S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መተሓሳሰቢ፣ንኹልኹም ኣንበብቲ እዚ ታሪኽ እዚ ክትርጉሞ ዘገደደኒ፣ጊዮርጊስ ሓቢብ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ኣብዚ ሕጂ ቤተ ክርስቲያና ዘላቶ

ከቢድ ፈተና ብምንባራ ነገር ግን ብተባዕ ቆራጽነት ሓቢብ ጊዮርጊስን ኣቡነ ቄርሎስ 5ይን ካልኦትን ተወፋይነት ናብዚ ሕጂ ዘላቶ ዓቢይ ደረጃ ክብርን ልዑል መንፈሳውነትን ክትበጽሕ ኪኢላ። ስለዚ ነዚ ጽሑፍ እናንበብና ምስዚ ሕጂ ቤተ ክርስቲያና እትሓልፎ ዘላ ፈተና ብምዝማድ ንትንሳኤን ዕብየትን ቤተ ክርስቲያና ብዝከኣለና ክንሰርሕን ክንሓስብን ኣምላኽ ይርድኣና። ሰናይ ንባብ

"ሓቢብ ጊዮርጊስ መን እዩ?"

ሓቢብ ጊዮርጊስ ኣብ 1876 ኣብ ከተማ ካይሮ ተወሊዱ። ኣቡኡ ብህጻኑ ከሎ ስለ ዝሞተ ኣዲኡ ንበይና ብፍቕሪ ቤተ ክርስቲያን ሃኒጻ ኣዕቢያቶ። ትምህርቱ ዝተኻታተለ ኣቡነ ቄርሎስ 5 ኣብ ዝመስርትዎ ቤት ትምህርቲ እዩ። ኣብኡ ዲቁና ተቐቢሉ ኣገልግሎት ክጅምር ከሎ ዕድሜኡ 17 ዓመት ነበረ።

ሊቀ ዲያቆናት ሓቢብ ጊዮርጊስን ናይቲ ግዜ ፓትርያርክን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኮፕቲክ ዝተኸሰቱን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ብጣዕሚ ዝጎዱኡ ዕንቅፋታትን ብምውጋድ ምንቅስቓስ  ዝጀመርሉ ግዜ ነበረ። በዚ ኣካይዳ ድማ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ኮይኑ ዝተረኽበ ዝሰልጠኑ ካህናት ዘፍሪ ማሕበር ምኽፋት ስለ ዝነበረ ነዚ ወሳኒ ተልእኾ ዝምጥን ይኸውን ዝበልዎ ሰብ ክደልዩ ምርጫኦም ዝዓረፈ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ኣገልጋሊ ሓቢብ ጊዮርጊስ ኮነ።

ሓቢብ ጊዮርጊስ ሓላፍነቱ ምስ ተቐበለ ትኹረቱ ዝገበሮ ነቲ ማሕበር ህንጻ ዘድሊ ኣታዊ ምእካብ ነበረ።ብውጺኢቱ ድማ ካብ ሃገር ናብ ሃገር እናተዛዋወረ ብዝገበሮ ምልዕዓል ናይ ምእመናን ዝተዓፈነ ፍቕሪ ምቅጽጻል ዝገበረ ክኸውን ከሎ ኣብ ውሑድ መዓልቲ ዝተረኽበ ድጋፍ ድማ እኹል ኮይኑ ስለ ተረኽበ እቲ ኮለጅ ከምዝተሓስበ ተሃኒጹ ንኣገልግሎት በቒዑ።

ኮለጅ ተኸፊቱ ምምሃር ምስ ጀመረ ድማ ሓቢብ ጊዮርጊስ ካብ ቀዳሞት ተማሃሮ ሓደ ክኸውን ከሎ ኣብቲ ወቕቲ  ዝተኸስተ ሕጽረት መማህራን  ምቕራፍ ግዲ ስለ ዝኾነ ድማ ተማሃራይ ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት መምህርነት ድማ ደሪቡ ሓዘ።

