S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ፥ ንመጀመርታ ጊዜ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ናብ ቦታኦም ይመለሱ ዝብል ኣብ ዝቢ ምስ ተዓወዐ፥ ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ዓቢይ ሓጎስን ፍስሓን ፈጢሩሎም'ዩ። ኣምላኽ ጸገምና ግዲ ወዲኡልና፥ መርገም እዞም ቅዱስ ሰብኣይ ካብ ርእስና ክወርደልና ደልዩ። ቤተክርስትያን ናብ ሰላማ ክትምለስ እያ... ዝብል ተስፋታት ክዝንቢ ጀሚሩ ቀንዩ።

እዚ ድምጺ ተስፋ እዚ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ቄርሎስ ኣቡነ ሰላማ፥ ኣቡነ ዮሓንስ፥ ጳጳሳት ኣቡነ ባስልዮስ፡ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ብምሉእ ድምጺ ኣቦና ይመለሱ ዝብል ኣቋም ብሓጎስ ተቐቢለምዎ ኣለዉ፥ ኣቡነ ጴጥሮስ’ውን ምስቲ ኩሉ ፍርሂን ንእሽቶ ትጽቢት ናይ ፓትርያርክ ምዃን ሓዊሶም ማእከላይ መትከል ወሲዶም ኣለዉ። እዞም ሊቃነ ጳጳሳት፥ ብዕድመ ዝሸምገሉ፥ ብዙሕ ሓጋዚ ዘይብሎም፥ ነቲ ሽርሕን ጉርሕን ብዙሕ ዘይፈልትዎ እኳ እንተኾኑ፥ ብዓቕሞምሲ ብዙሕ ይቃለሱ ኣለዉ። ኣባ ሉቃስን ሰዓብቶምን ግን ኣንጻራዊ መትከል ሒዞም ቲ ድምጺ ተስፋ ሸትኡ ንኸይሃርም ላሕ ይብሉ ለዉ። እቲ ኣንጻራዊ መትከል ሒዙ ንዕርቂ ዝሕሰም ዘሎ ጉጅለ ኣባ ሉቃስ ነዞም ዝስዕቡ ሰባት ዝሓዘ እዩ፥

  1. ኣባ ሉቃስ [ስልጣን ፓትርያርክ ንኽረኽቡ ሃረር ዝብሉ ዘለዉ ኣባ]፥ 
  2. ኣቶ ካሕሳይ ምክትል ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፥  
  3. ኣቶ ሰሎሞን ሓላፊ ክፍሊ ትምህርት፥
  4. ኣቶ ግርማይ ዘርኣይ ምክትል ኣማሓዳሪ ፓትርያርክ፥ 
  5. ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት ኪዳነ ምሕረት ማይ ተመናይ።

ብተወሳኺ፥ እዚ ንዕርቂ ዝሕሰም ዘሎ ጉጅለ ኣባ ሉቃስ፥ ዝኾነ መንፈሳዊ መዓርግ ይኹን መንፈሳዊ ግብሪ ዘይብሉ ጉጅለ እዩ። መንግስታዊ ደገፍ ስለዝርከብ ግና ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑዋ ይርከብ። 2 ጥቅምቲ 2015: ካብ እዚ ክልቲኡ ጉጅለ ንዕርቂ ናብ ግብጺ ክኸይድ እዩ።

ካብ ጉጅለ ጳጳሳት ሲኖዶስ፥

  1. ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ቄርሎስ፥
  2. ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ዮሓንስ፥ ክኾኑ እንከለዉ።

ካብቲ ንዕርቂ ዝሕሰም ዘሎ ጉጅለ

  1. ኣባ ሉቃስ፥
  2. መራሒ ገዳም ደብረ ሊባኖስ
  3. መራሒ ገዳም ኣቡነ ብጹእ ኣምላኽን 
  4. ኣቶ ግርማይ ዘርኣይ

ስለዚ እዚ ንዕርቂ ዝሕሰም ዘሎ ጉጅለ ኣባ ሉቃስ፥ ልክዕ ከምቲ ኣብ 2005 ኣቶ ዮፍታሄ ምስ ፖፕ ሲኖዳ ዝገበሮ ሕልክስና ክፈጥር ይኽእል እዩ። ከመይሲ ቤተክርስቲያን ኣይፈልጣ ቤተክርስቲያን'ውን ኣይትፈልጦን እያ። እንተ ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ግን ሓዋርያዊ ስርሓ ኣይትርስዕን እያ። ንግብጺ ምኻድውን ኣይመድለየን ኔሩ። እቲ ሓቂ ንጹር እዩ፥ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ይግባእ። እንተኾነ፥ ነዚ ድራማ ዘቀናብር ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ህዝቢ ክርስዖ ዘይግብኦ ሓቂ እዩ። መንግስቲ-ኤርትራ ዝሓለፈ ምክፍፋል ይኣክል እዞም ፓትርያርክ ኣብ ቦታኦም ይመለሱ: ዕርቂ ይገበር እንተ ኢሉ፥ ከልካሊ የለን። ቀደሙውን መንግስቲ እዩ ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣውሪድዎም እምበር ጳጳሳት ድኣ ዘይ ብድፊኢት መንግስቲ እዮም ፈሪሞም። ይኹን እምበር እቶም ንቤተ ክርስቲያን ከጥፍእዋ ዝሓሰቡ ኩሎም፥ ንርእሶም ጠፊኦም እዮም። ቤተ ክርስቲያን ግን ትማሊ ነይራ፥ ሎሚ ኣላ፥ ጽባሕ ድማ ክትሉ እያ።

እግዚኣብሔር ሰላሙ የውርደልና።

ኣብሳዲ ገዳማዊ። 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div