S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ኣብ ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓቃቤ-መንበር ዝኾኑ፥ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥ 

ኣብ ሃገረ-ስብከቶም ዝኾነ ኤውሮጳ፥ ሓዋርያዊ ዑደት ክፍጽሙ ቀንዮም። እዚ ዑደት ዕለት 04/10/2015 ብዓዲ-እንግሊዝ ዝጀመረ ኮይኑ፥ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ድማ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ተፈጺሙ። ከምዝፍለጥ ብፁዕ-ኣቦና ኣብ ከቢድ ናይ ሽምግልና ዕድመዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ግዳስ እቲ ዘየደቅስ ኩነታት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ቅሳነት ክህቦም ዝኽእል ኮይኑ  ስለ-ዘይተረኽበ፥ደሃይ እቲ ኦርቶዶክሳዊ-መጓሰ ክገብሩ፥ ዓቐቤት ክድይቡን ቁልቁለት ክወርዱን ዘገድዶም ኮይኑ ይርከብ ስለዘሎዩ።

ብዝተረፈ እቲ ናይ ኣቦና ኣብዚ እዋን ብሕይወት ምህላው፥ ነቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ዘሎና መሰል ክንዕቅብ ስለ-ዘኽኣለና፥ ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያንና ዓቢይ ግምት ክወሃቦ ዝግባእዩ። ብዝተረፈ ኣብዚ ፈተና ዝመልኦ ጭንቂ ዝኾነ ሰዓትዚ፥ እቲ ክሳብ ቅዱስ-ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ ዝበጽሐ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት፥ ዓቃቤ-መንበር ኮይኑ ክሕልዎ ዝኽእል እንተ-ዘይርከብ ነይሩ፥ መጻኢ ዕድል ቤተ-ክርስቲያንና እንታይ ክኸውን ይኽእል ከም-ዝነበረ፥ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ሕጂ ግና እቶም ናይዚ ዘመን ሠማዕት ክበሃሉ ዝኽእሉ ፓትርያርክ እንተ-ተኣስሩውን፥ እቲ መንበር ግና ክእሰር ኣይከኣለን።

ከመይሲ ነዚ ከቢድ ዝኾነ ሓላፍነት ክስከሙ ዝኽእሉ፥ እቶም ኣብዚ ሰብ ዝተሳእነሉ ሰዓት ሰብ ኮይኖም ዝተረኽቡ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ እዮም። ብፁዕነቶም እንተ-ዘይህልዉ ነይሮም ግና፥ እቲ ናብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ዘብጽሓና ሓረግ ተዓቂቡ ኣሎ ንምባል ኣይምተኻእለን። ስለዚ ድማ እቲ ብጸቕጢ-ፖለቲካ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝተገብረ ምትእትታው፥ ኣብ ኩሉን ብኹሉን ጸቕጥን ተነጽሎን ኣስዒቡሎም ዝርከብ ዘሎ። ካብዚ ነጥቢ ብምብጋስ ከኣ ማኅበረ-ሰብ ዓለምውን፥ ነቲ ብሳንቡእ ፖለቲካ ዘተንፍስ ኣብ ኣሥመራ ዝርከብ ሲኖዶስ ሕቘኡ ብምሃብ፥ ነቲ ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ዓቃቤ-መንበር ኮይኖም ዝመርሑዎ ዘለዉ መንበረ-ጵጵስና፥ ኣፍልጦ ሂቡ ዝርከብ ዘሎ።

እዚ ኣብ መጻኢ ታሪኽ እታ ቤተ-ክርስቲያን፥ ዓቢይ ግምት ክወሃቦ ዘለዎ ብብፁዕ ኣቦና እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ፥ ከቢድ ጻዕርን ድኻምን ዝሓትት ቃልሲዚ፥ ንኹሉ ክርድኦ ይኽእል ክበሃል እንተ-ዘይተኽእለ፥ ነቶም ምስ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ክወድቁን ክትንሥኡን ዝርከቡ ዘለዉ ግና፥ ትእምርቲ ጽንዓትን ተስፋን ኮይኑ ናብ ዓወት ኣቢሉ ከም-ዝመርሖም፥ ምንም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከመይሲ ኣብ እግዚኣብሔር ተስፋ ገይሩ ዝተጓዕዘሞ፥ ዝሓፈረ ሕዝቢ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