ናይ ሓቢብ ጊዮርጊስ ኣደናቒ ኣገልግሎት ብስፍሓት ዝተገልጸ ድሕሪ ምምራቑ ክኸውን ከሎ ብስብከት ተዋፊሩ ዝሰበኾም ስብከታት ኣብቲ ግዜ ንሰማዕቲ ዝመሰጡ ጥራሕ ኮይኖም ኣይተረፉን።ብዓቢኡ ድማ ብዙሓት ድሕሪ ሞቱ ከይተረፈ ዝዝክርዎም ከምኡውን ተሓቲሞም ናይ ብዙሓት ህይወት ዝልውጡ ኮይኖም እዮም።

ንዝመስረቶ ኮለጅ ክዓቢ ልዑል ራኢይ ዝነበሮ ሓቢብ ጊዮርጊስ ኣብቲ ወቕቲ ካብ ዝሰርሖም ስራሓት ማእከል ጎሊሑ ዝነበረ ኣብ ዙርያ እቲ ኮለጅ ዝነበሩ ቦታታት ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ኩሉ ብናይ ግሊ ገንዘቡ  እናገዘአ ንኮለጅ መስፍሒ ዝኸውን ምብርካቱ ይጥቀስ።በዚን ተዋዳዳሪ ዘይብሉ  ተግባራቱን ልዑል ትግሃቱን ዝተሓጎሱ ፓትርያርክ ኣቡነ ቄርሎስ ናይ ሊቀ ዲያቆናት መዓርግ ሂበሞ።

ናይ ሓቢብ ጊዮርጊስ ቀጻሊ ናይ ኣገልግሎት ምዕራፍ ናይቲ ኮለጅ ርእሰ መምህር ብሞት ኣብ ዝተፈለየሉ ግዜ ንዕኡ ብምትካእ ናይ ርእሰ መምህርነት ሓላፍነት ክውስኽ ከሎ ዝጀመሮ። በዚ ወቕቲ ካብ ዝሰርሖም ተግባራት ቀንዲ እቲ ኮለጅ ካብ ደጋዊ ተጽዕኖ ዝተሓለወ ክኸውን ምግባሩ ናይ መጀመርያ ክኸውን ከሎ ብምክልኻል ጥራሕ ከይተወሰነ ቅዋሙ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ብምልኣት ዘንጸባርቕ መብራህቲ ክገብር ምኽኣሉ ድማ ዘለኣለማዊ ዕላማኡ እዩ።

ብፍላይ ኦርቶዶክሳውያን ደቀ መዛሙርቲ ናብ ኣንገሊካን ናይ ትምህርቲ ማሕበራት ከይዶም ልዑል ትምህርቲ ክከታተሉ ዝብል ድፍኢት ክለዓልን ከምኡውን ናይ ኣንገሊካን ምሁራን ኣብ ኮፕቲክ ናይ ስነ መለኮት ኮለጅ ከስተምህሩ ሓሳብ ምስ መጸ ነዚ ብምቅዋም ድፊኢቱ ካብ ሓሳብ ሓሊፉ ኣብ ተግባር ከይውዕል ክገብር ምኽኣሉ ነበረ። ናይ ሓቢብ ፍሉይ ክእለት ዝነበሮ ኣብ ምቅዋምን ምክልኻልን ጥራሕ ዘይምውሳኑ ብዓቢኡ ካብ ዝተቓወሞ ሓሳብ ዝሓሸ ኣማራጺ ክህሉ ምስርሑ እዩ። በዚ ዝተላዕለ ኣብ ኦርቶዶክሳዊ ናይ ትምህርቲ ቅዋም ናይ ኣንገሊካን ሊቃውንቲ ከየስተምህሩ ብምባል ኣጥቢቑ ክቃወም ኣብ ክንዳኡ ድማ ኦርቶዶክሳዊ ኣስተምህሮ ብዕምቆት ዝተረድኡ ካህናት ክህልዉ ኣጥቢቑ ይሰርሕ ነይሩ። ካልእ ናይ ሓቢብ ጊዮርጊስ ምጅማር ዝነበረን ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ንናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ምንቕቓሕ መበገሲ ዝኾነ ተግባር ድማ እቲ ኮለጅ ናይ ምሸት ናይ ትምህርቲ መርሓ ግብሪ ክጅምር ምግባሩ እዩ። ናይዚ ሓዱሽ መርሓ ግብሪ ምኽፋት ሓያሎ ምሁራንን መናእሰያትን ናብ ቤተ ክርስቲያን ክመጹን ብትምህርቲ ሃይማኖት ክህነጹ ዕድል ካብ ምሃቡ ንላዕሊ በዚ ምኽንያት ናይ ግብጺ ናይ ትምህርቲ ሚኒስተር ነቲ ኮለጅ ኣፍልጦ ክህቦ ክኢሉ። ኣብ ናይ ምሸት መርሓ ግብሪ ተኻፊሎም ካብ ዝነበሩ ምሁራት መናእሰያት ሓደ ፖፕ ሽኖዳ 3 እዮም።

