S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ገደብ ዝተሳእኖ ዕብዳን ኣባ ሉቃስ

ሎሚ፥ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ከቢድ ናይ ፈተና እዋን ምህላዋ ናይ ዕዳጋ ምስጢር እዩ። ልክዕ ከምቲ ይሁዳ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንማእሰርትን ሞትን ኣሕሊፉ ዝሃቦ፥ ካብኡ ብዘይፍለ፥

ኣባ ሉቃስ ድማ ነቶም በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኢሎም ዝቐብኡዎም፥ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ንመሸጣ ዕዳጋ ኣውሪዶም፡ ስሞም ኣጸሊሞም፥ ናይ ሓሶት ንብዓት እናነብዑ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ማሕዩር ከምዝበልዩ ዝገበሩ ኣባ ሉቃስ እዮም። ከምቲ ኣብ እዋን ስቕለት ክርስቶስ ኣብ ጊዜ ፈተናን ሽግርን ኩሎም ሓዋርያት  ብጀካ ቅዱስ ዮሓንስ ሓዋርያ ኣብ ጥቓ መስቀል ደው ኢሉ ዝርኢ ዝነበረ፥ ገለን ዝሕባእ ገለን ዝኽሕድ ዝኾነ፥ ሎሚ እውን ብዙሓት ቤተ ክህነት ብኢድ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተሾሙ ካህናት፥ መነኮሳት፥ ዲያቆናት፥ ገለን ኣብ ጎድኒ ኣባ ሉቃስ ኮይኖም ዝጣልዑ፡ ገለን ሃገር ሓዲጎም ተሰዲድሞ ከብቅዑ፥ ኣብ ርህው ቦታ ኮይኖም ዝጠለሙ፥ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ጸላእቲ ኮይኖም ሓዊ ዝስሕኑ፥ ናይ ጣዕሳን ንስሓን ሓሳብ ዘይብሎም፥ ከም ሰገን ርእሶም ኣብ መሬት ዝቐበሩ እዮም። ገለን ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐት ፀሓይና ዝብሉ ተበለጽቲ፥ ገለ ድማ ከምቲ ኣቦታት ክምስሉሓሜን ኣቡኡ ጸሪፉ ይድረርዝብልዎ፥ ኣቦኦም ኣነዊሮም፥ ሥልጣን ኣቦኦምን ልብሲ ኣቦኦምን ክለብሱ ዝህንጠዩ ከም በዓል ኣባ ሉቃስ ዝኣመሰሉ ንርእየሉ ዘሎና ዘመነ-ፈተነ እዩ። ገለውን ከም ጴጥሮስ ድሕሪ ደርሆ ነቆ ዝተጣዕሱ ኣለዉ። ግን ኣብቲ ድቕድቕ ጸልማት ጩራ ወጋሕታ ብርሃን ይርአ ምህላዉ ነቶም ከም ሓዋርያ ዮሓንስ፥ ክሳብ ቀራንዮ-መስቀል ደድሕሪ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝሰዓቡ እቲ ተስፋ ዘየቑርጽ እምነት ክርስቲያን እዩ። ስለዚ ድማ ንኣምላኽና ምስጋና ይብጽሓዮ።

ግብሪ ካብ ቃል ንላዕሊ ስለዝምስክር: ተግባር ኣባ ሉቃስውን ንመንነቶም ኣጉሊሑ መን ምዃኖም ይገልጸልና እዩ። ኣባ ሉቃስ ካብ ዝተሸሙላ ጊዜ ኣብ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ብዙሕ ግፍዒ ስለዝፈጸሙ ብዙሕ ጊዜ ስሞም ብሕማቕ ይለዓል እዩ። መዓርግ-ፓትርያርክ ንምርካብ ዘይፈንቀልዎ እምኒ፥ ዘይመሃዝዎ ክሕደትን ጥልመትን የለን። ከሳሲ ኣቦኦም ኣሳሪ ኣቦኦም፥ መጸለሚ ኣቦኦም፥ ኣሳቓዪ ኣቦ ቤተ ክርስቲናንና፥ ኣሳሪ ካህናትናን ሊቃውንትና፥  መሳርሒ ናይ ፖለቲካንውን እዮም።

ኣባ ሉቃስ፡ ነቲ 2001 .. ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅ፣ ማርያም ኣስመራ ብሓዊ ዝነደደ እንምርሓሉን እንቅደሰሉን መጽሓፍ ቅዱስ "መጽሓፍ ርኹስ እዩ" ክብሉ ዝኸሓዱ ኣቡን እዮም። ስለዝኾነ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይትረፍ ከም ጳጳስ ከም ተራ ኣማኒ ክህልዉ ኣይምተገብአን።

ኣባ ሉቃስ፥ ንብዙሓት ንጹሃት ሰባት ኣእሲሮም፥ ኣቐጥቂጦም፥ ብዙሓት ኣንስቲ ካህናት ኣማእሚኖም፥ ብዙሓት ህጻናት ወለዶም ብዘይገበርዎ ገበንን ጸለመን ኣዘኽቲሞም ገና ኣብ ፈኸራን ዕንደራን ኣለዉ። እዞም ብዕድመ ሽማግለ ዝኾኑ ኣባ ሉቃስ ገና ጸሊም ታሪኽ ክሰርሑ ሕጂውን ናብ መዓርግ ፓትርያርክ ይጓየዩ ኣለዉ። ሓይሊ ፖለቲካ እምበር ሓይሊ ኣምላኽ ስለ ዘይሓዙ ግን ምውዳቖም ኣይክተርፍን እዩ ምኽንያቱ ምስ ኣምላኽን ደቂ ኣምላኽን ተቓሊሱ ዝሰዓረ ስለ ዘየለ።

ኣባ ሉቃስ ንኣቦኦምን ቤተ ክርስቲያንን ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ብንስሓ ንብዓት ተሓጺቦም ይቕሬታ ክምለሱ ግን ሃረርታይን ትጽቢተይን እዩ።

እንተዘይኮነ: ይትረፍ ትሪ ልቢ ናይዞም ፈርፈር እናበሉ ዕድሜኦም ኣብ ኣፍ ደገ ሞት ዝርከቡ ኣባ ሉቃስ፥ ኣምላኽ ንፈርዖን ምስ ሰራዊቱን ኩሉ ሓይሉን ኣብ ባሕሪ ዘስጠመ ኣምላኽ ከም ዘሎ ንኣምን ኢና።

ኣምላኽ ንዝተጋገዩ ዝንሳሕ ልቢ፥ ምሕረትን መዋጽኦን ነቶም ኣብ ሞቕሕ ሰንሰለት ዘለዉ ይሃቦም

ሰላምን ራህዋን ንኹሉ ሕዝቢ ዓለም።

 

ልሣነ ሰይፍ ዘገዳም።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div