S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ተንሲኡ ኣብዚ የለን

"ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን: በዓቢይ ሃይል ወስልጣን

ኣሰሮ ለሰይጣን: ኣግኣዞ ለኣዳም

ሰላም: እምይእዜሰ

ኮነ: ፍስሓ ወሰላም።

ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ኾይኑ ድማ እምነትኩም ከንቱ እያ። ንስኻተኩም'ውን ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኢኹም ዘለኹም። እቶም ብእምነት ክርስቶስ ዝሞቱ ከኣ ጥፉኣት እዮም። ኣብ ክርስቶስ ዘላትና እምነት ተስፋ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ እንተ ደኣ ኾይና፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምኾንና ኔርና።” 1 ቆረ 1517-19

ትርጉም ትንሳኤ ኣብ ህይወትና

ንክርስትና ትርጉም ካብ ዘልብስዎ እመነ ኵርናዕ እቲ እምነት፡ ካብቶም ቀንዲ ሓደ እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ዘይምህላዉ፡ ንክርስትና ትርጉም ኣስኢኑ ነቶም ሰዓብቱ ካብ ኹሉ ሰብ ዘደንግጹ ውጹዓት ምገበሮም። ምትንሳእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ። ብብዙሕ ሞራላዊ መዳያት ንክርስትና ተመሳሰልቲ እምነታት ኣለዉ። ንክርስትና ፍልይ ዘብሎ ሓደ ዓቢ ትምህርቲ ግና ናይ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ ኩሎም ምውታት ማእሰር ሞት በቲኹ ካብ ሞት ምትንስኡ እዩ። ናብ ኣገዳስነቱ ብሰፊሑ ክንምለስ ኢና። እንተኾነ ርዝነት ኣገዳስነቱ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ካብቲ ዲያብሎስ ነዚ ሓቂ ኣብ ምዕባጥ ዝገብሮ ላዕልን ታሕትን፡ ምስትብሃል ጥራይ ኣኻሊ እዩ። ክርስቶስ ተንሲኡ ዘይኾነስ ተሰሪቑ እዩ ብምባል ነቲ ሓቂ ክዓብጦ ፈቲኑ። እዚ ወረ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣይሁድ ይውረ ኣሎ።

ሃዋርያ ጳውሎስንሱ (ክርስቶስ) ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ።ሮሜ 425 ኢሉ ይምህረና።ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ ከምቲ ቅዱሳት ምጻሕፍቲ ዚብልዎ ኸኣ ብሳልሰይቲ ምዓልቲ ተንስኤ።” 1ቆረ 153-4 ስለዚ ትንሳኤ ክርስቶስ ምስ ሓጢኣትን ሞትን (መንፈሳዊ ሞት) ከማኡውን ጽድቂ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ። ስለዚ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ሞት ምፍላጥ ናይ ግድን ክኸውን እዩ። ፍጥረት ደቂ ሰብ ከምኡውን ሓጢኣት ካብ ኣዳምን ሄዋንን ከም ዝጀመረ እንርድኦ ሓቂ እዩ። ብሰሪ ሓጢኣት ድማ ሞት፡ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ ናብቶም ከም ሙሴ ዝኣመሰሉ ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳምውን ዘይግበሩ ሓለፈ። እዚ ሞት እዚ እቲ ብኣምላኸ ካብኣ ምስትበልዑ መዓልቲ ሞት ክትሞቱ ኢኹም ዝተባህለሎም መንፈሳዊ ሞት እዩ።እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ ከምዚ እናብለ ኣዘዞካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ። ካብ ፍረ እታ ጽቡቅን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ።ዘፍ 216-17 በታ ነታ ኦም ዝበለዓላ መዓልቲ እዚ ሞት ኣብኡ ተፍጸመ። እቲ ስጋዊ ሞት ዘመልኽት ከምዘይኾ ርዱእ ነገር እዩ። መሰረታዊ ትርጉም ሞት ምፍላይ ማለት እዩ። ሰብ ብስጋ ካብ ማእከልና ምስ ዝፍለ ሞይቱ ንብሎ። እዚ ድማ ምፍላይ ነፍሱን መንፈሱን ካብ ስግኡ የመልክት። ብእኡ መንጽር ከኣ እቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝተፈጸመ (መንፈሳዊ) ሞት፡ ብሰንኪ ሓጢኣት ምፍላይ ካብ ኣምላኸ ከምዘመልክት ግሉጽ እዩ። ከም መርኣያኡ ድማ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ካብ ገነት ሃልሃል እትብል ሴፍ ብዝሓዘ ኪሩብ ተሰጉ። ዘፍ 324 ነብዪ ኢሳይያስ ነዚ ሓቂ ኣተኲሪ ተነቢዩ።ኣይፋልን ንኣኻትኩምን ኣምላኽኩምን ኣብ ምንጎኹም ኮይኑ ዚፈላልየኩምሲ ኣብሳኹም እዩ።. ኢሳ 592 ብሰሪ እዚ ዘይምእዛዝ ሰባት ኣብ ትሕቲ ባርነት ሓጢኣት ክነብሩ ጀምሩ። ምክንያቱ ነቲ እትእዘዞ ዘበለ ኩሉ ብግብሪ ባርያኡ ምዃንካ ከምትገልጽ ግሁድ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ክገልጾ ከሎ ከምዚ ይብልንምእዛዙ ባሮት ክትኮኑ ርእስኹም ንትህብዎስ ንሓጢኣት እንተ ኾይኑ ንሞት፡ ንምእዛዝ እንተኾይኑ ንጽድቂ ነቲ እትእዘዝዎስ ባሮቱ ኸም ዝኾንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም።ሮሜ 616 ንባርያ ምውጻእ ሓራ ከም ዘድልዮ፡ ሰባት ድማ ሓርነት ዘድልዮም ፍጥረት ኾኑ። ምውጻእ ሓራ ድማ ብዝይ ኣውጻኢ ስለዘይሕሰብ፡ መድሕን (deliverer) ከድሊ ናይ ግድነት ኾነ። እንተኾነ ፍጹም ሓርነት ከውህብ ዝኽእል ምብጃው ዝፍጽም መድሕን ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዝኾነ ፍጡር ኣይትዋህቦን እሞ፡ ፈጣሪ ባዕሉ ብኣካል ሰብ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ክውለድ ናይ ግድነት ኾነ። ስለዚ እዚ ነገር ንፈጣሪ ዙፋኑ ገዲፉ ንኽመጽእ ክሳብ ዝግድዶ ዓሚቝ ምስጢር ከቢድ ርዝነት ዘለዎ ጉዳይ እዩ።ብእኡ ክንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተዋህበን። ስለዚ ድሕነት ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።. ሓዋ 412 