ካብዚ ልዕሊ ኩሉ ንዕብየት እቲ ኮለጅ ምሉእ ዕድሚኡ ዝተግሀ ሓቢብ ጊዮርጊስ ነቲ ኮለጅ ብምዕባይ ዓለም ለኻዊ ደረጃኡ ክሕሉ ምግባር ዝኸኣለ ክኸውን ከሎ መደቡ ናይ ስነ መለኮት ትምህርቲ ብፍልስፍናን ብስነ ልሳን ትምህርታት ዝተዓጀበ ክኸውን ብብቑዓት መማህራን ዝተመለአ ብምግባር ናይ ምሩጻት ኣገልገልቲ መውሓዚ ክኸውን ስለ ዝገበሮ ብውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክህነት ዝቕበሉ ኩሎም ናይቲ ኮለጅ ዲፕሎማ ክህልዎም ዘገድድ ሕጊ ተሰርዐ።

ሓቢብ ጊዮርጊስ ብህይወት ከሎ ናይቲ ኮለጅ መበል 40 ዓመት ንምኽባር ዝበቕዐ ክኸውን ከሎ በቲ ዓመት ድማኮለጅ ስነ መለኮት ትማልን ሎምንዝብል መጽሓፉ ንሕትመት ኣብቂዑ።

" ምጅማር ቤት ትምህርቲ ሰንበት "

ሓቢብ ጊዮርጊስ ናይ መጀመርያ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ብምምስራት ስርሑ ክጅምር ከሎ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ ነበረ። ግዚኡ 1900 / ቦታ ድማ ኣብ ውሽጢ ከተማ ካይሮ ብዝርከቡ ናይ ኮፕቲክ ኣብያተ ክርስቲያናት። መጀመርያኡ ንህጻናት ኣኪቡ ብምምሃር ነበረ። ብምሕረት ኣምላኽ ኣገልግሎቱ ተባርኹሉ ስርዓተ ትምህርቲ ንምቕራጽ ማእከላዊ ኮሚተ  መስረተ። እዚ ውጥን ኣብታ ሃገር ብምሉእ ተስፋሕፊሑ ኣገልገልቲ ብጣዕሚ ብዙሓት ኮኑ።ብሓቢብ ጊዮርጊስ ዝተመስረቱ ቤት ትምህርቲ ሰንበታት ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣስተምህሮ ኣብ ውሽጢ ልቦና መናእሰያት ክትከል ምኽኣሉ ህያው ምስክር ኮኑ።

ምስዚ ተታሓሒዙ ድማ ኣብ ግብጺ ናይ መጻሕፍትን በራሪ ጽሑፋት /ፋንፍሌት/ መዋፈሪ፣ዓውደ ራእያት፣ሰሚናራት፣ጉባኤታት፣ ናብ ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ዝግበሩ መንፈሳዊ ጉዕዞታትን ዝኣመሰሉ ምንቅስቓሳት ዝመንጨው ካብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት እዮም።

ሊቀ ዲያቆናት ሓቢብ ጊዮርጊስ ናይ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ምስፋሕ እንታይ ጠቐመ?