እምበኣርከስ ነዚ ከቢድ ዝኾነ ጾር ተሰኪሞምዮም፥ ብፁዕ ኣቦና ካብ ኣሜሪካ ተጓዒዞም ንኤውሮጳ መጺኦም ዘለዉ። በዚ መሠረት እውን መጀመርታ እግሮም ዘዕረፉላ ከተማ ሎንዶን ኮይና፥ እቲ ኣገልግሎት ግና ብማንችስተር ክጅመር መደብ ተታሒዙ ስለ-ዝነበረ፥ እቲ ጉዕዞ ንማንችስተር ክም-ዝቐንዕ ተገይሩ። ኣብዚ ከኣ ውሳኔ ብፁዕ-ኣቦና ክጽበ ዝጸንሐ ዕጽቕ ዝበለ ጉዳይ ስለ-ዝነበረ፥ ንዕረፍቲ ዝኸውን ግዜ ክነብሮም ኣይከኣለን ክበሃል ይከኣል። እታ ሕያወይቲ ናይ እግዚኣብሔር ኢድ ተሰንዮም ስለዘላ ግን፥ ኣብዚ ቤተ-ክርስቲያንና ከቢድ ናይ ፖለቲካ ኣርዑት ወዲቑዋ ትርከበሉ ዘላ ሰዓት፥ንኹሉ ክኢሎምን ንኹሉ ተጻዊሮምን ደው ክብሉ ምኽኣሎም ጥራይ፥ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ቃላት ክገልጹዎ ካብ ዝኽእሉ ዓቢይ ዓወትዩ።

ብፁዕነቶም ኣብ ዕለት 29/11/2015 ድማ፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ማንችስተር ተረኺቦም፥ ሠራዒ ኮይኖም ቅዳሴ ኣካይዶም። ከም-ኣጋጣሚ በቲ ሽዕኡ መዓልቲ መርዓ ስለ-ዝነበረውን፥ ብፁዕ ኣቦና ነቶም ሰብ መዓልቲ ከምቲ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ዝፈቕዶ፥ ሥርዓተ-ተክሊል ብምፍጻም ባሪኾሞም ናብቲ ተሳታፊ ቅዳሴ ኮይኑ ዝወዓለ ሕዝቢ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ድማ . . . ጎይታና ኣብ ወንጌሉ ዘረባናእወወይኣይኮነንደኣምበር፥ እወን ኣይኮነንን እናበልና ምትሕውዋስ ክንገበር ኣይተፈቕደናን። ብመሠረቱ ክርስትና ሓደ ትኽ ዝበለ መንገዲዩ። ኣብ ክርስትና ሓዋዊስካ ዝኽየድ ማንታ መንገዲ የልቦን። ወይ ናይ እግዚኣብሔር ወይ ከኣ ናይ ዓለም ምዃንዩ። ንመን ክንመርጽ ወይ ናይ መን ክንከውን ከም-ዝግባኣና ከኣ ክንጋገዮ ኣይግበኣናንዩ። ናይ እግዚኣብሔር ካብ ምዃን ከኣ ካልእ ምርጫ ክህልወና ኣይክእልንዩ። ስለዚ ከኣእቶም ብመንፈስ-ኣምላኽ ዝምርሑ፥ ንሳቶም ዉሉድ ኣምላኽዮምተባሂሉ ዘሎ። ስለዚ  እዚ ዘለናዮ ግዜ ከቢድ እዩሞ፥ ንዓለም ክንመስል ክንብል ብማንታ-መንገዲ ምምልላስ፥ ምስ ክርስትና ክሳነየልና ከም-ዘይክእል ምፍላጡ ግድን ከድልየና . . . ብምባል ብፁዕ ኣቦና መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም። (ሮሜ.8/14)

ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ እቲ ኣገልግሎት ምስ-ተፈጸመ ድማ፥ ብፁዕ ኣቦናእትዉ በሰላምብምባል ቡራኬኦም ሂቦም ነቲ ሕዝቢ ኣፋንዮሞ። ብድሕሪ ማኅበረ-ምእመናን ማንችስተር፥ ንክብሪ ብፁዕ ኣቦና ኢሎም ዘዳለዉዎ፥ ናይ ፍቕርን ሰላምን መኣዲ ስለ-ዝነበረ፥ እቲ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጸ ሕዝቢ፥ ብፍቕሪ ብፁዕ ኣቦና ማሚቑን ብኣገልግሎቶምውን ፍጹም ዕግበት ተሰሚዑዎን፥ ናይ ፍሥሓን ሓጎስን መዓልቲ ኮይኑሉ ውዒሉ ክበሃል ይከኣል። በዚ ኣገባብ እቲ ናይ እንግዶት ሥነ-ሥርዓት ምስ-ተፈጸመ ከኣ፥ስብሓት-ለኣብተባሂሉ መኣዲ ምስ-ተላዕለ፥ ብፁዕ ኣቦና ንቀጻሊ ኣገልግሎት ኣማስያኦም ንሎንዶንዮም ኣምሪሖም።