ከምቲ ኣቀድም ኣቢልና ዝተመልከትናዮ፡ ክልተ ዓይነት ሞት (መንፈሳውን ስጋውን) ከም ዘሎ፡ ክልተ ዓይነት ትንሳኤውን ኣሎ (መንፈሳውን ስጋውን) ከምቲ ብሰሪ ኣበሳ ኣዳም መንፈሳዊ ሞት ቅድሚ እቲ ስጋዊ ሞት ዝተጋህደ፡ ብምክንያት ምእዛዝ ክርስቶስ እቲ መንፈሳዊ ትንሳኤ ተረኪቡ፡ ነቲ ብዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ትንሳኤ ስጋ (ትንሳኤ ምውታት) ውሕስነቱ ድማ እዚ ትንሳኤ እዩ። ኣብ ላዕሊ ከም ዝተጠቕሰ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ምእንቲ ጽድቅናውን ተንስኤ። ስለዚ ትንሳኤ ካብቲ ብፍቓድና ኣብ ልዕሌና ዝሽምናዮ ሓጢኣት ዘናገፈና ዓብዪ ፍጻሜ እዩ። ትንሳኤ ክርስቶስ ብዝዘከርናሉ እንእውጆ ናይ እምንትና ኣዋጅ ሓቂ እዩ።

"ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን

በዓቢይ ሃይል ወስልጣን

ኣሰሮ ለሰይጣን

ኣግኣዞ ለኣዳም

ሰላም

እምይእዜሰ

ኮነ ፍስሓ ወሰላም

ትርጉሙ ድማክርስቶስ ብዓብዪ ሓይልን ስልጣንን ካብ ምውታት ተፈልዩ ተንስኤ፡ ንሰይጣን ኣሲሩ ንኣዳም ሓራ ኣውጽኦ፡ ሰላም ካብ ሕጂ ንድሓር ሓጎስን ሰላምን ኾይኑ።ማለት እዩ። ካበየናይ ባርነት፡ ካብቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝርኣናዮ ናይ ሓጢኣት ባርነት። ክርስቶስ ስለዝተንስኤ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጻእና። ወሲኩ ድማ ሰላም ኾነ ይብለና። ስላም ምስ መን፡ ሰላም ምስ ኣምላኸ፡ ሰላም ምስ ኩሉ ሰብ። በዚ መንጽር፡ ምልስ ኢልና ናብራናን ኣዋጅናን ይመሳሰል ኣሎዶ ኢልና ክንሓትት ናይ ግድነት ክኸውን ጽቡቅ እዩ። ገና ኣብ ሓጢኣት ምምልላስ፡ ንፍቶ ንጽላእ ነቲ ክርስቶስ ዝሞቱሉ ዕላማ ብተግባር ከንቱ ምግባር እዩ። ካብዚ ዝዓቢ መግደራ ድማ የለን።ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ኾይኑ ድማ እምነትኩም ከንቱ እያ። ንስኻትኩምውን ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኢኹም ዘለኹም።ዝብል ትምህርቲ ጳውሎስ እንተ በቲ ሓደ ሸነኩ ሪኢናዮ ከምዚ ይስምዓናንስኻተኩምውን ገና ኣብ ሓጢኣትኩም እንተ ኣለኹም ክርስቶስ ኣይተንስኤን ማለት እዩ።ገናውን ኣብ ትሕቲ ባርነት ምህላውና ዘመልክት እዩ።  ኣዋጅና ድማ ንዓና ዘይምልከት ጓና ኣዋጅ ይኸውን። እግዚኣብሄር ካብዚ ይሰውረና!! ሰለዚ ኣዋጅ ሓርነትና ንዓና ዝምልከት ናትና ዝኾነ ኣዋጅ ክኸውን እንተኾይኑ፡ ብምእማን ትንሳኤኡ ሓጢኣትና ክንንሳሕ፡ ካብ ሓጢኣት ዝተፈልየ ናብራ ንኸንነብር ዘኽእለና ጽጋ መንፈስ ቅዱስ ክህበናውን ምልማን የድሊ። ንስሓ ምሉእ ዝኽውን ሰለሰተ ደረጃታት ምስ ዘካትት እዩ። (1) ብሓጢኣትካ ምጥዓስ (2) ንሓጢኣትካ ምንዛዝ (3) ንሓጢኣትካ ምሕዳግ።ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሓድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።ምሳሌ 2813ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ። 1ዮሃ 19 እቲ ብጽድቂ ንክንነብር ዝሞተልና ጎይታ ብንስሓ ብጽድቂ ዘንብረና ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ እንልምነሉ ግዜ ክሳብ ክንደይ ባህ እናበሎ ከም ዝህብና ግሁድ እዩ። ስለዚ ቅሩብነት ጎይታ ዘየማትእ ካብ ኾነ፡ ናትና ምቕራብ እዩ እቲ ዝተርፍ ዘሎ።

እቲ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ናይ ትንሳኤ ኣዋጅና ሰላም ዝምልከት እዩ። እቲ ናይ ምጀመርታ ስላም፡ ሰላም ምስ ኣምላኸ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ሰላም ኣብ ንሓድሕድና። ብሰሪ ሓጢኣት ኣዳምን ሄዋንን እቲ ቀዳማይ ዘጥፍእዎ ነገር እቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ሰላም እዩ። ኣስዒቡ ድማ እቲ ኣብ ንሕድሕዶም ዝነበረ ሰላም። ብሕፍረት ካብ ንሕድሕዶም ኽርሓሓቑ፡ ካብኡ ሓሊፎምውን ኽካሰሱ ጀመሩ። ካብኦም ናብ ድቆም፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ድማ ሰገረ። ብትንሳኤ ጎይታ ከም ዝሪኸብናዮ እንእውጆ ካልኣይ ጸጋ ድማ እዚ ሰላም እዩ።  ሰላም ምስ ኣምላኽ፡ ሰላም ድማ ምስ ሰብ።እምበኣር ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ብጎይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ሰላም ኣሎና።ሮሜ 51 በዚ ኣጋጣሚ እቲ ብትንሳኤ ክርስቶስ ዝረኸብካዮ ሰላም ትነብረሉዶ ኣሎካ ዝብል ሕቶ ክሕተት ባህርያዊ እዩ። እንተዘይኾነ ብዘይካ ንሰሓ ካልእ መፍትሒ የብሉን።ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክብሃሉ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም።. ማቴ 59 ናይ ውሉድ ኣምላኽ መርኣዪ እዩ ኣብ ከባቢና ንሰላምን ምህዳእን ምክንያት ክንከውን ይግብኣና።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ብትንሳኤ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ጸጋታት ብንስሓ ብዝተመልአ ህይወት ክንነብረሉ እንተ ክኢልና፡ ብምጽኣት ጎይታና ኢየሱሰ ክርስቶሰ ኣብ ትንሳኤ ጻድቃን ናይ ምሕባርና ውሕስነት ንሱ እዩ።ናይ እቲ ንኢየሱስ ካብ ምውታት ዘተንስኤ መንፈስ ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ምውታት ዘተንስኦ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን በቲ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ ህያው ኪገብሮ እዩ።ሮሜ 811 ኣሜን።

እንቛዕ ልጓመ-ጾም ፈቲሑ፡ ናብ ብርሃን ትንሳኤኡ ብሰላም ኣብጽሓና!!!

ገብረ እግዚኣብሔር

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div