S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ደምበ-ተዋሕዶና ሕጂኸኣ “ብዕራይ-ወለደ” ዝዓይነቱ ተዋስኦ -?!

ንኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና ብዝምልከት፥ ብሃንደበት ሓድሽ-ንፋስ ክነፍስ ይስማዕ ኣሎ። እዚ ካብ ኣሥመራ ዝብገስ ዘሎ ኣውሎ ንፋስዚ፥ ነቲ ኣብ

ቤተ-ክርስቲያንና ዘሎ ህልው-ኩነታት ዘየንጸባርቕ ብምዃኑ፥ ክቕበሎ ዘይኮነስ ክሰምዖ ዝደሊውን፥ ክርከብ ዝኽእል ኣይመስለናን። ከመይሲእዚ መንገድን ትኽ ኢሉ፥ እዚ ሰብኣይን ኣበይ ኣቢሉከምዝበሃል፥ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅን፥ እቲ ዝወሃብ ዘሎ መግለጽን ዘይራኸብ ብምዃኑ እዩ።

ብዝተረፈነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻከም-ዝበሃል፥ እቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ፥ ካብ ዝሓለፈ ዓሠርተ-ዓመት ጀሚሩ፥ ብውግዘት ተኣሲሩ ዝርከብ ዘሎ ሲኖዶስ፥ በደሉ ኣሚኑ ይቕሬታ ሓታቲ ኮይኑ ኣብ ክንዲ ዝርከብ፥ ነቶም ንዓሠርተ-ዓመት መመላእታ፥ ኣብ ትሕቲ ማሕዩር ኣእትዩዎም ዝጸንሐ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ይቕሬታ ሓታቲ ኮይኖም ከም-ዝቐረቡ ንምምሳል፥ ዝግበር ዘሎ ተዋስኦ ንኣዳም ገረሞ ዘብልዩ። ከምዚ ምስ-ተረኽበ ከኣዮም ዓደቦና “-ጭጉራፍሲ ሃሪማ ተእዊዝበሉ።

ይኹን እምበር እቲ ኩሉ ግዜ፥ ተደፊኡን ተሳሒቡን ዝንቀሳቐስ ሲኖዶስ፥ ካብዚ ዝሐሸ ካልእ ነገር ክገብር ትጽቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን። እቶም ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ዝጻወቱ ዘለዉ ፈርዖናት፥ እንታዎት ምዃኖም ስለ-ዝፍለጥ ግና፥ ከምቲ “-ካብ ዕኮትዶ መዓር ይርከብ-” ዝበሃል፥ ካብኣቶምውን ሠናይ ነገር ዝጽበ ሰብ ክህሉ ኣይክእልንዩ። ስለዚ በዚ ሕጂ ዘውጽኡዎ ዘለዉ መግለጺ፥ ክደናገር ዝኽእል ሕዝቢ ኣሎ ኣይንብልን።

ንኹሉ ግልጺ ኮይኑ ክፍለጥ ከም-ዝግባእ፥ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ይቕሬታ ሓቲቶም ብምባል፥ ካብ ኣሥመራ ዝመሓላለፍ ዘሎ መግለጺ።ብዕራይ-ወለደተባሂሉ ካብ ዝንገር ጽውጽዋይ ተፈልዩ ክርአ ዝኽእል ከም ዘይኮነ፥ ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ክፈልጥዎ ዘለዎም ሓቂዩ። ከመይሲ እቲ ካብ 1991 (1983 /) ጀሚሩ፥ ኣብ ክሳድ ቤተ-ክርስቲያንና፥ ተጻዒኑ ዝርከብ ናይ ፖለቲካ-ኣርዑት ከይተላዕለ፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ እትቕበሎ ዝኾነ ይኹን ዕርቂ ከም-ዘየልቦ፥ ብኹሉን ኣብ ኩሉን ግልጺ ኮይኑ ክፍለጥ ይግባእ።

ብዝተረፈ እቶም ልጓሙ ከም-ዝበተኸ ፈረስ ኮይኖም፥ ኣብ መድረኽ ቤተ-ከስቲያን ክዕንድሩ ዝጸንሑ ኣባ-ሉቃስ፥ ቅድሚ ቅሩብ ኣዋርሕን ካይሮ ከይዶም ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፥ ብመራሕቲ ቤተ-ክርስቲያን ግብጺ ንዝቐረበሎም ናይ ዕርቂ ሓሳብ፥ ኣይንቕበሎን ኢና ብምባል ረጊጾሞ ከም-ዝኸዱ ዘይፈልጦ ኣሎ ኣይንብልን። ቃል ንቓሉናብ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኣቢልና ኢና ንጥምት እምበር፥ ናብ ሣልሳይ-ፓትርያርክ ንምለሰሉ ምኽንያት የብልናንበሃሊ ኮይኖም ከም-እተረኽቡ፥ ኣብ ምርሳዕ ዘይበጽሐ ናይ ትማሊ ታሪኽዩ። እሞ ሕጂ ደኣ እንታይ ተኣምር ስለ-ዝተፈጥረዩ፥ ናብቶም ሣልሳይ-ፓትርያርክ ኣቢልካ ምምላስ ተደልዩ ዘሎ-?!

