S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጉስነትኩም ንከንቱ ረብሓ ኣይኹን

ሓዋርያ ጴጥሮስ ንጓሶት ቤተ ክርስትያን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ከምዚ ይብልነቲ ኣምላኽ ዝሃበኩም

መጓሰ ጓስይዎ፣ እንተኾነ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብፍታው እምበር ብግዲ ኣይኹን፣ብጽቡቕ ድላይ እምበር ንከንቱ ረብሓ ኣይኹን፣ ነቲ መጓሰ ኣርኣያድኣኩንዎ እምበር ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተዋህቡኹም ጎይቶት ኣይትኹኑ” 1.ጴጥ/51-3

ጎይቶትኣይትኹኑ!!

ኣብዚ ግዜ እታ ጥንታዊት፡ መሰረት ናይ ክርስትና ዝኾነት፣ ካብ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰንሰለታዊ መንገዲ ወንጌላዊ ማርቆስ ኣቢላ ናባና ዝበጽሐትን እንሕበነላን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖትና ከም ኣጀማምራኣ ሰጒማ? እቲ መልሲ እወ ጽቡቕ ሰጒማ፣ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ኣላ ዝብል እንተድኣ ኮይኑ፣ እቶም ገለ ብኩነታታ እንስከፍ ደቃ እዋእ!! ኢልና ብምግራም ክንክዕብ እንተ ዘይኮይንና፣ እቲ መልሲ ሓቂ ኢዩ ኢልና እንዓግበሉ ኣይኮናን። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ግብሪ ዝረኤ ሓቅነት፣ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ክትስጉም ዘይኮነት፡ ካብቲ ቀዳሞት ኣቦታት፣ በታ ዝነበረቶም ውስንቲ ፍልጠት ምስ ሕያውነት ዝመልኦ መንፈሳዊ ጉስነት ዓቕሞም ብዘፍቅዶ ተቓሊሶም ዘጽንሕዋ ሃይማኖት ሕጂ ኣብዚ ግዜ ግና፣ ተዋህዶና ናይተን ኣብዚ እዋን ዝቃላቐላ ጥራይ ዘይኮነ ዝስጉማ ዘለዋ ኣንቆራ (ኣብ ቆፎ ተጸፍዩ ዝፍንጨል ዕስለ ንህቢ) ሃይማኖታት ከም መጋቢት ኮይና ትምዝመዝን ትምህምንን ከም ዘላ ርኡይ ሓቂዩ። ጓሶታ ኣብ ክንዲ ነብሲ ኣድሕን ነታ ቤተክርስትያን ንምድሓን ምጉያይ፣ ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉስነትኩም ብፍታው እምበር ብግዲ ኣይኹን፣ ንመጓሰኹም ኣርኣያ ድኣ ኩንዎ እምበር፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተዋህብኹም መጓሰ ጎይቶት ኣይትኹኑ” 1ጴጥ/52-3 ዝበሎን ከምቲ ገለ ካህናት ከም ኣቦይ ቀሺ ተኽለማርያም ምህርካጽዮን ዝበልዎ ብማእከልነት ወንጌል፣ ዝምራሕ ሕጊ (ቀኖና) ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን መሰረት ብምግባር ክኸውን ይግባእ። ከምቲ ኣብ ማርቆስ 1043 ጎይታ ዝበሎኣባኻትኩም ግና ጎይታ ክኸውን ዝደሊ ክኣ ንሱ ልኡኽ ኩልኹም ይኹን። ምኽንያቱ ክኣ ወዲ ሰብ ከገልግልን ህይወቱ በጃ ብዙሓት ክህብን እምበር ከገልግሉዎ ኣይመጸን ዝበሎ፡ ቃል ጎይታ ብምትግባር፥ ካህናት ኣገልገልቲ እምበር ተገልገልቲ ክኾኑ ፍጹም ሰናይ ኣይኮነን።

ብዝያዳ ድማ ምእመናንን ምእመናትን ሓድነቶም ንምጥንኻር ብድሌትን ስምምዕን ኩሎም ኣባላት ብመንፈሳዊ መንገዲ ብዘቋቖምዎ ውሽጣዊ መማሓደሪ ሕጊ፣ ተጠርኒፎም ብዙሕ ተጻብኦታትን ናይ ሓርጎጽጎጽ ፈተነታትን ፍልልያትን በዲሆም፣ ኩሎም ኣባላት ቤተክርስትያን፣ ኢድን ጓንትን፣ ኣፍን ማንካን ብምዃን ብፍቕሪ፣ ብሰላም ብሓድነት ሓቢሮም ክስጉሙ ዝጸንሑ እንተኾይኖም። እታ ኩሉ ኣማኒ ዋላ ዘይተማህረ ሰብ ዝፈልጣን ዝርዳኣን፡ ኣብ ሓሙስ ጽግቦ፣ በቲ ሰማይን ምድርን፣ ዝረኤን ዘይረኤን ዝፈጠረ ኣምላኽ ዝተፈጸመት ናይ ሓዋርያቱ እግሪ ምሕጻብ፣ ክርስቶስ ኣብነት ሕያዋይ ጓሳ ንምዃን እዩ ፈጺሙዋ።

