S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መስቀል ንዓና እንታይ እዩ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙንመስቀሉ ጸይሩንዓይ ኣይበቅዕን” /ማቴ 1038/ ዝብል ኣቕሪበ ነይረ። መስቀል ምጻር ማለት ድማ እንታይ ምኻኑ ጽሒፈ ነይረ። ሎሚ ድማመስቀል ንዓና እንታይ እዩዝብል 2 ክፋል እንሆ። ኣብዚ ጽሑፍዚ እቲ ቀንዲ መልእኽቱ

ብመስቀል ኣቢልና እንረኽቦ መንፈሳዊ ጥቕምታትን በረከትን እዩ። ስለዚ ክቡራን ኣንባብያን ብዛዕባ መስቀል ክንሓስብ ከሎና ነቲ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዝተቐበሎ መከራን ስቅያትን ክንሓስቦን ከነስተንትኖን ክንዝክሮን ኣለና። እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ንሱ ስለ ዝኾነ። እዚ ዘቕርቦ ጽሑፍ ቅዱስ ፖፕ ሽኖዳ ካብ ዝጸሓፍዎ መጽሓፍ፣ ኣባ ብጂሚ ዝተርጐምዎ /Comparative Theology ምንጽጻር ትምህርተ መለኮት/ ዝብል መጽሓፍ ዘዳለኽዎ እዩ።

መኣዛ ክርስቶስ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፥-

"ኣነ ድማ ኣብ ማኣከልኩም ከሎኹ፣ብዘይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ ሓደ እኳ ከም ዘይፈልጥ መደብኩ…(1 ቆሮ 212) እዚ ማለት እቲ ሓደ ነገር ክፍለጦ ዝደሊ መስቀል እዩ።

1. በዚ እምበኣር መስቀል ንሃዋርያት ናይ ሓበን መድረኽ እዩ ነይሩ፣

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፣- …በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓለም ብእኡ ንዓይ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኮይኑስ፣ ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሓቕ።” /ገላ 614-15/

2.ንሕና ከኣ ብመስቀል ምስ እነማዕትብ፣በቲ ንዕኡ ዝምልከቶ ብዙሕ መንፈሳውን ስነ-ኣምላኾኣውን ትርጉም ንዝክር፣

እቲ ኣምላኽ ዘፍቀረና ንዝክር፣እዚ እቲ ምእንቲ ድሕነትና፣ምእንታና ሞት ዝተቐበለ፣ኩላትና ከም ኣባጊዕ ተባረርና፣ነፍሲ ወከፍና ነናብ መገዱ ዘምበለ፣እግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ኩላትና ኣብኡ ኣውደቖ።” /ኢሳ 536/ ነዚ ድማ መስቀል ኣብ እነማዕትበሉ እዋን ንዝክሮ፣እንሆ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፣በለ።” /ዮሃ 129/ /1 ዮሃ 22/

3. ኣብቲ መስቀል እነማዕትበሉ እዋን ነቲ እተሰቕለ ከም ንክተል ንገልጽ፣

ከምቲ ንሕና ማዕተብ መስቀል ብምልባስና፣ኣብ ቅድሚ ኩሉ ከኣ መስቀል ብምስዓምና፣በእዳውናውን መስቀል ብምዕታብና፣ኣብ ናይ ኣምልኾ ቦታውን ብመስቀል ብምብራኽና እንገልጾ፣እቶም ንመስቀል ብዘይግልጺ ዝኾነ ምልክት፣ብመንፈሳዊ ትርጉሙ ጥራይ ኣብ ልቦም ዝወስድዎ፣መስቀል ምኽታሎም ብግልጺ ኣየርእዩን።ንሕና ንእምነትና ብቓልን ብግብርን እንገልጽ እምበር፣ብመስቀል ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ሰባት ኣይንሓፍርን ኢና፣እንትርፊ ንሕበነሉ ደኣ፣ብእኡ ከኣ ንስየመሉ፣በዓላት ነኽብረሉ….ብእኡ ከኣ ንጸንዕዋላ ከይተዛረብና ብምስልና ጥራይ እምነትና ይገልጽ።

