ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ ስለ ስሙ ብዝምስክርዎ መጠን ክቕበልዎ
ዘለዎም መከራ ምስ ነገሮም። “እቲ ብጸልማት ዝነገርኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፣ኣብ እዝንኹም እትሰምዕዎ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ” /ማቴ 10፡27/ ኢሉ ክርስትና ናይ ብርሃንን ግሉጽነትን መገዲ ህይወት ደኣምበር ናይ ሕብእብን ሽፍንፍንን ከም ዘይኮነ ድሕሪ ምንጋር ነፍሲ ወከፍ ሃዋርያ መመስቀሉ ጸይሩ ክስዕቦ ከም ዘለዎ ንምምልካት ከምዚ በሎም፣- “እቲ መስቀሉ ጸይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ” ማቴ 10፡38/። ሃዋርያት ድማ ነዚ ቃል ጐይታ ኣብ ተግባር ብምውዓል መስቀሎም ጸይሮም ክሳብ ሞት እሙናት ኮይኖም እዮም። ኣብዚ ልቢ ክንብሎ ዘለና “መስቀለይ” ዘይኮነ “መስቀሉ” ምኽንያቱ ቀራንዮ ምስ እንርኢ ናይ ክርስቶስ መስቀል ሎሚ ባዶ እዩ፣ ንምንታይ ባዶ ኮይኑ ምስ እንብል ንሕና ምእንቲ ክንስቀለሉ እዩ። መስቀሉ እሞ ባዕሉ ካብ ቤተ ልሄም ክሳብ ቀራንዮ ጸይርዎ እዩ።
መስቀል መከራ እዩ። ክርስቶስ ኣምላኽና ንደቂ ሰባት ድሕነት ክብል ክሳብ መስቀል መሪር ሞት እዩ ተዓጊሱ። ናብቲ ሕፍረት ዘበለ ንዒቑ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጎስ ክሳብ መስቀል ምማት ዝተዓገሰ… /ዕብ 12፡2/ ይብል እቲ ሃዋርያ፣ቀጺሉ’ውን ‘መልክዕ ባርያ ብምውሳድ…ክሳብ መስቀል ሙማት ተኣዘዘ ይብል /ፊሊጲ 2፡7-8/። በዚ ናይ መስቀል ናይ ድሕነት “ኣብ ክንዳና መርገም ብምዃን /ገላ 3፡13/ ሰላምን ዕርቅን ድህነትን ንዓለም ሃበ “በመስቀሉ ገብረ ሰላመ፣ ብምሰቀሉ ሰላም ገበረ”። ሃዋርያት ድማ ነዛ ናይ መስቀል መልእኽቲ ተቐቢሎም ንዓለም ክሰብክዋን ከበስርዋን ተላዕሉ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ በዓለ ሓምሳ “ንስኻትኩም ኣብ ዕንጸይቲ ዝሰቐልክሞ” /ግብ፣ሃዋ 4፡10/ ኢሉ ብትብዓት ዝሰበኸ። ቅዱስ ጳውሎስ “ንሕነሰ ንሰብክ ክርስቶስሃ ዘተሰቅለ ብምባል ነታ መስቀል ክርስቶስ ኣይገደፋን፣ እኳ ደኣ “ኣነስ ስምብራት ክርስቶስ እጸውር ኣለኹ” /ገላ 6፡17/ እዩ ዝበለ። ኣብ መጽሓፈ ቅዳሴና ከም ንብሎ “ምስጢረ ኅቡአ በዲበ መስቀል ዘአንተ አርአይከ፣ ዝተሰወረ ምስጢር ኣብ መስቀል ዝገለጽካ ንስኻ ኢኻ” ኣይሁድ እዚ ጥበብን ምስጢርን ሓይልን ምድሓንን ኣምላኽ ስለ ዘይተቐበልዎን ዘይኣመንዎን ስለ ዝኸሓድዎን “ኣይሁድ ክሕዱ ንሕነሰ አመነ፣ ኣይሁድ ከሓዱ፣ንሕና ግን ኣመና” ከም ዕሽነት ቆጸርዎ ኣይተቐበልዎን። “ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ፣ንዓና ነቶም እንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ” 1 ቆሮ 1፡18/።
