይ እዩ እንተ ተባህለ፥ ንሕጊ-ኣልቦ፡ ሕጋዊ እዩ ኢልካ እንተ ተቐቢልካዮ፥ ንኣምላኽ ምሕዛንን ንነፍስኻ ምትላልን እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ዝርከቦ ጽቡቕ ፍረ የብሉን። ስለዚ ነቲ ትሽዓተ ዓመታት ብዋና ኣማሓዳሪ ጭዋ ኣቶ ዮፍታሄ ዝተፈጸመን ዝተወሰነ ኩሉ ጉዳያት ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ውሳኔ እዩ ኢልና እንተደኣ ተቐቢልናዮ፥ ከም ሓሰውቲ መሰኻኽር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ብታሪኽን ከም ዘሕትተና ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ስለምንታይሲ ፍረድ ንነብስኻ፥ ብላዕ ንኸርስኻ እዩ ነገሩ። ኢሳ 5፡20።

በዚ መሠረት ኣብ ኤርትራ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝበሃል የሎን። ምኽንያቱ ቅዱስ ሲኖዶስ እንተ ዝህሉ ብቅዱስ ፓትርያርክ ምተመርሐ፥ ቅዱስ ስራሕ’ውን ምሰርሐ ነይሩ።

ብሓቂ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኤርትራ እንተ ዝህሉ፡ ንሕጋዊ 3ይ ፓትርያርክ ኣውሪድካ፡ ንዓለማዊ ምምሕዳር ኣቶ ዮፍታሄን ንትእዛዝ  ህግደፍን፡ ዓሰርተ ዓመት ኣሜን! እሺ! ኢሉ ኣይምተቐበሎን

ኣብ ኤርትራ ቅዱስ ሲኖዶስ እንተ ዝህሉ፡ ነቲ ብወግዒ ዘይተዘየሉን ኩሉ ሰብ ከይፈለጦን ብውልቀ-ሰባት ቀሺ ሃብቶም ኣቶ ዮፍታሄን ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይን ዝተነድፈ ውጉዝ ሕጊ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያንና እዩ ተባሂሉ ዓሰርተ ዓመት ኣይምተሰርሓሉን ነይሩ።

ኣብ ኤርትራ ቅዱስ ሲኖዶስ እንተ ዝህሉ፡ ስለምታይ ደኣ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብን ሥርዓትን ነቲ “ፓትርያርክ ብሕይወቱ ከሎ፥ ካልእ ፓትርያርኽ ኣይሽየምን እዩ” ዝብል ጥንታዊ ቅዱስ ተጣሒሱ? እዚ’ውን ድሌት መንግሥቲ ኤርትራ እንተዘይከውን ስለምንታይ 4ይ ፓትርያርክ ተሸይሞም ንዝብል ናይ ሓሶት ተዋስኦ ተቐቢልዎ?

ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኤርትራ እንተ ዝህሉ፡ ስለምታይ ደኣ ነዚ ኩሉ ምዕስካር ውሉደ-ክህነት፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፥ ምብራስ ገዳማት፥ ዕንወት ቤት ኣምላኽ፥ ማእሰርቲ ንጹሃት ሰባት፥ ማእለያ ዘይብሉ ስደትን ዝተደራረበ ከቢድ ሞትን ዓገብ ክብልን መንፈሳዊ ሓላፍነቱ ክስከም ዘይከኣለ? እወ! ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኤርትራ እንተ ዝህሉ፡ ስለምታይ ደኣ ነዚ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ዘሎ ባእሲ፥ ክሲ፥ ምፍልላይ፥ ውግዘትን ምብራስ መንእሰያትን መፍትሕን ዕርቅን ዘይገብረሉ?

ስለዚ እምበኣር ሕጂውን ኣብ ኤርትራ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝበሃል ብቅዱስ ፓትርያርክ ዝምራሕ፡ ነጻ ዝኾነ ሕጋዊ መንፈሳዊ ምምሕዳር ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከምዘየሎ ኩሉ ቅኑዕ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ኣረጋጊጹ ክፈልጦን ክርድኦን ይግባእ። ስለምታይሲ እዚ ሕጂ ብድሕሪ ምግላፍ ኣቶ ዮፍታሄ ዝርአ ዘሎ ኣካይዳውን ብስም ቅዱስ ሲኖዶስ፥ ወይ ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ እናተባህለ ዜናታትን መአዘዚ ጽሑፋትን እኳ ዝለኣኽ እንተኾነ፥ እቲ ጭቡጥ ሓቂ ግና ብኮሎኔል ሰመረ በይን ሓላፊ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን፥ ብሃገራዊ ድሕነትን ካልኦት መንግሥታዊ ሰበ-ሥልጣን ኢድ ኣእታውነት ዝመሓደር ኣጀንዳ መንግሥቲ ዝፍጽም ብዓብላልነት ኣቡን ሉቃስን ተቖጻጻርነት ግርማይ ካሕሳይን (ቅያር ዮፍታሄ) ዝጎዓዝ ደኣ እምበር ብሕግታት ኣምላኽ ዝኸይድ መንፈሳዊ ምምሕዳር ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣይኮነን። 

ይኹን ደኣ እምበር እዛ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከም ኩለን ኣኃት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም፥ ካብዚ ዘላቶ ከቢድ መንፈሳዊ ውድቅት ዳግማይ ተንሢኣ ብማእከልነት ሕጋዊ ፓትርያርክን ብስሙር መሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ናብ ጎደና ሓቅን ጽድቅን ትግሥግሰሉ እዋንን ዘመንን ርሑቕ ከም ዘይከውን ተስፋናን ጸሎትናን ወሰን የብሉን። ስለምታይሲ እቲ ብዓቕሚ ሰብ ከቢድን ርሑቕን ዝመስል፡ ነቲ ልዑለ-ባሕርይ ዝኾነ መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ግና ኣዝዩ ቀሊልን ቀረባን ስለ ዝኾነ። ማር 10፡27።

ልዑል እግዚኣብሔር ነዚ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ዮሓንስ፡ ዘመነ ዕረፍትን ሰላምን ይግበረልና!!!

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም                                                                                   
ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶካስዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሻርሎት
ሕቡራት መንግስታት ኣሜካ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div