S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕቶታት ካብ ምእመናን

ክቡራት ግዱሳት ኣቦታት፣ ኣሕዋትን ኣሓትን፣ነዘን ቀሪበን ዘለዋ ሕቶታት፣ብጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰንየን ንጹርን ኣዕጋብን መልሲ ክወሃበን ከሎ ብዙሕ ኣማኒ ክመሃርን ክጥቀምን ስለ ዝኽእል ግዜኹም ሰዊእኩም ምምላሽኩም ኣቐዲመ ኤመስግነኩም( ድሌትኩም እንተ ዘይኮይኑ ስም ምጥቃስ ግዴታ ኣይኮነን)

1. ሓደ ሰብ ንነብሱ ከም ሓቀኛ ኣማኒ ክቆጽራ ከማልኦም ዝግበኦም ነገራት እንታይ ኢዮም? ኣብ ቤተ-ክርስትያን ምስ ዝካየድ ንጥፈታት ኣዛሚድካ ምግላጹ ይምረጽ።

2. ሓደ ኣማኒ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ንዘለዎ ኣበርክቶኸ ብከመይ ይግምግም?

3. ሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ ርግኣተ-መንፈስ ንኽህልዎ እንታይ ክገብር ኣለዎ?

4. ናይ ሓደ ኣማኒ መንፈሳዊነት(Spirituality) ብኸመይ ክበርህ ይከኣል?

5. ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ተመክሮ፣ ቤተ ክርስትያን ኣብ ህይወቱ እትጻወቶ ሚና ወይ ግደ ኣሎዶ? ግለጽ

6. እምነትካ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ይጠቕመኒ ኣሎ’ዶ ትብል? ብኸመይ?

7. ካብዛ ዓለም ብሞት ምስንባት ንዓኻ እንታይ ስምዒት የሕድረልካ ወይ ብኸመይ ትርእዮ?

8. ንዝወረደካ ሕማም ኽትቅበሎን ክትጻናናዕን እምነትካ ብኸመይ ይሕግዘካ?

9. ኣብ ዓለም ኣብ ደቂ ሰባት ንዝወርዱ ሕማቕ ኣጋጣሚታት ከም ኣማኒ መጠን ብኸመይ ትርእዮ?

10.  ሀ). ናይ ግድን ክንበቡ ይግባእ’ዩ ብማለት ኩሉ ግዜ ሰንበት ኣመንቲ ብዘይርድእዎ ቋንቋ ግዕዝ ካብ ዝንበቡ መጻሕፍቲ ተኣምረ-ማርያም፣ ስንክሳርን ገድልታትን ቤተ-ክርስትያን ንኣመንታ ድሕነት ዝረኽቡሉ መንፈሳዊ መግቢ መጊበ ሰዲደዮም’ዶ ትብል?

      ለ). ካብተን ምንባባት ዝተረዳእናዮ ዘይብልና፡ ኣሜን ምባልና፡ ብኣምላኽ ተቐባልነት ይህልዎ’ዶ ትብል ?

ሰላም ኣምላኽን ጸጋኡን ምስ ኩልና ይኹን። ኣሜን

መም/ ተኽለ ተስፉ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div