4. ሰብ መንፈስ ወይ ከኣ ኣእምሮ ጥራይ ዘይኮነስ፣ኣካላዊ ህዋሳትውን ኣለዎ፣በዚ ዝተጠቕሰ መገዲ ከኣ ንመስቀል ክድህስስዎ ኣለዎም፣

ብተወሳኺ ኩሎም ሰባት ብዘይ ህዋሳት ከስተውዕሉ ዝኽእሉ ሓደ ዓይነት መንፈሳዊ ደረጃ የብሎምን።ህዋሳት በዚ ኹሉ እተጠቕሰ ሓበሬታ ይረኽቡ እሞ፣ነቲ ጽልዋ ናብ ኣእምሮን መንፈስን የመሓላልፍዎ ደኣምበር ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ኣይዓቑርዎንምናልባትውን ኣእምሮ ንመስቀል ካብ ባዕሉ ክዝክሮ ኣይክእልን ወይውን ኣይዝክሮን።ግን ኣብ ቅድሚኡ መስቀል ተሳኢሉ ምስ ዝርኢ ብህዋሳት ኣቢሉ፣ንመስቀልን ነቲ ዝተሰቕለን ዝምልከት መንፈሳውን ስነ ኣምልኾኣውን ትርጉማትን ይዝክር…. ብኸምዚ ከኣ  ንኣምላኽ ብመንፈስን ኣእምሮን ስጋን ነምልኾ።እዚ ኩሉ ኸኣ ነንሕድሕዱ ይበራታዕ።

5. ንሕናውን ብስቕታ ኣይኮንናን ንመስቀል ኣብ ነፍስና እነማዕትብ፣ምስኡ ድማብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስንንብል።

በዚ ከኣ ኩሉ ግዜ እቲ ናይ ቅድስቲ ብሥላሴ ሓደ ኣምላኽ ሓደ ኣምላኽ ዝኾነ ሃይማኖታዊ መምርሒና ክሳብ ዘለኣለም ንገልጽ ኣሜን።በዚ ከኣ ሥላሴ ኣብ ኣእምሮና ብቐጻልነት ይህሉ፣እዚ ኩሉ ነቶም ከማና መስቀል ዘየማዕትቡ ኣይኮነሎምን እዩ።

6. ብመስቀል ብዛዕባ ተሰጋውነትን ድሕነትን ሃይማኖታዊ መምርሒና ንገልጽ፣

ንሕና ንመስቀል ካብ ላዕሊ ንታሕቲ፣ቀጺልና ካብ ጸጋም ንየማን ምስ እነማዕትብ፣ኣምላኽ ካብ ሰማይ ናብ ታሕቲምድሪከም ዝወረደ ንዝክር፣ንሰብ ከኣ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኣግዓዞ፣ካብ ጽልመት ናብ ብርሃን፣ካብ ሞት ናብ ህይወት፣ክንደይ ኣዝዩ እቲ ኣብ ልብናን ሓሳብናን  ብዛዕባ ትእምርተ መስቀል ዝመጸና ምስትንታን ዝበዝሐ እዩ።

7. መስቀል ኣብ እነማዕትበሉ ግዜ ንደቅናን ንኻልኦትን ትምህርቲ እዩ፣

ነፍሲ ወከፍና ኣብ ንጽልየሉ እዋን፣ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣትወሉ እዋን፣ኣብ ንበልዓሉ እዋን፣ኣብ ንድቅሰሉ እዋን፣ብመስቀል ንዓትብ፣ንመስቀል የዘክረና።እዚ ምዝካር እዚ ንመንፈሳውነት ጠቓሚ ብመጽሓፍ ከኣ ተደላዪ እዩ።ከምኡውን ትምህርቲ ንሰብ ኣለዎ፣ብፍላይ እኳ ነቶም ነኣሽቱ ደቅና ዓቢ ትምህርቲ ይህብ።ክርስቶስ ተሰቒሉ እዩ እቶም ኣብ ንእስነት ዘለዉ ነዚ መስቀል ብንእስነቶም ይለምድዎ።

8. መስቀል ብምዕታብና ከምቲ ትእዛዙ ሞት ጐይታና ነበስር፣

ሞቱ ከነበስር ትእዛዝ እዩ ( እቲ ምእንቲ ተበጃውነትና) ክሳብ ዝመጽእ (1 ቆሮ 1126)።ንሕና ከኣ ትእምርቲ መስቀል ጌርና ኣብ ኩሉ ግዜ ንሞቱ ኢና እንዝክር፣ክሳዕ ዝመጽእ ከኣ ክንዝክሮ ኢና።ከምኡውን ኣብ ምስጢረ  ቁርባን ንቡራኬ ንጥቀመሉ።እዚ ምስጢር ግን ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣይኮነን ዝትግበር፣መስቀል እቲ ክርስቶስ ምእንታና ዝሞቶ እናተዘከርና ኣብ ዝኾነ ግዜ ከነማዕትቦ ንኽእል….