ሓቢብ ጊዮርጊስ ዝመስረቶ ምንቅስቓስ ትምህርቲ ሰንበት ድሕሪ ምስፍሕፋሑ ኣብቲ ወቕቲ ንቤተ ክርስቲያን ዝፈታተኑ ዝነበሩ ሽግራት ብረዴኤት እግዚኣብሄር ክፍትሕ በቒዑ። ካብዚኦም እዞም ዝስዕቡ ዓበይቲ ተግባራት ኣይዝንገዑን።

*መጽሔታት ብምሕታም ስብከተ ወንጌል ናይ ምስፍሕፋሕ ስራሕ ብብዝሒ ዝተሰርሐ በዚ ዘመን እዩ።

*ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘይመጹ መንእሰያት ናብ ቤተ ክርስቲያን ክመጹ ገይርዎም።

*ኣብዚ ዘመን ዝነበሩ እንግሊዛውያን ሚስዮናውያን ናይቶም ገዛእቲ ኣካይዳ ብምኽታል ንኦርቶዶክሳውያን ካብ እምነት ንምውጻእ ይጽዕሩ ኔሮም።

*ሚስዮናውያን በተለይ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብምሃብን ብዝመሳሰሉ ብልሓት ብምጥቃም ንመናእሰያት ንምውጻእ ይፍትኑ ኔሮም። ገዛ ገዛ እናዘሩ ማራኺ ብዝኾኑ ጽሑፋትን ብዘብረቕረቑ ኣሳእል ዘዳለውዎም  ብምብታን ዝሰርሕዎ ናይ ክፍኣት ተግባር ኣይኣኽለናን ኢሎም ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ስም ጽልኢ ክሳብ ምቕባእ በጺሖም ኔሮም።በዚ ስርሖም ብዙሓት ካብ ቤተ ክርስቲያን ጠፊኦም።

*እዚ ሽግር ንምቕራፍ ዝተላዕሉ ናይቲ ዘመን ፓትርያርክ ምስ ሓቢብ ጊዮርጊስን ምስ ካልኦት  ክልተ ምእመናን ብምዃን ሃዋርያዊ ጉዕዞ ገበሩ።በዚ ግዜ እዩ ዝነበረ  ሓቢብ ጊዮርጊስ ኣብ ደገ ዝርከቡ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት መንእሰያት ዝእክበሉ ብልሓት ክምልከት ዝኸኣለ። ካብኡ ድሕሪ ጉዕዞኡ ህጻናትን መናእሰያትን ተኣኪቦም ዝመሃርሎም ቤት ትምህርቲ ሰንበታት ንምግባርን ዝምጥኖም ስርዓተ ትምህርቲ ንምቕራጽ መንፈሳዊ መዝሙራትን ንምድላው ሓሊኑ ስርሑ ጀመረ። በዚ ስርሑ ብኻልእ እምነት ተማሪኾም ንዝነበሩ ክመልስ ክኢሉ።

ሓቢብ ጊዮርጊስ ምጽሓፍ፣ምምሕዳር፣ምስባኽ ብሓደ  ገይሩ ክሕዝ ዝኸኣለ ሰብ እዩ።ብኣጣቓላሊ 30 መጻሕፍቲ ኣዳልዩ።ኣብ መወዳእታ ዕድሚኡ እናኣረገ ክኸይድ ከሎ ጥዕና እናሰኣነ መጸ። ቤቱ ድማ ብደቀ መዛሙርቱ ክመልእ ጀመረ። ንዕኡ ዝነበሮም ፍቕሪ ንምግላጽ መደቀሲኡ ከቢቦም ሓቢሮም ጸሎት ብምግባር ባዕሉ ዝደረሶም መዝሙራት ይዝምርሉ ነይሮም።

ኣብ መወዳእታ ሓቢብ ጊዮርጊስ ነሓሰ 22 1951 ዓረፈ።ዜና ዕረፍቱ ድማ ኣብ ሃገረ ግብጺ ካብ ወሰን ክሳብ ወሰን ተሰምዐ። ስርዓተ ቀብሩ ድማ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዝተረኽብሉ ነሓሰ 27 1951 / ተፈጸመ።

በረከት ናይ ቅዱስ ሊቀ ዲያቆናት ሓቢብ ጊዮርጊስ ምስ ኩላትና ይኹን።

ቀሺ ኣፈወርቂ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div