ይኹን እምበር ብወገን ኣሥመራ ዝተባህለ ይበሃል ብዘየገድስ፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣብቲ ዝበሃል ዘሎ መኣዲ፥ ኢዳ ክትሕውስ ንረብሓኣ ከም-ዘይኮነ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ይጠፍኦ ክንብል ኣይንኽእልን። ብዝተረፈ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንደቂ-ተዋሕዶ እምበር፥ ንማንም ካልእ ዝምልከቶ ስለ-ዘይኮነ፥ እቶም ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም፥ ጸወትኦም ክቕጽሉ ዝደልዩ ሰብ ፖለቲካ፥ ድሕሪ ደጊም ሕዝቢ-ተዋሕዶ ተጻዊሩዎም ክኸይድ ዝደሊ ከም-ዘይኮነ፥ ቁርጹ ክፈልጡ ዝኽእልሉ ሰዓት ከም-ዝበጽሐ እንተ-ዝፈልጡ ጽቡቕዩ።

ሕጂ ከም ሕጂ ድማ፥ ኢዶም ኣልዒሎም ካብታ ቤተ-ክርስቲያን ክወጹ ደኣምበር፥ እቶም ፓትርያርክበደሎም ኣሚኖም ይቕሬታ ሓቲቶምዝብል ተዋስኦ ብምምሃዝ፥ ክገብሩዎ ኣብ ዝደልዩ ሓድሽ ጸወታ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ክሕወሶ ወይ ክጽንበሮ ዝደሊ ኣይኮነን። ስለዚ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ይኣክል-!! ትብል ዘላ። ብዝተረፈ ነቲ ኣብ ኩሉ ኣሎ ዘይበሃል ሲኖዶስ፥ ከም መጋበሪ ብምጥቃም ክግበር ዝድለ ዘሎ ጸወታ፥ ካብ ብሎኮ-ጎዳይፍ ሪሒቑ ክኸይድ ዝኽእል መሓውር ከም-ዘይብሉ፥ ክርድኡዎ ዘይ-ምኽኣሎም ብጣዕሚ ዘገርምዩ።

ብዝተረፈ “-ነዓይ ነንጭዋዶ ኣብ ሎቖታ-”  ከም-ዝበሃል፥ እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ 25- ዓመት፥ ብዕድል ቤተ-ክርስቲያን ክግበር ዝጸንሐ ጸወታ ምእካል ኣብዩዎም፥ ሕጂ ድማ ከም-እንደገና ሓዲሽ-ተዋስኦ ብምምሃዝ፥ ብመዓር ዝተጠቕለለ ዕረ ከነውሕጠኩምሲ ሃህ በሉልና እንተበሉ፥ እቲ ደምበ ተዋሕዶና ደጊምሲ ክዕሸወሎም ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚውን ንፓትርያርክ ብዝምልከት ዝኾነ ክለዓል ዝኽእል ሕቶ፥ በዓል ኣባ-ሉቃስ ክጭነቑሉ ዝድለ ጉዳይ ከም-ዘይኮነ፥ ጸላእን ፈታውን ክፈልጦ ኣገዳሲ እዩ።

ብዝኾነ እዚ ኣዋጅ ተባሂሉ ካብ ኣሥመራ ዝተፈነወ መግለጺ። እቶም ገና ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ዝበሉዎ ቃል ከም-ዘይኮነዮም፥ እቶም ምንጭታት ቤተ-ክርስቲያን ዘረጋግጹ ዘለዉ። እቲ ተባሂሉ ዝበሃል ዘሎ ኩሉውን፥ ነቶም በሃልቱ ደኣምበር፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝምልከቶም ነገር ከም-ዘየሎ ዝንገር ዘሎ። እቲ ነቶም ፓትርያርክ ኣብ ማሕዩር ሒዙዎም ዝርከብ ዘሎ፥ ፖለቲካዊ-ኃይሊ እቲ ነገር ስለ-ዝኸበዶ ግና፥ መውጽኢ ዝኾኖ ነቓዕ እንተረከበ ተባሂሉዩ፥ ብዕራይ-ወለደ ዝዓይነቱ ተዋስኦ ክምህዝ ኣገዲዱዎ ዝርከብ ዘሎ።

እዚ ኩሉ ድማ፥ መሬት ክወግሕ ቀሪቡ ምህላዉ ዘመልክት ስለ-ዝኾነ፥ንቁም በበህላዌነኣብ ዝበሃለሉ ሰዓት ንርከብ ምህላውና ክንፈልጥ ይግባእ። ኣብቲ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ዓቃቤ-መንበር ብምዃን፥ ዝመርሑዎ ዘለዉ ሓዋርታዊ-ሰንሰለት ዝሓለወ መንበር ወጺእና ከኣ፥ የማነ ጸጋም እንብለሉ ምኽንያት ኣሎ ኣይንብልን።

ካህን ተክለማርያም ምርካጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div