9. መስቀል ኣብ እነማዕትበሉ  እዋን፣ዓስቢ ሓጢኣት ሞት ከም ዝኾነ ንዝክር፣

ምኽንያቱ ብዘይ እቲ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ዝሞተልና።ንሕናብበደልና ምውታትዝነበርና /ኤፌ 25/ ግን ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ኣብ መስቀል ሞይቱ ንዓና ህይወት ሂቡና።ጐይታ ከኣ ኣብ መስቀል ነቲ ዓስቢ ዋጋ ምስ ከፈለ ንኣቦ ከምዚ ዝስዕብ በሎ፣ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም ሕደገሎም

10. መስቀል ብምምዕታብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዝክር፣

መስቀል ናይ ፍቕሪ መስዋእቲ ከም ዝኾነ ንዝክር።ምኽንያቱኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ኩሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር፡ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” /ዮሃ 316/።ኣምላኽ ፍቕሩ ንዓና ከም ዝገለጸ ንዝክር፣ምኽንያቱ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና ክርስቶስ ምእንታና ሞተብሞቱ ከኣ ምስ ኣምላኽ ተዓረቕና /ሮሜ 58/

መስቀል ኣምላኽ ንዓና ክሳብ ክንደይ ከም ዘፍቅረና የዘክረና፣ምኽንያቱሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ከሕልፋ፡ካብዚ ዝዓቢ ፍቕሪ የልቦን።” /ዮሃ 1513/

11. መስቀል ሓይሊ ስለ ዝህበና ኩለንትናና ነማዕትበሉ፣

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ሓይሊ መስቀል ብምስትንታን ከምዚ ዝስዕብ ይብል፣ “…በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ዓለም ንዓይ ብእኡ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኮይኑስ፣ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሓቕ።” /ገላ 614-15/።ከም ኡውን ከምዚ ዝስዕብ ይብል፣ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ፣ንዓና ንእንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።” 1 ቆሮ 118-19/።ኣብዚ ክትግንዘብዎ ዘለኩምሓይሊ መስቀልሲ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ፣ኣይኮነን ዝብል ዘሎ፣ንሱስቃል መስቀል ሓይሊ ኣምላኽ እዩጥራይ ዝበለ።ስለዚ ከኣ ንሕና መስቀል ኣብ እነማዕትበሉ እዋን፣ከምኡውን ንመስቀል ኣብ ንዝክረሉ እዋን፣ብሓይሊ ንምላእ።ምኽንያቱ ጐይታና ብመስቀሉ ንሞት ረጊጹ፣ንኹሉ ሰብ ህይወት ሂቡ።ንሰይጣን ከኣ ከም ዝሰዓሮ ስለ እንዝክር፣ስለዚ ከኣ….

12. ንሕና መስቀል እነማዕትበሉ ምኽንያት ሰይጣን ስለ ዝፈርሆ እዩ፣

ጐይታና ነቲ ኦኣስቢ ስለ ዝኸፈሎ፣ነቲ ካብ ግዜ  ኣዳም ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ዘመን ዝተገብረ ኩሉ ድኻም ሰይጣን፣ኣብ መስቀል ከንቱ ኮነ፣ነቶም ዝኣመንዎን ዝተኣዘዝዎን ሰባት ከኣ ንኹሉ ሓጢኣቶም ብደሙ ኣጽረዮ፣ስለዚ ሰይጣን ኩሉ ግዜ መስቀል ኣብ ዝርእየሉ እዋን ነቲ ኣዝዩ ዓቢ ስዕረቱ ብምዝካርን እቲ ኩሉ ሓይሉ ብምጥፋእን፣ይሓፍርን ይንቅጥቀጥን ይሃድምን።