ከምቲ ነብይ ህዝቅኤል፣ኣቱም ንርእስኹም እምበር ነተን ኣባጊዕ ዘይትጓስዩ ጓሶት ወይለኹም፣ ጸበኤን ትሰትዩ ብጸጉረን ዝተገብረ ክዳን ትኽደኑ፣ ዝሰብሐት ሓሪድኩም ትበልዑ፣ ነተን መጓሰ ግን ኣይትጓስዩወንን። ንዝሓመቓ ኣይትከናኸንወንን፣ ንዝሓመማ ኣይፈወስኩምወንን፣ ንዝተሰብራ ኣይዘነንኩምወንን፣ ንዝተባረራ ኣይመለስኩምወንን ንዝጠፍኣ ኣይደሌኹምወንን። እኳ ድኣ ብትርን ብጭካኔን ገዛእኩምወን። ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ። እወ!! ፋሕ በላ!!! ንኹሎም ኣራዊት መሮር ክኣ ብልዒ ኮና። ስለዚ ኣባጊዐይ ኣብ ኩሉ ኣኽራንን ነዋሕቲ ኩርባታትን ተባረራ። ኣብ ኩሉ ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ። ግደን ዝገብርን ዝደልየንን የልቦን። እቶም ጓሶትሲ ንርእሶም ጓሰዩ እምበር ነባጊዐይ ኣይጓሰዩወንን። ስለዚ ኣነ እግዚኣብሔር ባዕለይ ክጻረረኩም እየ። ነባጊዐይ ካብ ኢድኩም መንዚዐ ክወስደን ኢየ። መሊስኩም ንርእስኹም ከይትጓስዩ ከኣ ጉስነት ኣባግዐይ ኬሕድገኩም ኢየ። ድሕሪ ደጊም ቀለብኩም ከይኮና ካብ ኣፍኩም ክምንዝዐን ኢየይብል ሕዝ/342-10 ዘካ/114-5

ስለዚ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ከምቲ ልዕል ኢለ ዝጠቐስኩዎ፡ በተን ኣንቆራ ዝኾና ናእሽቱ ሃይማኖታት ካብ ምዝራፍ ክትድሕንን ክትባራበርን ምእመናን ኣባላታ ኣብ መንጎኦም ሰላም ሰፊኑ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ንኽጓዓዙ፣ እሙናት ጓሶት የድልዩዋ ኣለዉ። እዚ ክትግበር ዝኽእል ኣቦታት ካህናት ነቲ ዘሎ ናይ ኣብያተ ክርስትያናት መማሓደሪ ቀኖና ከመሓይሽዎ ይግባእ። ካህን ድማ ንመንፈስ ብዝምልከት መንፈሳዊ ኣገልግሎቱን ጉስነቱን እንተዝፍጽም፣ እቶም ምእመናን ድማ ንኹሎም ብፍቕሪ፣ ብሰላም ብሓድነት ክጥርንፎም ዝኽእል ሕጊ ስለ ዘለዎም ኣካየድቲ መሪጾምከ ካይዱ ከለዉ፣ ሰብን እዝግን ዝሕጎሰሉን ዝቐስነሉን ቅኑዕ መንገዲ ምኽታል ይሓይሽ እብል።

ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስኣነ ሕያዋይ ጓሳ ኢየ፣ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ፡ ኣቦ ንዓይ ከም ዝፈልጠኒ ኣነውን ንኣቦ ከም ዝፈልጦ፣ ነባጊዐይ እፈልጠን እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒ ኢየን። ንነብሰይ ከኣ በጃ ኣባጊዐይ ኣሕልፋዮሓ/1011-15” ይብል። ሕጂ ኣብ ኣብያተክርስትያናትና ዘሰክፈና ዘሎ ግን፣ ናይ ጓሳን ኣባጊዕን ዘይምውህሃድ ይርአ ስለዘሎ እዩ። ኣቦታት ነታ ዝተቐብኡላ ናይ ጉስነት ሓላፍነቶም ሕያዎት ጓሶት ብምዃን ኣባጊዖም ክኣልዩን ንቤተክርስትያኖም ካብ መንጠልቲ ተዃሉ ክካላኸሉላን ኣብ መንፈሳዊ መደቦም ብቀዋሚነት ከገልግሉ ሓላፍነቶም እዩ። ምምሕዳር ንዝምልከት ሥጋዊ(ፋይናንስን ንብረትን) ግና  እታ ቀዋሚ እትብል ኣገባብ ለውጥን ምዕባሌን ዘድልያ፣ ማለት እቲ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ብምእመናን ክካየድ ዝሓሸን ዝበለጸን እዩ። ኣነ ከም ዝርዳኣኒ ቀኖና ከምቲዓሻ ዝተኸሎ ለባም ነይነቕሎዘይኮነ ምስ ግዜን ኩነታትን ምስ ምዕባሌ ደቂ ሰባት እናተመሓየሸ ንምሕደራ ቤተ ክርስትያን ዘገልግልዩ። ስለዚ ምስቲ ኣብ ገለ ኣብያተ ክርስትያናት ዘይምርግጋእን ምፍንጫልን ኣብ ምእመናን ዘኸትሎ ሳዕቤናት ተራእዩ ኣብቲ ንምሕደራ ዝምልከት ቀኖና ኣጥበቕቲ ዘይምዃን ዝሓሸ ይመስለኒ።

መም/ተኽለ ስብሃቱ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div