ቅዱስ ጳውሎስ “ግዝረት የድሊ እዩ እናበልኩ ገና ዝሰብኽ እንተ ዝህሉ ኣይመሳደዱንን ነይሮም፣ እቲ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ‘ናይ መስቀል ስብከት’ ከኣ መልገሰ ነይሩ” ገላ 5፡11/። እዚ ናይ መስቀል ስብከት ዕንቅፋት ስለ ዝኾኖም ንመስቀል ክርስቶስን ክርስትናን ከጥፍኡ እዮም ተላዒሎም። ነቲ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ቀበርዎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ድማ ነስታት 3 ዘመን ኮነ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ንንግስቲ ኢለኒ ኣደ ቆስጠንጢኖስ ኣላዒሉ ነቲ ንዘመናት ዝተቐብረ መስቀል ክርስቶስ ከም ዝወጽእ ተገይሩ /ብ10 መጋቢት ተረኺቡ ነገር ግን ግዜ ጾም ስለ ዝኾነ ብቀኖና ቤተ ክርስቲያን 17 መስከረም ኮይኑ፣ ምኹዓት ዝተጀመረሉ እዩ/።
ሎሚከ መስቀል ክርስቶስ ዝቐበርና ክንደይ ኢና? ሰባት ከይብሉና ኢልና ነቲ ብጸልማት ዝረኣናዮ ብብርሃን ከይንምስክር ዝፈራሕና፣ ብእዝንና ዝሰማዕናዮ ከይነዘንቱ ኣእዛና ዝዓጸና? ሓቂ ከይንምስክር መከራን ነቐፋን ዝጸላእና፣ ክርስትና እንታይ ገደሸኒ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ ኢና ዘለና ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ተጋሂሱ እናረኣና ስቅታ ዝመረጽና፣ ንክብርና ዝቖምና፣ ኣብ ምፍልላይን ኣብ ነፍሰ ፍትወትን ዘድሃብና፣ ናይ ቃል ክርስቲያን ደኣምበር ናይ ተግባር ዘይኮና፣ መስቀል ካብ ኣብ ክሳድ ካብ ምንጥንጣል ዘይሓልፍ ንጌጽን ንመልክዕን ኮይኑ፣ ፍቕሪ፣ ሕውነት፣ ሰላም፣ ሕግን ፍትሕን ተቐቢሩ፣ ኣብ ሃገርናን ቤተ ክርስቲያናን ሕጊ ኣልቦነት ነጊሱ። እታ ንነገስታት ሕጊ ሓጊጋ ዝሃበት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ግዜ እዚ ብዛዕባ ሕግን ፍትሕን ክትጣራዕ ክትሰምዕን ክትርእን ከለኻ ዘስደምም እዩ። ለንቀነ ኣብ tewahdo.org ዘንበብክዎ ጽሑፍ፣- “ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዝባን ሕጊ እያ ትብል ዘላ”። ክርስትና ናይ ገንዘብ መዃዕበቲ ኮይኑ። ቅዱስ ጳውሎስ፣- “ብዙሓት ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ” ኢሉ ፊሊጲ 3፡18/። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዙሕ ግዜ ንኻልኦት ኢና ንጠቕሳ ግን ተላይ ነቶም ጣዕምን ተድላን ምቾትን ዓለም ኣፍቂሮም ንስለ ስም ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን መከራን ነቐፋን ጸርፍን ምቕባል ፈሪሖም መስቀል ክርስቶስ ንስማዊ ጥራሕ ኣብ ክሳዶም ዘንጠልጥሉን ንጣዕሚ እዛ ዓለም ዝነብሩን እዩ። ጐይታ ግን እቲ መስቀሉ ጸይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንዓይ ኣይበቅዕን በለ። "ዓለም ግን ሎሚ መስቀል ዘይብሉ ክርስቶስ እያ ትደሊ ዘላ” “ሰብኣይን ደሊኺ ጭሕምን ጸሊእኪ” ዝበሃል ምስላ ንኸምዚ እዩ። ክርስቶስ ደሊኻ መከራ ጸሊእካ ኣይከውንን እዩ። እሞ ነዚ ዘይንምስክር እንተ ኮይና መስቀል እንታይ እዩ ትርጉሙ?