ስለዚ ድማ እዮም ደቂ ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ናብራ ህይወቶም መስቀል ንምልክት ዝጥቀሙሉ፣ናይ ስዕረትን ዓወትን ምልክት ገይሮም ስለ ዝቖጽርዎ ወይ ከኣ ንሱ ሓይሊ ኣምላኾም ስለ ዝኾነ እዩ።ብወገንና ኣብ ውስጢ ሓይሊ ንምላእ፣እቲ ጸላኢ ግን ኣብ ወጻኢ ይንቅጥቀጥ።ልክዕ ከምቲ ቀደም እቲ ናይ ኣስራዚ ተመን ክስቀል እንከሎ ንሰባት ካብ ሞት ዘሕውዮምን ዘድሕኖምን ዝነበረ፡ልክዕ ከምኡ  ከኣ እቲ ጐይታ ክብሪ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ድሕነት ሃበ /ዮሃ 315/።ከምኡ ድማ ትእምርተ መስቀል ውጺኢት ኣለዎ።

13. ብትእምርቲ መስቀል ምስ እነማዕትብ በረኸት ንረክብ፡

ብምኽንያት ሓጢኣት፣ዓለም ብምሉኡ ኣብ ትሕቲ መርገም ሞት ወዲቑ ስለ ዝነበረ።ጐይታና ምእንቲ ምስ ኣምላኽ ኣተዓሪቑ በረኸት ከውህበና ኣብ መስቀል ንኹሉ መርገምና ጾሮ /ሮሜ 510/።እቲ ናይ ንጹህን ሓድሽን ህይወት በረኸት ስጋኡ ምስ ኩሉ ጸጋታት ሓዱሽ ኪዳንን ከኣ ካብዚ መስቀል ተዘርገሐ።

ስለዚ ከኣ ቤተ ክህነት መስቀል በረኸት ንኽህቡ ይጥቀምሉ፣እዚ ድማ እቲ በረኸት ካብ ጐይታ እቲ ንመስቀል ንበረኸት ንምሃብ ክጥቀሙሉ ሓደራ ዝሃቦም እምበር ካብኦም ከም ዘይኮነ ምልክት እዩ።ከምኡ ድማ ክህነቶም ካብ ክህነት እዚ እተሰቕለ ከም ዝተቐበሉ የመልክት።ኩሉ በረኸት ሓዱሽ ኪዳን ካብ መስቀል ጐይታን ተግባራቱን ዝተረኽበ እዩ።

14. ስለዚ ከኣ ኣብ ኩሉ ቅዱስ ምስጢራት ቤተ ክርስቲያን መስቀል ንጥቀም፣

ምክንያቱ ኩሎም ካብ ምፍሳስ ደም ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኢዮም ተረኺቦም።ብዘይ መስቀል ብጥምቀት ጌርና ንኣምላኽ ከም ደቁ ክንቀርብ ኣይምበቓዕናን፣ኣብ ግዜ ቅዳሴ ስጋኡን ደሙን ክንሳተፍ ኣይምኸኣልናን። /1 ቆሮ 1126/።ከምኡውን ናይ ኩሎም ምስጢራት ቤተ ክርስቲያን በረኸትን ጸጋን ኣይምረኸብናን።

15. ንሕና ነቲ ኣብኡ ዘሎና ሕብረት ምእንቲ ክንዝክር፣ብመስቀል ንግደስ፣

ኣብዚ ድማ ቃል ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንዝክር፣ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፣ደጊምሲ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር  ዘለኹ።….” /ገላ 220/።ከምኡውን እቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ቃሉ፣ብዝኾነ ኮይኑ ናብ ትንሳኤ ምውታን እንተ ኣርከብኩ ኢለ፣ብሞቱ እናመሰልክዎ፣ንዕኡን ሓይሊ ትንሳኤኡን ሕብረት መከራኡን ምእንቲ ክፈልጥ፣ኩሉ ከም ወጽዓ እቖጽሮ ኣለኹ።” /ፊሊ 310-11/።ኣብዚ እምበኣር እቲ ንነፍስና እንሓቶ፣መዓስ ኢና ናብ ሕብረት ስቅያት ጐይታ እንኣቱ ምስኡውን እንጽሊ?” ዝብል ክኸውን ኣለዎ።