በቲ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ መሠረት ድማ፥ ንጽባሒቱ ሰንበት ቅዳሴ ኣካይዶም። ድሕሪ ቅዳሴ ኣብ ዝተገብረ ናይ ክብሪ መኣዲ ድማ፥ ብዙሓት ምእመናን ተሳተፍቲ ኮይኖም ውዒሎም። ካብዚ ብምቕጻል ናይቲ ደብሪ ሓላፊ ዝኾኑ ቀሲስ-ሺኖዳ፥ ብፁዕ ኣቦና በቲ ንምእመናን ደቆም ክበጽሑ ኢሎም ምምጽኦም ድሕሪ ምምስጋን፥ እቲ መድረኽ ንብፁዕነቶም ስለ-ዘረከቡዎ፥ ብፁዕ ኣቦና ክምዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ዝነበሮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። . . . ሰብ ከም ሰብ መጠን ሃገር የድልዮ ሃይማኖትውን የድልዮዩ። ሃገር ናይ ኃባር ክትከውን ከላ፥ ሃይማኖት ግን ናይ ብሕቲ እዩ። ዜጋታት ሓንቲ ሃገር በበይኑ ሃይማኖት ክህልዎም ሕጋዊ መሰሎምዩ።  ስለ-ዝኾነውን ከምቲ መሰልካ ክኽበረልካ እትድልዮ፥ መሰል ካልኦት ከተኽብር ከም-ዝግበኣካ ምፍላጡውን ኣገዳሲዩ። ብዘይ ምክብባርን ምጽውዋርን ከኣ፥ ብሰላም ክንበር ይከኣልዩ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ሃገርና ክልተ ሃይማኖት ኣሎ። እቲ ሕዝቢ ግን ብደምን ዓጽምን ታሪኽን ዝተኣሳሰረ ሓደ ሕዝቢዩ። ብሓሳብ ክፈላለ ዝገብሮ ምኽንያት ከኣ የብሉን። ስለዚውን ኣደራዕ ወዲቑዎ ዝርከብ ዘሎ ሕዝቢ ስለ-ዝኾነ፥ ንመሰሉን ንክብሩን ብኃባር ድምጹ ከስሞዕ ክኽእል ኣለዎ። ብዝተረፈ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝብና ወዲቑ ዝርአ ዘሎ ኣርዑት ክንደይ ከቢድዩ። ብዘይ ምኽንያት እግዚኣብሔር ዝቐጽዓና ዘሎ ክንብል ግን ኣይንኽእልን። ብሓጺሩ እግዚኣብሔር ንመንገድናን ኣከያይዳናን ፈትዩዎ ክንብል ኣይንኽእልን። ስለዚ ከኣ ስቓይ ሕዝብና መወዳእታ ተሳኢኑዎ ዝርከብ ዘሎ። ስለዚ በቲ ክንገብሮ ዝጸናሕና ኩሉ ንጠዓስ ብንስሓ ንመለስ-!! ቃሉ እሙን ስለ-ዝኾነ ከኣ፥ ገጹ ክመልሰልና ከም ውን ናይ ምሕረት ኢዱ ክዝርግሓልና . . . ብምባል፥ ብፁዕነቶም መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ካብዚ ብምቕጻል እቲ ጉዕዞ ንጀርመን ኣቕኒዑ። ዕለት 04/11/2015 ድማ ኣብቲ ብፁዕ ኣቦና ከዕርፉሉ ዝተመደበ ናይ ግብጻውያን ገዳም በጺሖም። ኣብኡ ድማ ንኽልተ ተጻመድቲ ሥርዓተ-ተክሊል ብምፍጻም፥ ኣብቲ ባዕሎም ሠራዒ ኮይኖም ዝቐደሱዎ ቅዳሴ፥ ተሳተፍቲ ቅዱስ-ቁርባን ክኾኑ ኣብቂዖሞም። ኣብዚ ቅዳሴ ካብ ፍራንክፎርት ዝመጹ፥ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ቅዱስ-ጊዮርጊስ ማኅበረ-ምእመናን ተሳተፍቲ ኮይኖም ውዒሎም። ንክብሪ ብፁዕ ኣቦና ዝተዳለወ መኣዲ ተበሊዑ ምስ-ተላዕላ ድማ፥ ብጹዕነቶም ነቲ ሕዝቢ ናብ እግዚኣብሔር ተስፋ ብምግባር፥ ናብኡ ኣቢሉ ክጥምት ከም-ዝግብኦ ምሂሮሞ። እቲ ሕዝቢ ብትምህርቲ ብፁዕ ኣቦና ኣዚዩ ዓጊቡን ተሓጕሱን ድማ፥ ናብ ፍራንክፎርት ተመሊሱ። ብፁዕነቶም ከኣ ሓዋርያዊ-ኣገልግሎቶም ፈጺሞም፥ ንቐጻሊ ኣገልግሎት ነቲ ብግብጺ ጀሚሩ ኣብ እስራኤል ዝውድእ ተልእኮ ንምፍጻም፥ ብዕለት 10/11/2015 ንካይሮ ኣምሪሖም። ሓዋርያዊ-ተልእኮኦም ብዓወት ክፍጽሙ ከኣ፥ ናይ ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ሠናይ ትምኒትዩ።

ዘኣንበሳ ማርቆስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div