መስቀል መክሊት እዩ፣ ንሰባት ፈሪሕና ምስ እንቐብሮ ከቢድ ቅጽዓትን ፍርድን እዩ ዘለዎ /ማቴ 25፡15-29/። ኣብዚ ዘመን እዚ ገኒነን ዘለዋ ቃላት “ከይብሉናን እንታይ ገደሸካን” እየን። ጐይታን ኣቦታትና ሃዋርያትን ግን እንታይ ገደሸንን ከይብሉንን ኢሎም ዝሓለፍዎ ነገር የለን ስለዚ ንጐይታን ኣቦታትናን ጥራሕ ክንጥምት ኣለና። ጐይታ እንታይ ገደሰኒ እንተ ዝብል ነይሩ ክርስትና ናይ ሓቂ መገዲ ኣይምኾነን ነይሩ። መኽሊትና ከነራብሖ ኣለና እንተ ዘይተጠቂምናሉ ይውሰድ እዩ። ስለዚ መስቀልና ንሰከም። ካብ ፍርሓትን ከይብሉንን ወጺና ብፍቕርን ለውሃትን ኣምላኽና ኣሚንና ጉዕዞ መስቀልን ወንጌልን ንጀምሮ። ኣብ ኩሉ ጉዕዞናን መገድናን ንዕላማ መስቀል ዘኪርና ነቲ ኩሉ ዝዕንቅፈናን ዝፈታተነናን ብመስቀሉ ንገስጾ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቂ፣- “ኩሉ ግዜ ገጽካ ከተማዕትብ ከሎኻ ንዕላማ መስቀል ዘክሮ፣ ከተማዕትብ ከሎኻ ኣብ ውስጥኻ ዝለዓል ሕርቃን ኮነ እኩይ ስምዒት በቲ በጃካ ዝተኸፍለልካ ዋጋ ዘክሮ’ሞ ኣርሕቆ” ኣቦታትና በዚ እዮም ከቢሮም፣ በዚ እዮም ከኣ ስዒሮም።
ዕላማ መስቀል ኣብ ኣቦታትና ዓቢይ ታራ ነይርዎ። ቀደምት ኣበዊነ ናብ ግብጽን የሩሳሌምን ከኸዱ ከለዉ ንዕላማ መስቀል ፈጺሞም ኣይርስዕዎን ነይሮም። ገለ ካብኣቶም ከም እኒ በዓል ኣቡነ ገብረ ክርስቶስ /ዓብደል መሲሕ/ ኣብነት ክንወስድ ንኽእል። በረኻታት ሱዳንን ግብጽን ምድረ በዳን ኣጻምእን ስለ ዝኾነ ብዙሓት ተናደፍቲ ኣራዊት ኣለውዎ ከም ተመን፣ ኣናብር ኣዛብእ ወዘተ…። ብፍላይ ተወርወርቲ ናይ ምድረ በዳ ኣትማን ከም ኮብራ ዓይነት። ኣብ በረኻ ኣብ ዝሓድርሉ ግዜ እምበኣር ነታ ዝድቅሱላ ቦታ ብትእምርተ መስቀል ኣኽብብ ኣቢሎማ ይድቅሱ እሞ ዋላ ሓንቲ ኣይኮኑን። እቶም ኣራዊት ካብታ ዝሓንጸጽዋ ሕንጻጽ ፈጺሞም ኣይሓልፉን ኣብ ጥቓኣ ጥራይ ይርፍረፉ /ይሞቱ/። ትእምርትን ዕላማን መስቀል ኣብ ህይወትና ኣገዳስነት ኣለዎ። ቅዱስ ዳዊት፣- “ወወኀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፣ካብ ፍላጻ ጸላኢ ምእንቲ ክድሕኑ ነቶም ዝፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም” ይብል /መዝ 60፡3/። ቅዱስ ያሬድ’ውን ኣብ ዱጓዓኡ ከምዚ ይብል፣-“መስቀል መልዕልተ ኩሉ ነገር ያድኅነነ እምጸር፣ መስቀል ልዕሊ ኩሉ ነገር ካብ ጸላኢ ድማ የድሕነና” ይብል።
እግዚኣብሄር ንሓይሊ ጸላኢ ብመስቀሉ ይገስጸልና። መስቀሉ ክንጸወር ይደግፈና!።
ርሑስ ቅንያት መስቀል ይግበረልና። ኣሜን።
ቀሺ ኣፈወርቂ
“መስቀል ንዓና እንታይ እዩ?” ይቕጽል……2ይ ክፋል
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