ኣብዚ እምበኣር እቲ ምስ ጐይታ ዝተሰቕለ ሽፍታ፣ምስኡ ኣብ ገነት ንኽኸውን ዝበቕዐ ንዝክር።ምናልባትውን ኣብ ገነት ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ”….እናበለ ዝዘመሮ ፣ይዝምር ይህሉ።ምስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ክንስቀል ናይ ኩልና ትምኒት እዩ።ስለዚ በቲ ምስ ህዋሳትና እናተራኸበ እንዝክሮ መስቀል ንሕበን።

16. “እግዚኣብሄር ኣቦብመስቀል ስለ ዝሰመረ፣ንመስቀል ንኽብሮ፣

እቲ ንክርስቶስ ከም መስዋእቲ ሓጢኣት፣ከም መስዋእቲ ምሕራርውን ካብ መስቀል ብኹሉ ደስታ ዝተቀበሎ፣ኣቦንእግዚኣብሄር ጥዑም ሽታ” /ሌዋ 19 ሌዋ 1317/።ኣብዚውን ነቢዪ ኢሳይያስ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፣እግዚኣብሄር ብመከራ ክሕምሽሾ ፈተወ።…/ኢሳ 5310/

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መሬት በቲ ፍጹም ዝኾነ ህይወቱ ንኣቦ ደስ ኣበሎ፣ከምኡ ድማ ብናይ ሞት መስቀል፣ክሳዕ ሞት ስለ ዝተኣዘዞ፣ናብ ምልኣት እዚ ደስታ ብመስቀል ኣቢሉ እዩ ዝኣተወ።/ፊሊ 28/

ኩሉ ግዜ መስቀል ኣብ እንርእየሉ እዋን ንምልኣት ምእዝዝነቱን ትሕትናኡን ንርኢ፣ስለዚ ንምልኣት ትሕትናን ምእዛዝን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክንመስል ክሳዕ ሞት ድልዋት ንኸውን።ከምቲ መስቀል ንኣቦ ናይ ደስታ ቦታ ዝነበረ ከምኡውን ነቲ ዝተሰቕለ ወዱ ከምኡ እዩ ነይሩ፣ብዛዕባኡ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ተባህለ፣ናብቲ ሕፍረት ንዒቑ፣ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጎስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን ኢየሱስ ንጠምት።” (ዕብ 122)።በዚ ከኣ ምልኣት ሓጎስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል እዩ ነይሩ።ኣበይ እሞ ከምኡ እንተ ንኸውን።

17. ኣብ መስቀል ነቲ ጸርፊ ጼርና ካብ ቀጽሪ ወጻኢ ንወጽእ፣ /ዕብ 122/

ልክዕ ብኸምዚ ስምዒት ኣብ በዓለ ሕማማት….ኣብኡ ከኣ እቲ ንነቢዪ ሙሴ ዝተባህለ ንዝክርናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፣ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቆጸሮ።” /ዕብ 1126/።እቲ ጸርፊ ክርስቶስ ከኣ ስቅያቱን ስቕለቱን እዩ።

18. ነቲ ካልኣይ ምጽኣት ክርስቶስ ዘዘክረና መስቀል ንጸውር፣

ከምቲ ኣብ ወንጌል ብዛዕባ መወዳእታ ዓለምን ካልኣይ ምጽኣት ጐይታን ዝተጠቕሰስዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ (ማለት መስቀል) ኣብ ሰማይ ክርአ፣ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ክመጽእ ከሎ ክርእይዎ እዮም።” (ማቴ 2430)።እምበኣር ኣብቲ ግሩም ዝኾነ ካልኣይ ምጽኣቱ ኣብ ሰማይ ነዚ ምልክቱ ንጥምት ካብ ኮንና ነቲ ምልክት ወዲ ሰብ ኣብ መሬት ንኽብሮ።

ስብሐት ለከ ክርስቶስ ምስለ አቡከ ኄር ሰማያዊ ወመንፈስ ቅዱስ ማኅየዊ ለዓለም ወለአለመ ዓለም! ክርስቶስ ምስጋና ንዓኻ ምስ ሰማያዊ ኣቦኻን መሕወዪ መንፈስ ቅዱስን ንዘለኣለመ ኣለም ኣሜን።

ቀሺ ኣፈወርቂ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div